bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 29
1 Samuel 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፍልስጥኤማውያን ድማ ዅሉ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤላውያን ኣብ ኢይዝራኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ።
2
እቶም ነገስታት ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኮይኖም ይጕዓዙ ነበሩ፤ ዳዊትን ሰባቱን ከዓ ደጀን ኮይኖም ደድሕሪ ኣንኩስ ይጕዓዙ ነበሩ።
3
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንኣንኩስ “እዞም ዕብራውያን እዚኣቶም ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ። ኣንኩስ ድማ ንነገስታት ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ሓሽከር ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኮነን? ካብ ዓመት ዝበዝሕ ምሳይ ተቐሚጡ እዩ። ካብታ ናባይ ዝተፀግዐላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን” በሎም።
4
እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ግና ዀረዩሉ፤ ከምዙይ እውን በልዎ፦ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ናብታ ኽቕመጣ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ምለሶ። ኣብ ውግእ ተፃራሪ ምእንቲ ኸይኾነናስ ናብ ውግእ ኣይውረድ። ንሱ ምስ ጐይታኡ ምእንቲ ኽዕረቕ፥ ርእሲ ሓሻኽርና ብምቝራፅ እንተ ዘይኮይኑ ንጐይታኡ ብምንታይ ከሐጕሶ ይኽእል?
5
እዙይስ እቲ ደረፍቲ እናሳዕስዓ፦ ‘ሳኦል ሽሕ፥ ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ’ ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኮነን?”
6
ሽዑ ኣንኩስ ንዳዊት ፀዊዑ “ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝኾንካ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብታ ናባይ ዝመፃእኻላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኽፉእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፥ ኣብዝ ሰራዊት እዙይን ምሳይ ምውፃእኻን ምእታውካን ሰናይ እዩ። ነዞም ኣሕሉቕ ግና ደስ ኣየበሎምን።
7
እምበኣር ሕዝስ ነሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዘጕሂ ኸይትገብርስ፥ ተመለስ እሞ ብሰላም ኪድ” በሎ።
8
ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “እንታይ እሞ ገይረ እየ? ኸይደ ምስ ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእስ፥ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝኾንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሓሽከርካ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ?” በሎ።
9
ኣንኩስ ድማ ንዳዊት “እዞም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ‘ምሳና ኾይኑ ኣይዋጋእ’ ስለ ዝበሉ ደኣ እምበር ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣበር ዘይብልካ ኸም ዝኾንካ እፈልጥ እየ።
10
ሕዚ ኸዓ፥ ፅባሕ ንስኻን እቶም ምሳኻ ዝመፁ ኣገልገልቲ ጐይታኻን ኣንጊህኹም ተስኡ እሞ፥ ምስ ወግሐ ተሲእኹም ኪዱ” በሎ።
11
ዳዊትን ሰቡን ከዓ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክምለሱ፥ ኣንጊሆም ተስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብ ኢይዝራኤል ደየቡ።
← Chapter 28
Chapter 30 →