bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 28
1 Samuel 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ጊዜ እቱይ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣንኩስውን ንዳዊት “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ተሰሊፍኩም ከም እትዋግኡ ብርግፅ ፍለጥ” በሎ።
2
ዳዊት ድማ “ኣነ ሓሽከርካ ሕዚ ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ። ኣንኩስ ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኵልሻዕ ንባዕለይ ሓላዊየይ ክገብረካ እየ” በሎ።
3
በቲ ጊዜቱይ ሳሙኤል ሞይቱ ነበረ፤ ኵሎም ደቂ እስራኤል ከዓ ኣልቂሶምሉ፥ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ኣርማቴም ቀቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ ንጠንቈልትን ፀዋዕቲ መናፍስትን ካብታ ምድሪ ኣጥፊእዎም ነበረ።
4
ፍልስጥኤማውያን ከቲቶም መፂኦም፥ ኣብ ሱንም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ኣብ ጊልቦዓ ኸዓ ሰፈሩ።
5
ሳኦል ድማ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ምስ ረአየ ፈርሐ፤ ልቡውን የመና ተሸበረ።
6
ንእግዚኣብሄር ድማ ጠየቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኮነ፥ ብኡሪም ኮነ፥ ብነቢያት፥ ኣይመለሰሉን።
7
ሽዑ ሳኦል ንሹመኛታቱ “ናብኣ ኸይደ ኽጥይቕስ፥ መናፍስቲ እትፅውዕ ጠንቋሊት ሰበይቲ ድለዩለይ” በሎም። እቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ምስ ምዉታት እተራኽብ ጠንቋሊት ሰበይቲ እኒሃ፥ ኣብ ዔይንዶር ኣላ” በልዎ።
8
ሳኦል ድማ መልክዑ ለዊጡ፥ ካልእ ክዳን ተኸዲኑ፥ ምስኡ ኽልተ ሰባት ተማሊኡ፥ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መፀ። “በይዛኺ ምስ መናፍስቲ ተራኺብኪ ነቲ ኣነ ስሙ ዝፅውዐልኪ ሰብ ኣተስእለይ” በላ።
9
እታ ሰበይቲ ድማ “ሳኦል ዝገበሮ፥ ነቶም ጠንቈልትን ነቶም መናፍስቲ ዝፅውዑን ካብዛ ምድሪ ኸም ዘጥፍኦም፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለ ምንታይከ ኽተቕትለኒ ኢልካ ንነፍሰይ መፃወድያ ትገብረለይ?” በለቶ።
10
ሳኦል ድማ “በዝ ነገር እዙይ ዝኾነ ቕፅዓት ከም ዘይረኽበኪ ህያው እግዚኣብሄር እዩ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ።
11
ሽዑ እታ ሰበይቲ “ንመንከ ኸተስአልካ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ንሳሙኤል ኣተስእለይ” በላ።
12
እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፥ “ንስኻ ሳኦል እንተለኻ ደኣ ስለ ምንታይ ኢኻ ዘታለልካኒ?” ኢላ ዓው ኢላ ተዛረበት።
13
እቲ ንጉስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ ግዳ እንታይ ትርእዪ ኣለኺ?” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፥ “ኣማልኽቲ ኻብ ምድሪ እንትወፁ ሪአ” በለቶ።
14
ንሱ ኸዓ “መልክዑ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በላ። ንሳ ድማ “ካባ ዝተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወፅእ ኣሎ” በለት። ሽዑ ሳኦል፥ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
15
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘተሳእኻኒ? ስለ ምንታይከ እትህውኸኒ?” በሎ። ሳኦል ከዓ “ንኣይ የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፤ እግዚኣብሄርውን ርሒቑኒ፥ ብነቢያት ኮነ ብሕልሚ ኣይመለሰለይን፤ ስለዙይ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ እየ ዝፀዋዕኹኻ” በሎ።
16
ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ካብ ረሓቐካ፥ ፀላኢኻውን ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ?
17
እግዚኣብሄርስ ከምቲ ብኣይ ዝተዛረቦ እዩ ዝገበረ፤ ነታ መንግስቲ ኸዓ ኻብ ኢድካ ኣሕዲጉ ንብፃይካ ንዳዊት ሂብዋ እዩ።
18
ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዘይፈፀምካን ከምቲ መዓት ቍጥዓኡ ድማ ንሰብ ኣማሌቅ ስለ ዘየጥፋእኻዮምን እዩ፥ እግዚኣብሄር ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዘውረደልካ።
19
እግዚኣብሄር ንእስራኤልን ንኣኻን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ። ፅባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኮኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ” በሎ።
20
ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል የመና ፈሪሑ፥ ብምሉእ ቁመቱ ፃሕ ኢሉ ናብ ምድሪ ወደቐ። ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከዓ እንጀራ ኣይበልዐን ነበረ እሞ፥ ምንም ሓይሊ ኣይነበሮን።
21
እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መፂኣ፥ የመና ኸም ዝደንገፀ ሪኣ “እንሆ፥ ኣነ ገረድካ ቓልካ ሰሚዐ፥ ንህይወተይ ኣብ ኢደይ ዓሚዀ ኸምቲ ዝበልካኒ ገበርኩ።
22
ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንስኻ ዘረባይ፥ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፤ መንገዲ ኽትከይድ እንተለኻ፥ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብስ፥ ቍራስ እንጀራ ኸቕርበልካ ብላዕ” በለቶ።
23
ንሱ ግና “ኣይበልዕን” ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ሹመኛታቱ፥ ምስታ ሰበይቲ ኾይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸዓ፥ ካብ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣብ ዓራት ተቐመጠ።
24
እታ ሰበይቲ ኸዓ ኣብ ገዛኣ ስቡሕ ጣዕዋ ነበራ፤ ተቐላጢፋ ድማ ሓረደቶ፤ ሕሩጭ ወሲዳ ኸዓ ለዊሳ ቕጫ ሰንከተት።
25
ኣብ ቅድሚ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ ሹመኛታቱን ቀረበትሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑ፤ ተሲኦም ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸዱ።
← Chapter 27
Chapter 29 →