bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 30
1 Samuel 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ መፁ። እንሆ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንፂቅላግን ድማ ሓደጋ ኣውዲቖምለን ነበሩ። ንፂቅላግ ከዓ ዘሚቶም ብሓዊ ኣቃፂሎምዋ ነበሩ።
2
ነንስትን ኣብኣ ንዝፀንሑ ዅሎምን ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፤ ግና ማሪኾም ደኣ መንገዶም ከዱ እምበር፥ ሓደ ዝቐተልዎ ሰብ እኳ ኣይነበረን።
3
ዳዊትን ሰዓብቱን ናብ ፂቅላግ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ ብሓዊ ተቓፂላ፥ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ተማሪኾም ከይዶም ነበሩ።
4
ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ሓይሊ ኽሳዕ ዝስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።
5
ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊት፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን ከዓ ተማሪኸን ነበራ።
6
ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን መሪርዎ ስለ ዝነበረ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ንዳዊት ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ እሞ፥ የመና ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ልቡ ኣፅንዐ።
7
ዳዊት ንኻህን ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ “በይዛኻ ኤፉድ ኣምፅአለይ” በሎ። ኣብያታር ከዓ ነቲ ኤፉድ ናብ ዳዊት ኣምፅኦ።
8
ዳዊት ድማ፥ “ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ? ኸርክቦምዶኸ እኽእል እየ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ብርግፅ ክተርክቦም፥ ብርግፅውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፥ ሰዓቦም” በሎ።
9
ሽዑ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፤ ኣብ ሩባ በሶር ምስ በፅሑ ኸዓ ገሊኣቶም ሰባት ኣብኡ ተረፉ።
10
እዚኣቶም ደኺሞም ንሩባ በሶር ምስጋር ስኢኖም ንድሕሪት ዝተረፉ ኽልተ ሚእቲ ሰባት እዮም። ዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰጊሮም ሰዓቡ።
11
ኣብ በረኻ ድማ ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ረኺቦም ናብ ዳዊት ኣምፂኦም፥ እንጀራ ሃብዎ፤ ማይውን ኣስተይዎ።
12
ቍራስ ጎጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሃብዎ። ንሱ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን ሰለስተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ እሞ፥ ምስ በልዐ ነፍሱ ናብ ባዕሉ ተመለሰት።
13
ዳዊት ነቲ ግብፃዊ “ንስኻ ናይ መን ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ግብፃዊ፥ ሓሽከር ሓደ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጐይታይ ሓዲጉኒ ኸይዱ።
14
ንሕና ንደቡብ ከሬጣውያንን ንምድሪ ይሁዳን ንደቡብ ካሌብን ሓደጋ ኣውደቕናለን፤ ንፂቅላግ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፀልናያ” በለ።
15
ዳዊት ድማ “ናብቶም ሰራዊት ክትመርሐኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ናብቶም ሰራዊት ክመርሐካስ፥ ከይትቐትለኒ፤ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒ፤ ብኣምላኽ መሓለለይ” በሎ።
16
ንሱ መሪሑ ምስ ወሰዶ ኸዓ እንሆ፥ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝዘመትዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ።
17
ዳዊት ድማ ፅልግልግ ክብል እንተሎ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምሸት ወግኦም። ብዘይ እቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተቐሚጦም ዝሃደሙ ኣጓብዝ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን።
18
ዳዊት ከዓ ነቲ ዅሉ ኣማሌቃውያን ዘሚቶምዎ ዝነበሩ ኣምለሰ፤ ንኽልቲአን ኣንስቱውን ኣምለሰን።
19
ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ካብ ኣወዳት ኮነ ኻብ ኣዋልድ፥ ካብቲ ዅሉ ተዘሚቱ ዝነበረ፥ ሓደኳ እንተየትረፈ ዳዊት ኣምለሶ።
20
ዳዊት ድማ ንዅለን ኣባጊዕን ከፍትን ዘመተን፥ ኣገልገልቱ ኸዓ ንኣኣተን ቀቅድሚ ዳዊት እናኾብኰቡ “እዚኣተን ምርኮ ዳዊት እየን” ይብሉ ነበሩ።
21
ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ሩባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰባት መፀ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ክቕበልዎም ወፁ። ዳዊት ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ “ደሓን” ምህላዎም ጠየቐ።
22
ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ፥ እቶም ክፉኣትን፥ መዕገርገርትን ዝኾኑ ሰባት፥ “እዚኣቶም ምሳና ስለ ዘይከዱ፥ ካብዝ ዘምለስናዮ ምርኮ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፎም ኣንስቶምን ደቆምን ጥራሕ ሒዞም ይኺዱ” በልዎ።
23
ዳዊት ግና “ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ሓልዩናን፥ ነቲ መፂኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፥ በቲ ንሱ ዝሃበናስ ከምዙይ ኣይትግበሩ።
24
በዝ ነገር እዙይ ደኣ መን ክሰምዐኩም እዩ? ግደ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉን፥ ግደ እቶም ኣቑሑ ዝሓለዉን ሓደ እዩ እሞ፥ ኵሎም ማዕረ እዮም ዝማቐሉ” በሎም።
25
ዳዊት ድማ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዙይ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ።
26
ዳዊት ናብ ፂቅላግ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ “ካብ ምርኮ እቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር እንሆ ገፀ በረኸት” ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም።
27
ነቶም ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት፥ ኣብ የቲር፥
28
ኣብ ዓሮዔር፥ ኣብ ሲፍሞት፥ ኣብ ኤሽትሞዓ፥
29
ኣብ ራካል፥ ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ከተማታት ቄናውያን፥
30
ኣብ ሔርማ፥ ኣብ ቦርዓሻን፥ ኣብ ዓታኽ፥
31
ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፥ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን ዝነበሩለን ኵለን ቦታታት፥ ገፀ በረኸት ሰደደሎም።
← Chapter 29
Chapter 31 →