bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 18
1 Samuel 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ምስ ሳኦል ዘረባኡ ወድአ፤ ብድሕሪዙይ ዮናታን ብፍቕሪ ዳዊት ተኣሰረ። ከም ነፍሱ ገይሩውን ኣፍቀሮ።
2
ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ፤ ናብ ቤት ኣቦኡውን ክምለስ ኣይፈቐደሉን።
3
ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፥ ኪዳን ኣተወሉ።
4
ዮናታን ከዓ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኻባ ኣውፂኡ ንዳዊት ሃቦ፤ ምስኡ ድማ ናይ ውግእ ኽዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ቅናቱን ሸለሞ።
5
ዳዊት ከዓ፥ ሳኦል ኣብ ኵሉ ዝለኣኾ ብምስትውዓል ተልእኾኡ ይፍፅም ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ኽፋል ተዋጋእቲ ሰራዊቱ ሓለቓ ገበሮ። እዙይ ከዓ ንዅሎም ህዝብን ሹመኛታት ሳኦልን ኣሐጐሶም።
6
ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ውግእ ኣተዉ። ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣንስቲ ብኸበሮን ብዕልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወፃ።
7
ከምዙይ ኢለን እናደረፋ ድማ ተቐበላኦ፦ “ሳኦል ሽሕ፥ ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ።”
8
ሳኦል ድማ የመና ተቘጥዐ፤ እዝ ዘረባ እዙይ ከዓ ተሰምዖ እሞ “ንዳዊት እልፊ ሂበናኦ፥ ንኣይ ግና ሽሕ ሂበናኒ፤ ደጊም መንግስቲ ጥራሕ እያ ተሪፋቶ ዘላ” በለ።
9
ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ኽጥምቶ ጀመረ።
10
ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ።
11
“ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣጣቢቐ ኽቐትሎ እየ” ኢሉ ድማ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ግና ኽልተ ሻዕ ካብ ቅድሚኡ ዘወር በለ።
12
እግዚኣብሄር ካብኡ ርሒቑ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሳኦል ንዳዊት ፈርሖ።
13
ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ።
14
ዳዊትውን ብዅሉ ኣካይዳኡ ኣስተውዒሉ ይገብር ነበረ፤ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ።
15
ዳዊት የመና መስተውዓሊ ኸም ዝኾነ ሪኡ ሳኦል ፈርሖ።
16
ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ግና፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ይወፅእን ይኣቱን ስለ ዝነበረ፥ ንዳዊት ፈተውዎ።
17
ሳኦል ድማ ንዳዊት “ጥራሕ ብርቱዕ ወዲ ኹነለይ፤ ውግእ እግዚኣብሄርውን ተዋጋእ እምበር፥ እንሆ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኮነካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሳኦል ከዓ፥ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ኣብኡ ይኹን እምበር ኢደይስ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን” ይብል ነበረ።
18
ዳዊት ድማ ንሳኦል “ሓሙ እቲ ንጉስ ዝኸውንስ ኣነ መን እየ? ህይወተይከ እንታይ እያ? ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ?” በሎ።
19
ግና ሜራብ ጓል ሳኦል፥ በታ ንዳዊት ክትወሃብ ዝተሓስበትላ ጊዜ፥ ንዓድርኤል ነቲ መሖላታዊ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ተውሃበት።
20
ሜልኮል ጓል ሳኦል፥ ንዳዊት ፈተወቶ፤ እዙይ ድማ ንሳኦል ነገርዎ፤ እቲ ነገር ከዓ ንሳኦል ደስ ኣበሎ።
21
ሳኦል ድማ “ፍልስጥኤማውያን ምእንቲ ኽቐትልዎ መፈንጠር ክትኮኖ፥ ንኣኣ ኽህቦ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ጊዜ “ሎሚውን ሰብኣይ ጓለይ ክትከውን ኢኻ” በሎ።
22
ሳኦል ከዓ ነቶም ሓሻኽሩ “እንሆ፥ ንጉስ ብኣኻ ደስ ኢልዎ ኣሎ፤ ኵሎም ሓሻኽሩ ድማ ፈትዮምኻ ኣለዉ፤ ሕዚ ኸዓ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ኩን ኢልኩም ንዳዊት ብምስጢር ተዛረብዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
23
እቶም ሓሻኽር ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ንዳዊት ነገርዎ። ዳዊት ከዓ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብ እየ፤ ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምዃንስ ንእሽተይ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ?” በሎም።
24
እቶም ሓሻኽር ሳኦል ከዓ ዳዊት ከምዙይ ከም ዝበለ ንሳኦል ነገርዎ።
25
ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከውድቖ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ “ኣብቶም ፀላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኽፈድስ፥ ንጉስ፥ ብዘይ ሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን፥ ካልእ ዝደልዮ ውህብቶ የብሉን” ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ በሎም።
26
እቶም ኣገልገልቲ ሳኦል ድማ እዝ ዘረባዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፥ ሽዑ ዳዊት ሰብኣይ ጓል ንጉስ ክኸውን ተሓጐሰ። ገና እተን መዓልቲታት እንተይኣኸላ ድማ፥
27
ዳዊት ምስቶም ሰዓብቱ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ሰብኣይ ጓል ንጉስ ምእንቲ ክኸውን፥ እቲ ቝልፈቶም ቈሪፁ ኣምፅአ፤ ነቲ ንጉስ ከዓ ምሉእ ቍፅሪ ገይሩ ሃቦ። ሳኦል ድማ ጓሉ ሜልኮል ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።
28
ሳኦል እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎን ሜልኮል ጓሉ ድማ ኸም ዝፈተወቶን ምስ ረአየን ምስ ፈለጠን፥
29
ንዳዊት የመና ፈርሖ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ፀላኢ ዳዊት ኮነ።
30
ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽዋግኡ በብጊዜኡ ይወፁ ነበሩ። በብዝወፁላ ድማ ኻብ ኵሎም ሓሻኽር ሳኦል፥ ዳዊት ብምስትውዓል ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ስሙ የመና ገነነ።
← Chapter 17
Chapter 19 →