bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 11
2 Chronicles 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መፀ፥ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብኡ ናብ መንግስቲ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፥ ካብ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
2
ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሸማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦
3
“ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ንዘለዉ ዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦
4
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትኺዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። እዝ ነገር እዙይ ብፍቓደይ ዝኾነ እዩ።” ንሳቶም ከዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝበሎም ሰሚዖም፥ ንኢዮርብዓም ክወግኡ ኻብ ምኻድ ተመለሱ።
5
ሮብዓም ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጠ፤ ነዘን ዝስዕባ ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ኸተማታት ከዓ ዓረደን፦
6
ንሳተንውን ቤተ ልሔምን፥ ኤጣምን፥ ቴቁሔን፥
7
ቤትፁርን፥ ሶኮን፥ ኣዶላምን፥
8
ጌትን፥ መሪሳን፥ ዚፍን፥
9
ኣዳራይምን፥ ለኪሶንን፥ ዓዜቃን፥
10
ፆርዓን፥ ኤሎንን፥ ኬብሮንን እየን።
11
ንዕርድታት እዘን ከተማታት እዚኣተንውን ኣጠናኸሮ፤ ኣዘዝቲ ኸዓ ገበረለን። ስንቂ ዝኸውን እኽልን ዘይትን ወይንን ድማ ኣብኣተን ኣከበ።
12
ኣብ ኵለን ከተማታትውን ዋላቱን ኲናታትን ኣቐመጠለን፤ የመና ድማ ኣጠናኸረን። በዝ ኸምዙይ ከዓ ምድሪ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኾና።
13
እቶም ኣብ ኵሉ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኵሉ ዓድታቶም ናብኡ መፁ።
14
እቶም ሌዋውያን፥ ካህናት እግዚኣብሄር ኮይኖም ከየገልግሉ፥ ኢዮርብዓምን ደቁን ኣልቂቖምዎም ነበሩሞ፥ ሌዋውያን መዋፈሪኦምን፥ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እንተይተረፈ እናሓደጉ ናብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን መፁ።
15
ኢዮርብዓም ግና ንዀረብታታት መስገዲታትን ንኣጋንንቱን ንዝሰርሖም ምራኹትን ዘገልግሉ ኻህናት ኣቖመ።
16
ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ልቦም ዝሃቡ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ምእንቲ ኽስውኡሉ፥ ንሌዋውያን ተኸቲሎም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ።
17
ሰለስተ ዓመትውን ብመንገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩሞ፥ ሰለስተ ዓመት ንመንግስቲ ይሁዳ ኣበርትዑ፤ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞንውን ኣፅንዕዎ።
18
ሮብዓም ንመሓላት ኣእተዋ፤ ንሳ ጓል ኢያሪሙት ወዲ ዳዊት ነበረት። እኖኣ ኸዓ ኣቢካኢል ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይ ነበረት።
19
ንሳ ድማ፥ የዑስን ሰማራያን ዘሃምን ዝበሃሉ ኣወዳት ወለደትሉ።
20
ብድሕሪኣ ኸዓ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ኣእተዋ፤ ንሳ ድማ ንኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሰሎሚትን ወለደትሉ።
21
ሮብዓም ከዓ ዓሰርተ ሸሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፤ ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣጓላትን ድማ ወሊዱ ነበረ፤ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ግና ሕልፊ ዅለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ይፈትዋ ነበረ።
22
ሮብኣም ከዓ ነቲ ኻብ መዓካ ዝወለዶ ኣብያ ዝበሃል ወዱ ኸንግሶ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሸሞ።
23
ብምስትውዓል ድማ ንዅሎም ደቁ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን ብንያምን፥ ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታትን ሓለፍቲ ገይሩ ኣቐመጦም፤ ብዙሕ ምግቢ ድማ ሃቦም ብዙሓት ኣንስቲ እውን ደለየሎም።
← Chapter 10
Chapter 12 →