bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 19
2 Chronicles 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
2
ኢዩ ወዲ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ኸዓ ኽራኸቦ ወፀ፦ “ንንጉስ ኢዮሳፍጥ ከዓ፥ ነቲ ከሓዲዶ ትሕግዝ ኣለኻ ወይ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፀልእዎ ኽትፈትዎም ግቡእዶ ይመስለካ? በዝ ነገር እዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
3
ግና ንጣዖት ኣስታሮት ኻብዛ ምድሪ ስለ ዘወገድካን፥ ንእግዚኣብሄር ክትስዕብ ልብኻ ስለ ዘዳለኻን፥ ፅቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ” ድማ በሎ።
4
ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ግና በብእዋኑ ኻብ ደቡብ፥ ማለት ካብ ቤርሳቤህ ጀሚሩ ኽሳዕ ሰሜን፥ ክሳዕ ዝባውንቲ ኤፍሬም ናብ ማእኸል ህዝቢ እናወፀ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከም ዝምለሱ ይገብር ነበረ።
5
ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ሃገር ይሁዳ ድማ ፈረድቲ ሸመ።
6
ነቶም ፈረድቲ “ብዅሉ እትፈርድዎ ተጠንቀቑ፤ ክትፈርዱ እንተለኹም ምሳኻትኩም ንዘሎ ንእግዚኣብሄር ኢልኩም እምበር ንሰብ ኢልኩም ኣይኮነን።
7
እምበኣርከስ ፍርሓት እግዚኣብሄር ይሃሉኹም። ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዓመፅን፥ ገፅ ርኢኻ ምድላውን፥ ጉቦ ምቕባልን የለንሞ ተጠንቂቕኩም ፍረዱ” በሎም።
8
ኢዮሳፍጥ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ሕጊ እግዚኣብሄር ክጠሓስ እንተሎን፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ባእሲ ኽልዓል እንተሎን፥ ምእንቲ ኽፈርዱ፥ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሸመ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ይቕመጡ ነበሩ።
9
ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም፦ “ከምኡ ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ብቕንዕናን ብፍፁም ልብን ግበሩ።
10
ካብቶም ኣብ ዝኾነ ኸተማታቶም ዝነብሩ ኣሕዋትኩም ኣብ መንጎ ደምን ደምን፥ ኣብ መንጎ ሕግን ትእዛዝን፥ ስርዓትን ፍርድን፥ ነገር ናባኻትኩም እንተ መፀ፥ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን ቍጥዓ ኸይመፅእ ኣጠንቅቕዎም። ከምኡ እንተ ጌርኩም፥ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም።
11
“እንሆ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ብዝምልከት ኵሉ ነገር እቲ ሊቀ ካህናት ኣማርያ፥ ንንጉስ ብዝምልከት ኵሉ ነገር ከዓ እቲ ሓለቓ ነገድ ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም ተሸይሞም ኣለዉ። እቶም ሌዋውያን ድማ መራሕቲ ኾይኖም የገልግሉኹም ኣለዉ። ፅኑዓት ኩኑ፤ ብዘይ ፍርሓት ስርሑ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባሪ ፅቡቕ ይኹን።”
← Chapter 18
Chapter 20 →