bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 22
2 Chronicles 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናብቲ ሰፈር ዝመፁ ጭፍራ ዓረባውያንን ኣሊማዞን ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ደቂ ንጉስ ኢዮራም ቀተልዎም። እቲ ንእሽተይ ወዱ ኣካዝያስ ግና ደሓነ። ስለዙይ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ንኣካዝያስ ክንዲ ኣቦኡ ኣንገስዎ።
2
ኣካዝያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ጎቶልያ እትበሃል ጓል ዘንበሪ ነበረት።
3
እኖኡ ኽፉእ ንኽገብር ትመኽሮ ስለ ዝነበረት፥ ንሱ ብመንገዲ ቤት ኣክኣብ ከደ።
4
ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ፥ መኸርቱ ኸዓ ኣብ ውድቀት ኣብፅሕዎ።
5
ምኽሮም ሰሚዑ ኸዓ ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ፥ ንጉስ እስራኤል ኮይኑ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንኢዮራም ኣቝሰልዎ።
6
ሽዑ ኢዮራም ነቲ ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ፥ ኣብ ኢይዝራኤል ክሕከም ተመለሰ። ኣካዝያስ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ድማ፥ ንኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክሪኦ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ።
7
ኣካዝያስ ናብ ኢዮራም ብምምፃኡ ምእንቲ ኽጠፍእ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ነበረ፤ ናብኡ ምስ ከደ፥ ምስ ኢዮራም ኮይኑ ነቲ ንቤት ኣክኣብ ከጥፍኣ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ክራኸቦ ወፀ።
8
ኢዩ ንቤት ኣክኣብ ፍርዲ ኽፍፅም እንተሎ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ይሁዳን፥ ነቶም ንኣካዝያስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱን፥ ረኸቦም እሞ ቐተሎም።
9
ንኣካዝያስ ከዓ ደለይዎ፤ ኣብ ሰማርያ ተሓቢኡ ምስ ረኸብዎ ድማ ሒዞም ናብ ኢዩ ኣምፅእዎ እሞ ቐተልዎ። ንሳቶም “እዙይስ ወዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቡ ዘገልገሎ ኢዮሳፍጥ እዩ” ኢሎም ቀበርዎ። ድሕሪዙይ ካብ ቤት ኣካዝያስ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ ዝኸኣለ ኣይነበረን።
10
እኖ ኣካዝያስ ጎቶልያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ፈለጠት፥ ንዅሎም ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍአቶም።
11
ኣካዝያስ ዮሳቤት እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ፤ ንሳ ጓል ንጉስ ኢዮራም ሰበይቲ ኻህን ዮዳሄ ነበረት። ካብ ማእኸል እቶም ክቕተሉ ዘለዎም ደቂ ንጉስ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ ምስ መጕዚቱ ናብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ኽፍሊ መደቀሲ ኣእትያ ሓብአቶ። ከምዙይ ገይራ ሓቢኣ ድማ ኻብ ኢድ ጎቶልያ ኣድሓነቶ።
12
ኣብኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተሓቢኡ ድማ ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ጎቶልያ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት።
← Chapter 21
Chapter 23 →