bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 17
2 Chronicles 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሳ ኸዓ ኽንዲ ኣቦኡ ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያንውን ሓይሉ ኣጠናኸረ።
2
ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓሻኽር፥ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ።
3
ኢዮሳፍጥ ድማ በተን ቀዳሞት ዓመታት ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝነበሮ ኸምኡ ስለ ዝነበረን፥ ንጣዖታት በዓልውን ስለ ዘየምለኸን፥ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ።
4
ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ኣገልገለ፤ ብትእዛዛቱ ኸዓ ኸደ እምበር፥ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይገበረን።
5
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመንግስቲ ይሁዳ ኣብ ኢዱ ኣፅንዓ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮሳፍጥ ገፀ በረኸት ሃቡዎ፤ ሃብትን ክብረትን ከዓ በዝሐሉ።
6
ልቡውን ብመንገዲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ፤ ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ ዀረብታታትን ንምስሊ ጣዖት ኣስታሮትንውን ካብ ይሁዳ ኣወገዶ።
7
ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ኸዓ ንቤንሓይልን ኣብድያስን ዘካርያስን ናትናኤልን ሚክያስ ንዝበሃሉ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኽምህሩ ሰደዶም።
8
ምስኣቶም ድማ እቶም ሌዋውያን፥ ሸማያ፥ ነታንያ፥ ዝባድያ፥ ኣሳሄል፥ ሰሚራሞት፥ ዮናትን፥ ኣዶንያስ፥ ጦብያ፥ ጦባዶንያን ነበሩ። ምስኣቶምውን እቶም ካህናት ኤሊሳማን ኢዮራምን ነበሩ።
9
ንሳቶም መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም፥ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ እናዞሩ፥ ነቲ ህዝቢ ይምህርዎ ነበሩ።
10
ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ መንግስታት ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ፍርሓት ስለ ዝወረደ ምስ ኢዮሳፍጥ ኣይተዋግኣን።
11
ገሊኣቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኢዮሳፍጥ ብሩርን ካልእ ውህብቶን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ዓረባውያን ድማ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ማጓሉ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን መኻኽቲ የምፅኡሉ ነበሩ።
12
ኢዮሳፍጥ ከዓ የመና እናሓየለን እናገነነን ከደ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ስንቂ ዝእክበለን ከተማታትን ሰርሐ።
13
ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ብዙሕ ስንቂ ሰራዊት ኣከበ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሓያላት ተዋጋእቲ ሰባት ነበርዎ።
14
ቍፅሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከምዙይ ነበረ፦ ዓድና፥ ሓለቓ ናይቶም ካብ ይሁዳ ዝመፁ ሓሻኽር ነበረ፤ ኣብ ትሕቲኡ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ወታደራት ነበርዎ።
15
ኣብ ትሕቲኡ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ኸዓ ይሆሓናን ነበረ፤ ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
16
ብድሕሪኡ ሳልሳይ ዓማስያ ወዲ ዝክሪ ነበረ፤ ንሱ ድማ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። ዓማስያ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ርእሱ ዝወፈየ እዩ።
17
ካብ ነገድ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤሊዳሄ፥ ቀስትን ዋልታን ዝሓዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።
18
ኣብ ትሕቲኡ ድማ ዮዛባት፥ ንውግእ ዝተዳለዉ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።
19
እዚኣቶም ንንጉስ ዘገልግልዎ ዝነበሩ እዮም፤ ብዘይ ንሳቶም ከዓ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ናይ ይሁዳ ዘቐመጦም ወታደራት ንንጉስ የገልግሉ ነበሩ።
← Chapter 16
Chapter 18 →