bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 19
1 Samuel 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሳኦል ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ሓሻኽሩን ንዳዊት ክቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ብዙሕ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ
2
“ኣቦይ ሳኦል ክቐትለካ ይደሊ ኣሎሞ፤ በይዛኻ ፅባሕ ንግሆ ተጠንቀቕ፤ ናብ ግሉስ ቦታ ኼድካ ተሓባእ።
3
ኣነ ኸዓ ኣብታ ንስኻ ዘለኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፥ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፤ ዝኾነ ነገር ምስ ፈለጥኩ ኸዓ ኽነግረካ እየ” በሎ።
4
ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል “ዳዊት ኣይበደለካን፤ ግብሩ ኸዓ ንኣኻ ጠቒሙካ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሽከርካ ዳዊት በደል ኣይትፈፅም። ንሱ ንህይወቱ እንተይሰስዐ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን እዙይ ርኢኻ ተሓጐስካ። ስለ ምንታይከ ብዘይ ምኽንያት ንዳዊት ብምቕታል ኣብ ደም ንፁህ ሰብ ትብድል?” ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ፅቡቕ ተዛረበ።
6
ሳኦል፥ ዘረባ ዮናታን ምስ ሰምዐ፥ “ዳዊት ኣይመውትን እዩ” ኢሉ ብህያው እግዚኣብሄር መሓለ።
7
ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ፀውዖ፤ እዝ ዅሉ እዙይ ከዓ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፥ ዳዊት ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።
8
መሊሱ ድማ ውግእ ኾነ። ዳዊት ከዓ ወፂኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖም ከዓ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ።
9
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ፥ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ።
10
ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ ወርወረ፤ ንሱ ግና ኻብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፤ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኸለ። ዳዊት ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ።
11
ሳኦል ድማ፥ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሜልኮል ሰበይቲ ዳዊት ግና “በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሓንካ፥ ፅባሕ ክትቅተል ኢኻ” ኢላ ነገረቶ።
12
ሜልኮል ከዓ፥ ብመስኮት ኣስሊዃ ኣውረደቶ እሞ ኸደ፤ ሃዲሙውን ኣምለጠ።
13
ሜልኮል ድማ ምስሊ ጣዖት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣጋደመቶ፤ ኣብ ትርኣሱውን መኼዳ ፀጕሪ ጤል ገበረትሉ፤ ክዳንውን ከደነቶ።
14
ሳኦል ንዳዊት ከምፅእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፥ ሜልኮል “ዳዊት ሓሚሙ እዩ ዘሎ” በለቶም።
15
ሽዑ ሳኦል፥ “ንዳዊት ምእንቲ ኽቐትሎስ፥ ብዓራት ጌርኩም ኣምፅኡለይ” ኢሉ ልኡኻት ናብ ዳዊት ሰደደ።
16
እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ፥ እንሆ እቲ ምስሊ ጣዖት መኼዳ ፀጕሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ።
17
ሽዑ ሳኦል ንሜልኮል “ስለ ምንታይከ ኸምዙይ ጌርኪ ኣታለልክኒ? ነቲ ፀላእየይከ ስለ ምንታይ ከምልጥ ሓደግክዮ?” በላ። ሜልኮል ከዓ ንሳኦል “ንሱ ‘ከምልጥ ሕደግኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” በለቶ።
18
ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፤ ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም ከዓ መፀ፤ እቲ ሳኦል ኵሉ ዝገበሮውን ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ኣውቴዝራማ ኸይዶም ተቐመጡ።
19
ንሳኦል ድማ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
20
ሳኦል ድማ ንዳዊት ዝሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ፥ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዝመርሖም ጉባኤ ነቢያት ክንበዩ ምስ ረአዩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል መፀ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ።
21
እዙይ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፥ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከዓ መሊሱ ንሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ።
22
ሽዑ ቝጥዓ ሳኦል ነደደ፤ ባዕሉውን ናብ ኣርማቴም ኸደ፤ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዒላ ምስ በፅሐ ድማ፥ “ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለዉ?” ኢሉ ጠየቐ። “እነሆ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ኣለዉ” ኢሉ መለሰሉ።
23
ሳኦል ከዓ ናብኡ፥ ናብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ከደ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ፤ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ክሳዕ ዝበፅሕ ኸዓ እናተነበየ ኸደ።
24
ንሱ ድማ ኽዳውንቱ ደርቢዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፤ ጥራሑ ኾይኑ ኸዓ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ወዲቑ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዮም “ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ይበሃሃሉ ዝነበሩ።
← Chapter 18
Chapter 20 →