bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 9
1 Samuel 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብ ነገድ ብንያም ቂስ ዝበሃል ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ፀሮር፥ ወዲ ብኮራት፥ ወዲ ብንያማዊ ኣፌቅ ፅኑዕ ሓያል ሰብ ነበረ።
2
ንሱ ኸዓ ሳኦል ዝበሃል መልክዐኛ መንእሰይ ወዲ ነበሮ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዝፅብቕ ሰብ ኣይነበረን፤ ምንዋሑ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ፀብለል ዝበለ ነበረ።
3
ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ “ካብዞም ኣገልገልቲ ሓደ ምሳኻ ውሰድ እሞ፥ ኪድ ነተን ኣእዱግ ድለየን” በሎ።
4
ሽዑ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬምን ኣብ ምድሪ ሻሊሻን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ሓሊፎም ድማ ደለይወን፤ ኣብኣውን ኣይነበራን፤ ኣብ ምድሪ ብንያማውያንውን ዘይሮም ደለይወን፤ ግና ኣይረኸብወንን።
5
ናብ ምድሪ ፁፍ ምስ መፁ፤ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ “ኣቦይ ናይ ኣእዱግ ሓዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፥ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ” በሎ።
6
እቲ ኣገልጋሊ ግና “እንሆ፥ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣሎ፥ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ እዩ፤ ዝበሎ ዅሉ ይፍፀም እዩ እሞ፥ ሕዚ ናብኡ ንኺድ፤ ንሱ ምናልባሽ እንኸደሉ መንገዲ ይነግረና ይኸውን” በሎ።
7
ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊ “እሺ ምኻድስ ንኺድ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንታይ ክንወስደሉ ኢና? ኣብ ለቖታና ዝነበረ እንጀራ ተወዲኡ እዩ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እነቕርበሉ ውህብቶ የብልናን፤ እንታይ ድኣ ኽንወስደሉ ኢና?” በሎ።
8
እቲ ሓሽከር ከዓ ንሳኦል “እንሆ ሰለስተ ግራም ብሩር ኣብ ኢደይ ኣለኒ፤ እምበኣር መንገድና ምእንቲ ኽሕብረናስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ክህቦ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
9
(እዝ ሎሚ ነቢይ ዝበሃል ዘሎ፥ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፥ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክጥይቕ እንትኸይድ “ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ።)
10
ሳኦል ድማ ነቲ ኣገልጋሊኡ “ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ንዓናይ ንኺድ” በሎሞ፥ ናብታ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።
11
ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዘደይብ ዓቐበት ክድይቡ እንተለዉ፥ ማይ ክወርዳ ዝወፃ ኣዋልድ ረኸቡ እሞ “እቲ ረኣዪ ኣብዙይዶ ኣሎ?” ኢሎም ጠየቑወን።
12
ንሳተን ከዓ “እወ፥ ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ፤ ሕዚ ቐልጥፉ፤ እዝ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽስውእ እዩ እሞ፥ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መፂኡ ኣሎ።
13
ናብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ገና ናብቲ በሪኽ ክበልዕ እንተይደየበ፥ ክትረኽብዎ ኢኹም። ንሱ እዩ ነቲ መስዋእቲ ዝባርኾ እቶም ህዝቢ ንሱ እንተይመፀ ኣይበልዑን እዮም። ድሕሪኡ እዮም እቶም ዕዱማት ዝበልዑ። በዛ ጊዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፤ ስለዙይ ሕዚ ደይቡ” በላኦም።
14
ናብታ ኸተማ ኸዓ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ፥ እንሆ፥ ሳሙኤል ናብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽድይብ ናብኣቶም ኣቢሉ መፀ።
15
ሳኦል ቅድሚ ምምፅኡ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ ኢሉ ገሊፁሉ ነበረ፦
16
“ስቓይ ህዝበይ ሪአ፤ ገዓሮም ከዓ ናባይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፤ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ክኸውን ቅብኣዮ፤ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም እዩ።”
17
ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረአዮ፥ እግዚኣብሄር፥ “እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝገዝእ እዙይ እዩ” በሎ።
18
ሳኦል ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ “ቤት እቲ ረኣዪ ኣበይ ከም ዝኾነ በይዛኻ ኣርእየኒ?” በሎ።
19
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “እቲ ረኣዪ ኣነ እየ፤ ሎሚ ምሳይ ክትመስሑ ኢኹም እሞ፥ ቅድመይ ናብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ደይቡ፤ ፅባሕ ግና ዅሉ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ነጊረ ኽሰደካ እየ።
20
እተን ካብ ዝጠፍኣ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከዓ ተረኺበን እየን እሞ፥ ብኣኣተን ኣይትሕሰብ። ኵሉ እቲ እስራኤል ዝምነዮኸ፥ ንመን ድዩ? ንኣኻን ንቤት ኣቦኻንዶ ኣይኮነን?” በሎ።
21
ሳኦል ድማ “ኣነስ ብንያማዊ፥ ካብቶም ኣናእሽቱ ነገዳት እስራኤል ሓደዶ ኣይኮንኩን? ዓሌተይ ከዓ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዝንእስዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዙይ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘለኻ?” ኢሉ መለሰሉ።
22
ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ኣገልጋሊኡን ናብ ኣዳራሽ ኣእትዩ፥ ብልዕሊ እቶም ዕዱማት ኣቐመጦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣስታት ሰላሳ ሰብ ነበሩ።
23
ሳሙኤል ድማ ነቲ ሰራሒ ፀብሒ “ነቲ ምሳኻ ኣንብሮ ኢለ ዝሃብኩኻ ምቃል ስጋ ኣምፅአዮ” በሎ።
24
እቲ ሰራሒ ፀብሒ ኸዓ፥ ነቲ ስጋ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዝነበረን ኣምፂኡ፥ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ “ነቲ ህዝቢ ካብ ዝፅውዕ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ንኣኻ ተቐሚጡልካ ነይሩ እዩሞ፥ ነቲ ዝተቐመጠልካ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ እዩሞ እንሆ ብልዓዮ” በሎ። ሳኦል ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ።
25
ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ፥ ናብታ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፥ ሳሙኤል ኣብ ዝባን ናሕሲ ኾይኑ ምስ ሳኦል ተዛራረበ።
26
ኣንጊሆም ከዓ ተስኡ። ምስ ወግሐ፥ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ኾይኑ ንሳኦል “ከፋንወካ ተስእ” ኢሉ ፀውዖ። ሳኦል ከዓ ተስአ፤ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ኽልቲኦም ናብ በረኻ ወፁ።
27
ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፥ ሳሙኤል ንሳኦል “ነዝ ሓሽከር ‘ንቕድሜና ክሓልፍ ንገሮ፤’ ንስኻ ግና፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኽነግረካስ፥ ኣብዙይ ደው በል” በሎ። እቲ ሓሽከር ከዓ ሓለፈ።
← Chapter 8
Chapter 10 →