bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 18
2 Chronicles 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮሳፍጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ምስ ኣክኣብ ከዓ መውስቦ ገበረ።
2
ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ከዓ ንኣክኣብ ክሪኦ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ሓረደሎም። ምስኡውን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክኸይድ ሓባበሎ።
3
ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል፥ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ምሳይ ክትከይድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ እየ፤ ህዝበይ ከዓ ኸም ህዝብኻ እዩ፤ ናብቲ ውግእውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።
4
ኢዮሳፍጥ መሊሱ “ኣቐዲምካ ግና ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
5
ሽዑ ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ነቢያት ኣኪቡ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይ ክንተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ናብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩሞ ደይብ” በልዎ።
6
ንጉስ ይሁዳ ኢዮሳፍጥ ከዓ “ክንጥይቖ እንኽእል ካልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ።
7
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቐሉ እንኽእል ካልእ ሰብ እባ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ሚክያስ ወዲ ዪምላ እዩ። ግና ንሱ ንኣይ ኵልሻዕ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና “ኣይፋልካን ንጉስ፥ ከምኡ ኣይትበል” በሎ።
8
ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንሚክያስ ወዲ ይምላ ቐልጢፍካ ኣምፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።
9
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ልብሰ መንግስቶም ለቢሶም ኣብ ዘዙፋኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ።
10
ሓደ ኻብኣቶም ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተነበየ።
11
ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ኽህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።
12
እቲ ንሚክያስ ኽፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ፥ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ኣፍ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ኸምቲ ናታቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ።
13
ሚክያስ ግና “እቲ ኣምላኸይ ዝበለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በለ።
14
ናብ ንጉስ ኣክኣብ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ሚክያስ! ንሬማት ዘገለዓድ ከይድናዶ ኽንወግኣ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ሚክያስ “ኪዱ ደኣ፥ ክቐንዐኩም እዩ፤ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ” በሎ።
15
እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር ካልእ ከይትዛረበኒ፥ ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
16
ነቢይ ሚክያስ ከዓ “ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ እምባታት ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ ” በለ።
17
እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ፥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩንዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ።
18
ሚክያስ ድማ ኸምዙይ በለ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም መላእኽቲ ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።
19
እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽመውትስ፥ መን የጋግዮ?’ በለ፤ ሽዑ ሓደ ኸምዙይ በለ፤ ሓደ ድማ ኸምቱይ በለ።
20
ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ።
21
“ንሱ ድማ ‘ወፂአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንስኻስ ክተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ ኼድካ ኸምኡ ግበር’ በሎ።
22
“ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ጥፍኣት ኣዚዙ ኣሎ።”
23
ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ንኣይ ከመይ ሓሊፉ እዩ ብኣኻ ዝዛረብ?” በሎ።
24
ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በቲ ጊዜ ውግእ ናብ ውሻጠ እትሕብአላ መዓልቲ ሽዑ ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ።
25
ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብቲ ወዲ ንጉስ ኢዮኣስን ውሰድዎ።
26
‘ኣነ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ነዝ ሰብኣይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፤ እንጀራ መከራን ማይ መከራን ከዓ ሃብዎ፤ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።
27
ነቢይ ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንድሕር ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ኸዓ “ኣቱም ህዝቢ፥ ኵልኻትኩም ስምዑኒ” በለ።
28
ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኡ ደየቡ።
29
ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ኻልእ ሰብ መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ልበስ” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ኻልእ ሰብ መሲሉ ናብ ውግእ ኣተወ።
30
ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ።
31
እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ኸበብዎ ኢዮሳፍጥ ግና ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ኸድሕኖ ኢሉ ንፀላእቱ ኻብኡ መለሶም።
32
እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ንእኡ ኻብ ምስጓጕ ተመለሱ።
33
ግና ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትረድ ኢሉ ፍላፃ ሰደደ እሞ፥ ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ ተመለስ፤ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ።
34
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ኸዓ ሞተ።
← Chapter 17
Chapter 19 →