bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 8
1 Samuel 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፥ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረድቲ ገበሮም።
2
ስም እቲ በዅሪ ወዱ ኢዩኤል፥ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸዓ ኣቢያ ነበረ፤ ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ ፈረድቲ ነበሩ።
3
እቶም ደቁ ግና ብመንገዱ ኣይከዱን፤ ናብ ስስዕና ደኣ ዘምበሉ፤ ጉቦ እናተቐበሉውን ፍርዲ የቐይንኑ ነበሩ።
4
ሽዑ ዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም መፁ፤
5
“እንሆ፥ ንስኻ ኣሪግካ ኢኻ፤ ደቅኻ ኸዓ ብመንገድኻ ኣይከዱን። እምበኣር ሕዚ ኸም ኵሎም ኣህዛብ ዝፈርደልና ንጉስ አንግሰልና” በልዎ።
6
“ዝፈርደልና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ንሳሙኤል ኣሕዘኖሞ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።
7
እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ከይነግስ፥ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፥ ንኣኻ ኣይኮኑን ዝነዓቑ እሞ፥ ኵሉ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ቓሎም ስማዕ።
8
ኣነ ንኣኣቶም ካብ ግብፂ ኻብ ዘውፃእኹዎም መዓልቲ ጀሚሮም፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምለኹ፥ ንኣኻውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።
9
ሕዚ እውን ቃሎም ስማዕ፤ ግና ፅኑዕ ምስክርነት መስክረሎም፤ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ዝነግስ ንጉስ ስርዓትውን ንገሮም።”
10
ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ከንግሰሎም ዝለመኑ ህዝቢ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ነገሮም።
11
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ ከምዙይ ክገብረኩም እዩ፦ ነወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክገብሮም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ቐቅድሚ ሰረገላኡ ኽጐዩ እዮም።
12
ንባዕሉ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ክገብሮም እዩ። ግራቱ ዝሓርሱን ዓፂዱ ዝዓፅዱን፥ ኣፅዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ዝሰርሑ ክኾኑ እዮም።
13
ነዋልድኩም ከዓ ሽቱ ኸቃምማን ፀብሒ ኽሰርሓን እንጀራ ኽስንክታን ክወስደን እዩ።
14
እቲ ዘዝበለፀ ገራሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይትኹምን ወሲዱ ድማ ንኣገልገልቱ ኽህቦም እዩ።
15
ኣስራት ዝሩእኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸዓ ንሹመኛታቱን ንኣገልገልቱን ክህቦም እዩ።
16
ኣገልገልትኹምን ኣግራድኩምን፥ ዘዝበለፁ ኸፍትኻትኩምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ኣብ ስራሑ ኸውዕሎም እዩ።
17
ካብ ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ኣስራት ክወስድ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ባሮቱ ኽትኮኑ ኢኹም።
18
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ በቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ ናብ እግዚኣብሄር ክተእውዩ ኢኹም፤ ግና በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣይሰምዐኩምን እዩ።”
19
እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣበይዎ። “ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይሃልወና።
20
ንሕና ኸዓ ኸምቶም ኵሎም ኣህዛብ ክንኸውን፥ ንጉስና ኽፈርደልናን ቀቅድሜና ወፂኡ ድማ ውግእና ኽዋግአልናን ኢና እንደሊ” በሉ።
21
ሳሙኤል ዅሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
22
እግዚኣብሄር ከዓ ንሳሙኤል “ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ከተማኡ ይኺድ” በሎም።
← Chapter 7
Chapter 9 →