bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 20
1 Samuel 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ዳዊት ካብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ሃዲሙ ናብ ዮናታን መፀ። “ኣቦኻ ኸምዙይ ገይሩ ኽቐትለኒ ዝደሊ ዘሎስ፥ እንታይ ገይረ እየ? በደለይከ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
2
ዮናታን ድማ “እዙይስ ካባኻ የርሕቆ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ኣቦይ ዓብዪ ነገር ኮነ ንእሽተይ ነገር ንኣይ እንተይነገረ ዝገብሮ የብሉን። እዙይ ዘይኸውን እዩ። ነዙይ ኣቦይ ካባይ ኣይምሓብኦን” በሎ።
3
ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ።
4
ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፥ “ኵሉ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
5
ዳዊት ከዓ ንዮናታን፥ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ፤ ኣነ ድማ ምስ ንጉስ ኣብ ማእዲ ኽበልዕ ይግብአኒ ነይሩ። ግና ኽሳዕ ድሕሪ ፅባሕ ምሸት ኣብ በረኻ ኽሕባእ ኣሰናብተኒ።
6
ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፥ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፥ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤተ ልሔም ክኸይድ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ በል’ በሎ።
7
‘ይኹን’ እንተበለካ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ደሓን ማለት እዩ። የመና እንተ ተቘጥዐ ግና፥ ክፉእ ኸም ዝመደበ ፍለጥ።
8
እምበኣርከስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ካብ ኣተኻለይ፥ ምሕረት ግበረለይ። በደል እንተ ተረኺቡኒ ግና፥ ስለ ምንታይ ናብ ኣቦኻ እተብፅሐኒ? ባዕልኻ ቕተለኒ” በሎ።
9
ዮናታን ከዓ “እዙይስ ካባኻ ይርሓቕ። ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም ዝተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፥ ኣነኸ ዘይነግረካዶ ይመስለካ?” በሎ።
10
ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፥ “ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ መን ክነግረኒ እዩ?” በሎ።
11
ዮናታን ድማ ንዳዊት “ንዓናይ እሞ ናብ በረኻ ንውፃእ” በሎ። ክልቲኦም ከዓ ናብ በረኻ ወፁ።
12
ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፤ ፅባሕ ወይ ድሕሪ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ብዛዕባኻ ነቦይ መርሚረ፥ እንሆ ኸዓ፥ ደሓን እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ልኢኸ ኽነግረካ እየ።
13
ኣቦይ ብኣኻ ኽፉእ መኺሩ እናሃለወ እንተ ዘይነገርኩኻ፥ ብደሓን እውን እንተ ዘይሰደድኩኻ፥ እግዚኣብሄር ይቕዘፈኒ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፥ ምሳኻ ይኹን።
14
ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ግና፥ ምእንቲ ኸይመውት ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ።
15
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ፀላእቲ ዳዊት ካብ ገፅ ምድሪ ምስ ኣጥፍአ፥ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርፅ” በሎ።
16
ሽዑ ዮናታን “እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቲ ዳዊት ይድለዮ” ኢሉ፥ ምስ ቤት ዳዊት ቃል ኪዳን ኣተወ።
17
ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፥ ስለ እቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ መሓለሉ።
18
ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፦ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ። እታ ወንበርካ ጥራሓ ኽትከውን እያ እሞ ኸም ዘየለኻ ኽትፍለጥ ኢኻ።
19
ብሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኣዐሪኻ ኽትፍለጥ ኢኻ እሞ ቐልጢፍካ ውረድ፤ ናብታ እቲ ነገር ኽግበር ብዝተሓሰበላ መዓልቲ ተሓቢእኻላ ዝነበርካ ቦታ ምፃእ፤ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ድማ ተቐመጥ።
20
ኣነ ኸዓ ንዒላማ ኸም ዝውርውር ሰለስተ ፍላፃ ናብኣ ኣቢለ ኽውርውር እየ።
21
ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘ኪድ ነቲ ፍላፃታት ድለዮ’ ኢለ ድማ ኽሰዶ እየ፤ ነቲ ኣገልጋሊየይ ‘እነሆ፥ እቲ ፍላፃ ካባኻ ናብዙይ እዩ ዘሎ፥ ሒዝካዮ ናባይ ነዓ’ እንተ በልክዎ፥ ንኣኻ ደሓን ማለት እዩ፤ ሽዑ ምፃእ ዝኾነ ነገር ከም ዘይህሉ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ።
