bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 31
1 Samuel 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፤ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወደቑ።
2
ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም። ንደቁ ዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳንን ቀተልዎም።
3
እቲ ውግእ ከዓ ንሳኦል በርትዖ፤ ፍላፃ ዝውርውሩ ሰባት ኣርኪቦም ስለ ዝወግእዎ ድማ እምብዛ ተጨነቐ።
4
ሳኦል ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝፀውር፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ወጊኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ብእኡ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ግና እምብዛ ፈሪሑ ነበረ እሞ ኣበዮ። ሽዑ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
5
እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ኸዓ ሳኦል ምሟቱ ምስ ረአየ፥ ንሱ ድማ ናብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ።
6
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከምን ኵሎም ሰባቱን ብሓደ ሞቱ።
7
እቶም ኣብ ማዕዶ እቲ ለሰን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ ሰራዊት እስራኤል ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ከዓ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን።
8
ንፅባሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መፁ፤ ንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።
9
ርእሱ ቘሪፆም ከዓ ኣፅዋሩ ገፈፍዎ። ኣብ ቤት ጣዖታቶምን ኣብቲ ህዝብን ከበስሩ ድማ ናብ ዙሪያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ።
10
ነቲ ኣፅዋሩ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ኣስታሮት ኣንበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቅፅሪ ቤትሳን ሰቐልዎ።
11
እቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ሰምዑ።
12
ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ድማ ተሲኦም ምሉእ ለይቲ ግስግስ ሓዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቅፅሪ ቤትሳን ወሰድዎ። ናብ ኢያቢስ መፂኦም ከዓ ኣብኡ ኣቃፀልዎ።
13
ነቲ ኣዕፅምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኢያቢስ ዘላ ኦም ቀበርዎ። ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ።
← Chapter 30