bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 10
1 Samuel 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ እሞ ሰዓሞ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ርስቱ ሓለቓ ኽትከውን እግዚኣብሄር ቀቢኡካ ኣሎ፤ ንህዝቢ እግዚኣብሄርውን ክትገዝእ ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኦም ካብ ዘለዉ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ክተድሕኖም ኢኻ።
2
ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፥ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፥ ኣብ ወሰን ብንያም ኣብ ፄልፃሕ ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ‘እተን ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካ ኣእዱግ ተረኺበን፤ እንሆ ድማ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉ፥ ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር እየ? እናበለ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ’ ኽብሉኻ እዮም።
3
“ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ታቦር ኣብ ዘላ ዓባይ ኦም ምስ በፃሕኻ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ዝድይቡ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ወጠጦ እናሰሓበ ዝኸይድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰለስተ እንጀራ ዝፆረ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ሓርቢ ወይኒ ዝፆረ፥ ሰለስተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ።
4
ንሳቶም ‘ሰላም ክብሉኻ እዮም፤ ክልተ እንጀራውን ክህቡኻ እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ኻብ ኢዶም ክትቅበል ኢኻ።’
5
“ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።
6
መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኻ ኽወርድ እዩ፤ ምስኣቶም ድማ ኽትንበ ኢኻ፤ ካልእ ሰብ ኴንካ ድማ ኽትልወጥ ኢኻ።
7
እዞም ምልክታት እዚኣቶም ምስ በፅሑኻ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ስለ ዝኾነ፥ እቲ ዝግባእ ግበር።
8
“ቅድመይ ናብ ጌልገላ ውረድ፤ እንሆ ኸዓ ኣነ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ፥ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ኽስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መፂአ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ ግና ሸውዓተ መዓልቲ ኽትፀንሕ ኢኻ።”
9
ሳኦል ካብ ሳሙኤል ክኸይድ ገፁ ምስ መለሰ፥ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ዅሎም እዞም ምልክታት እዚኣቶም በፅሑሉ።
10
ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ።
11
ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ፥ ሳኦል ምስ ነቢያት ኮይኑ ክንበ ምስ ረአይዎ፥ “እዝ ኣብ ወዲ ቂስ ኮይኑ ዘሎ እንታይ እዩ? ሳኦልውንዶ ምስ ነቢያት እዩ?” ተበሃሃሉ።
12
ኣብቲ ስፍራ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ከዓ “ኣቦ እዞም ነቢያትስ መን ድዩ?” ኢሉ መለሰ። ስለዙይ ከዓ እዩ እቲ “ሳኦልውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ዝብል ምስላ ዝኾነ።
13
ትንቢት ምንጋር ምስ ወድአ ድማ ናብቲ መስገዲ ቦታ ኸደ።
14
ሓወቦ ሳኦል ከዓ ንእኡን ንኣገልጋሊኡን “ናበይ ኬድኩም ኔርኩም?” በሎም። ንሱ ድማ “ኣእዱግ ክንደሊ፥ ምስ ሰኣንናየን ከዓ ናብ ሳሙኤል ከድና” በሎ።
15
ሓወቦ ሳኦል ድማ “እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።
16
ሳኦል ከዓ ንሓው ኣቦኡ “እተን ኣእዱግ ከም ዝተረኽባ ብርግፅ ነገረና” በሎ። እቲ ሳሙኤል ብዛዕባ ምንጋሱ ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።
17
ሳሙኤል ድማ ንህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ፀውዖም።
18
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዘጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሓንኩኹም’ ይብል ኣሎ።
19
ንስኻትኩም ግና ሎሚ ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጭንቀትን ዘድሕነኩም ኣምላኽ ነዓቕኩምዎ፤ ንእኡ ኸዓ ‘ኣይፋልካን! ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና’ በልኩምዎ። እምበኣር ሕዚ በብነገድኩምን በብማይ ቤትኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ” በሎም።
20
ሳሙኤል ከዓ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፤ እቲ ዕፃ ድማ ኣብ ልዕሊ ነገድ ብንያም ወደቐ።
21
ንነገድ ብንያም ከዓ በብዓሌቶም ኣቕረቦም፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዓሌት ማትሪ ሓረየ። ካብ ዓሌት ማትሪ ኸዓ ንሳኦል ወዲ ቂስ ሓረየ። ንሳኦል እንተ ደለይዎ ግና ኣይረኸብዎን።
22
መሊሶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ ናብዙይዶ መፂኡ ኣሎ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “እወ! ንሱ ኣብ መንጎ ኣቑሑ ተሓቢኡ ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም።
23
ጐይዮም ከዓ ንሳኦል ካብኡ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ነውሖ።
24
ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ፥ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየለ፥ ርኢኹምዶ?” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ንጉስ ህያው ይኹን” እናበሉ ዕልል በሉ።
25
ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ሕግታት መንግስቲ ነገሮም፤ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ዅሉ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ።
26
ሳኦል ድማ ናብ ቤቱ ናብ ገባዖን ከደ፤ እግዚኣብሄር ልቦም ዘለዓዓሎም ጀጋኑ ኸዓ ምስኡ ኸዱ።
27
ሓድሓደ ኽፉኣት ሰባት ግና “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸድሕነና እዩ?” ኢሎም ስለ ዝነዓቕዎ፥ ገፀ በረኸት ኣይሃብዎን። ንሱ ግና ኸም ዘይሰምዐ ኾነ።
← Chapter 9
Chapter 11 →