22
ነቲ መንእሰይ ‘እንሆ፥ እቲ ፍላፃታት ካባኻ ንንየው እዩ ዘሎ’ እንተ በልክዎ ግና ሽዑ እግዚኣብሄር ኣሰናቢቱካ እዩ እሞ፥ ኪድ።
23
ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን ዝተዛረብናዮ ነገር ከዓ፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በሎ።
24
ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ተሓብአ። በታ ወርሒ እትወፀላ በዓል ከዓ ንጉስ ክበልዕ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
25
ከም ልማዱ ድማ ኣብ መንበሩ፥ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተፀጊዑ ዝነበረ ወንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጠ። ኣበኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ወንበር ዳዊት ከዓ ጥራሓ ነበረት።
26
ሳኦል ግና “ዝኾነ ረኺብዎ እዩ ንፁህ ኣይኮነን፤ ብርግፅ ንፁህ ኣይኮነን እዩ” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈፂሙ ኣይተዛረበን።
27
ወርሒ ምስ ወፀት ድማ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ወንበር ዳዊት ጥራሓ ነበረት። ሳኦል ከዓ ንዮናታን ወዱ፤ “ወዲ እሴይ ትማሊ ኾነ ሎሚ ናብ ማእዲ ዘይመፀ ስለ ምንታይ እዩ?” በሎ።
28
ዮናታን ድማ ንሳኦል “ዳዊት ‘ናብ ቤተ ልሔም ክኸይድ ፍቐደለይ’ ኢሉ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ፥
29
‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌትና ዝውፈ መስዋእቲ ኣሎ እሞ፥ ሓወይ ፀዊዑኒ ኣሎ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ከይደ ኣሕዋተይ ክርኢ በይዛኻ ስደደኒ’ በለኒ። ስለዙይ እዩ ናብ ማእዲ ንጉስ ዘይመፀ” ኢሉ መለሰሉ።
30
ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነደደ፤ “ኣታ ወዲ እዛ ቐይናን ዓመፀኛ ሰበይቲ፥ ነቲ ነውርኻን ንነውሪ እታ ዝወለደትካ እኖኻን ዝኸውን፥ ወዲ እሴይ ከም ዝሓረኻ ኣይፈልጥን ድየ?
31
ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ ንስኻ ኾነ መንግስትኻ ኣይትፀንዕን እያ። ሕዚ ኸዓ ንሱ ወዲ ሞት እዩእሞ ልኢኽካ ኣምፅአለይ” በሎ።
32
ዮናታን ከዓ ነቦኡ ሳኦል “ስለ ምንታይ እዩ ዝመውት? እንታይከ ገይሩ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
33
ሳኦል ድማ ኽወግኦ ዂናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፥ ኣቦኡ ንዳዊት ክቐትሎ ኸም ዝወሰነ ፈለጠ።
34
ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ ማእዲ ተስአ፤ ኣቦኡ፥ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፥ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እንጀራ ኣይበልዐን።
35
ንፅባሒቱ ድማ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት ዝተሰማምዖ ናብ በረኻ ወፀ፤ መንእሰይ ሓሽከርውን ምስኡ ነበረ።
36
ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ “ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላፃታት ድለዮ” በሎ። እቲ ወዲ ኽጐዪ እንተሎ ፍላፃ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ።
37
እቲ ሓሽከር ኣብታ ዮናታን ፍላፃ ዝወርወረላ ቦታ ምስ በፅሐ፤ ዮናታን ነቲ ሓሽከር ፀዊዑ “እቲ ፍላፃ ካባኻ ንንየውዶ ኣይኮነን ዘሎ?”
38
“ተሎ በል፤ ቀልጥፍ፥ ደው ኣይትበል” እናበለ ዓው ኢሉ ነቲ ሓሽከር ፀውዖ። እቲ ሓሽከር ዮናታን ድማ ነቲ ፍላፃታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ ተመለሰ።
39
ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራሕ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር እቲ ሓሽከር ኣይፈልጥን ነበረ።
40
ዮናታን ከዓ ኣፅዋሩ ነቲ ሓሽከሩ ሂቡ፥ “ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ” በሎ።
41
እቲ ሓሽከር ምስ ከደ ድማ፥ ዳዊት ካብቲ ስፍራ ብወገን ደቡብ ተሲኡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሻዕ ፍግም በለ። ዮናታንን ዳዊትን ከዓ ተሰዓዓሙ፤ ብሓደ ኾይኖም ድማ በኸዩ፤ ምናዳ እኳ ዳዊት የመና በኸየ።
42
ዮናታን ድማ ንዳዊት፥ “ብሰላም ኪድ፤ ንሕና ኽልቴና፥ ‘ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን’ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተመሓሒልና ኢና” በሎ። ዳዊት ከዓ ተሲኡ ኸደ፤ ዮናታንውን ናብ ከተማ ኣተወ።
← Chapter 19
Chapter 21 →