bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 20
2 Chronicles 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪዙይ ደቂ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ምስኣቶም ድማ ገሊኣቶም ካብቶም መዑናውያን ንኢዮሳፍጥ ክዋግእዎ መፁ።
2
ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ካብ ማዕዶ ባሕሪ ጨው፥ ካብ ኤዶምያስ ብዙሕ ሰራዊት ይመፀካ ኣሎ፤ እኒሀዉ ድማ ኣብ ባሕሪ ጨው በፂሖም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። ካልኣይ ስም ናይ ዔንገዲ ሓፀፆን ታማር እዩ።
3
ሽዑ ኢዮሳፍጥ ፈርሐ እሞ ንእግዚኣብሄር ክደሊ ገፁ መለሰ፤ ኣብ ኵሉ ይሁዳውን ፆም ኣወጀ።
4
ይሁዳ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ረድኤት ክደሊ ተኣከበ፤ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ክደልዩ መፁ።
5
ንጉስ ኢዮሳፍጥ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ዝተኣከቡ ህዝቢ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ዓፀድ ደው በለ።
6
ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ ሰማይ ዘለኻ? ንዅለን መንግስታት ኣህዛብ እትገዝእስ ንስኻዶ ኣይኮንካን? ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፥ ክቃወመካ ዝኽእል የለን።
7
ኦ ኣምላኽና! ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ፥ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዝሰጐጕካዮም ንኣኣ ኸዓ ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሃብካዮም ንስኻዶ ኣይኮንካን?
8
ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፤ ኣብኣውን ንኣኻ ዘምልኹላ ቤተ መቕደስ ሰርሑ። ከምዙይ ከዓ በሉ፦
9
‘ኣብ ልዕሌና መቕፃዕቲ፥ ውግእ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት እንተ መፀ፥ ሽዑ ኣብ ቅድሜኻ፥ ኣብዛ ንኣኻ እነምልኸላ ቤተ መቕደስ ኴንና፥ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና፤ ንስኻ ኸዓ ሰሚዕኻ ኽተድሕነና ኢኻ።’
10
ሕዚ ኸዓ፥ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ኤዶምያስን እነሆ፤ ኣቦታትና ኻብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣኣቶም ክሓልፉ ስለ ዘይፈቐድካሎም፥ ዘይሮም ሓለፉ እምበር ኣየጥፍእዎምን።
11
ንሳቶም ዝመልሱልና ሞሳ ግና እንሆ ኻብዛ ዘውረስካና ርስቲ ኸውፅኡና ይመፁ ኣለዉ።
12
ኦ ኣምላኽና! ኣይትቐፅዖምን ዲኻ? ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዝ ዝመፀና ዘሎ ዓብዪ ሰራዊት ሓይሊ የብልናን፤ እንታይ ከም እንገብር ከዓ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ግና ኣዒንትና ናባኻ እየን።”
13
ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ምስ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ።
14
ሽዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ህዝቢ ዝነበረ የሕዚኤል ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ በናያስ፥ ወዲ የዒኤል፥ ወዲ ማታንያ፥ እቲ ሌዋዊ ካብ ደቂ ኣሳፍ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ።
15
ንሱ ድማ፦ “ኣቱም ሰብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ንስኻ ኢዮሳፍጥውን ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናተይ እዩ እምበር፥ ናታትኩም ኣይኮነን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን።
16
ፅባሕ ተዋግእዎም፤ እንሆ በቲ ዓቐበት ፂፅ ይድይቡ ኣለዉ፤ ኣብ ወሰን እቲ ናብ ምድረ በዳ ይሩኤል ዘእቱ ለሰ ኽትረኽብዎም ኢኹም።
17
ኣብዝ ውግእ እዙይ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዋግኡ፤ ጥራሕ ቦታኹም ሒዝኩም ቁሙ፤ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ምድሓን ከዓ ኽትሪኡ ኢኹም። ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን፥ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን፤ ፅባሕ ናብ ቅድሚኣቶም ውፁ፤ ኣነ ድማ ምሳኻትኩም ክኸውን እየ’ ” በሎም።
18
ሽዑ ኢዮሳፍጥ ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩንውን ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።
19
እቶም ሌዋውያን፥ ቀሃታውያንን ቆራሓውያንን ድማ ተሲኦም፥ የመና ዓው ብዝበለ ድምፂ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።
20
እቶም ህዝቢ ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ናብ ምድረ በዳ ቴቁሔ ወፁ። ክወፁ እንተለዉ ድማ ኢዮሳፍጥ ደው ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን ስምዑኒ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ፅኑዓት ክትኮኑ ኢኹም፤ ብነቢያቱውን እመኑ እሞ ኽቐንዐኩም እዩ።”
21
ኢዮሳፍጥ ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ዝዝምሩን ቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቐቅድሚ ሰራዊት ክወፁ እንተለዉ፥ “ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ” እናበሉ ዝውድስዎ ሰባት ኣቖመ።
22
ክዝምሩን ክውድሱን ምስ ጀመሩ ኸዓ፥ ነቶም ምስ ይሁዳ ኽዋግኡ ኢሎም ዝመፁ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ሰብ እምባ ሴይርን፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ሕቡእ ተዋጋእቲ ኣምፅአሎም፤ ንሳቶምውን ተስዓሩ።
23
እቶም ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ነቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ፈፂሞም ንኽቐትልዎምን ንኸጥፍእዎምን ተልዒሎምዎም ነበሩ፤ ነቶም ኣብ ሴይር ዝነበሩ ምስ ኣጥፍኡዎም ድማ ንስንሳቶም ሓደ ንብፃዩ ንምጥፋእ ተሓጋገዙ።
24
ሰራዊት ይሁዳ ድማ ናብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረ ግንቢ ሓለውቲ ምስ መፁ፥ ናብቲ ህዝቢ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ኸዓ ንዅሉ ምድሪ ሬሳ መሊእዎ ነበረ፤ ዘምለጠ ሰብውን ኣይነበረን።
25
ኢዮሳፍጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ክገፉ ምስ መፁ ኸዓ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፥ ገንዘብን ክቡር ኣቕሓን ረኸቡ፤ ምፅዋሩ ኽሳዕ ዝስእኑ፥ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፥ ሰለስተ መዓልቲ ኽገፍዎ ፀንሑ።
26
በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በረኸት ተኣከቡ። ኣብኣ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ። ስለዙይ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በረኸት ትበሃል ኣላ።
27
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ኣሐጕሱዎም ስለ ዘነበረ፥ ኵሎም ሰራዊት ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንጉስ ኢዮሳፍጥ መሪሕዎም፥ ብሓጐስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
28
ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ኸዓ ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ።
29
ኵሎም መንግስታት ሃገራት ከዓ እግዚኣብሄር ንፀላእቲ እስራኤል ከመይ ገይሩ ኸም ዝሰዓሮም ሰምዑ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወደቐ።
30
መንግስቲ ኢዮሳፍጥ ከዓ ህድኣት ረኸበት፤ እግዚኣብሄር ድማ ብዅሉ ወገን ዕረፍቲ ሃቦ።
31
ኢዮሳፍጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዓዙባ እትበሃል ጓል ሺልሒ ነበረት።
32
ብመንገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፤ ካብኡውን ኣይረሓቐን፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ገበረ።
33
ግና ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኣየወገዶን ነበረ። እቶም ህዝቢ እውን ገና ብምሉእ ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣይተመለሱን ነበሩ።
34
እቲ ዝተረፈ ኢዮሳፍጥ ዝገበሮ፥ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብቲ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት እስራኤል ዘሎ ታሪኽ ኢዩ ወዲ ሓናኒ ተፅሒፉ ኣሎ።
35
ድሕሪዙይ ግና ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ኽፉእ ዝግብሩ ኣካዝያስ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ።
36
ክልቲኦም ድማ ናብ ተርሴስ ዝኸዳ መራኽብ ከስርሑ ተሓባበሩ፤ መራኽብ ድማ ኣብ ዔፅዩንጋብር ኣስርሑ።
37
ሽዑ ኣልኣዛር ወዲ ዶዳያ፥ በዓል መሪሳም፥ ኣብ ልዕሊ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ምስ ኣካዝያስ ንጉስ እስራኤል ስለ ዝሓበርካ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ስራሕኻ ኸፍርሶ እዩ” ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከዓ ተሰብራ፤ ናብ ተርሴስ ክኸዳውን ኣይከኣላን።
← Chapter 19
Chapter 21 →