bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 17
1 Samuel 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፍልስጥኤማውያን ድማ ኽዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሰኮት ናይ ይሁዳ ተኣከቡ፤ ኣብ ኣርፌስደሚም ኣብ መንጎ ሰኮትን ዓዜቃን ከዓ ሰፈሩ።
2
ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ኸቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፤ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ።
3
ፍልስጥኤማውያን ነቲ እምባ ብሓደ ወገኑ ቖይሞም፥ እስራኤልውን ነቲ ጎቦ ብኻልእ ወገኑ ቖይሞም ነበሩ፤ ኣብ መንጎኣቶም ድማ ለሰ ነበረ።
4
ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጌት፥ ሽዱሽተ እመትን ስድርን ዝቑመቱ፥ ዋና ጅግና ኻብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ወፀ።
5
ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፊኡ ነበረ፤ ሓምሳን ሸውዓተን ኪሎ ግራም ዝምዘን ብነሃስ ዝተሰርሐ ድርዒ ተኸዲኑ ነበረ።
6
ኣብ ኣእጋሩ ድማ ብነሃስ ዝተሰርሐ ገምባለ ነበሮ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ መዝረቕ ነበሮ።
7
ዛቢያ ዅናቱ ድማ ምርጓዱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ነበረ፤ እቲ ዂናቱ ኸዓ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። እቲ ፀዋር ዋልታኡ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
8
ጐልያድ ተሲኡ ነቶም ክዋግኡ ተሰሊፎም ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ዓው ኢሉ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ኢኹም ንውግእ ተሰሊፍኩም ዘለኹም? ኣነ ፍልስጥኤማዊ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ሓሻኽር ሳኦልዶ ኣይኮንክሙን ኢኹም? ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፥ ይግጠመኒ።
9
ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኽቐትለኒ እንተ ኽኢሉ፥ ንሕና ባሮትኩም ንኸውን፤ ኣነ ስዒረ እንተ ቐቲለዮ ድማ፥ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ትግዝኡና” በሎም።
10
ወሲኹ ኸዓ፥ “ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነዞም ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል እንሆ ኣባጭወሎም ኣለኹ። ክልቴና ብውግእ ክንፈታተን ሓደ ሰብኣይ ሃቡኒ” በለ።
11
ሳኦልን ኵሉ እስራኤልን ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፥ የመና ፈርሑን ተሸበሩን።
12
ዳዊት ወዲ እሴይ ኤፍራታዊ ኸዓ፥ በዓል ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። እሴይ ሸሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፤ ብዘመን ሳኦል ከዓ ዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ሰብኣይ ነበረ።
13
እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ንሳኦል ተኸቲሎም ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስሞም ከዓ እቲ በዅሪ ኤልያብ፥ እቲ ኻልኣዩ ኣሚናዳብ፥ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይበሃሉ ነበሩ።
14
ዳዊት ካብ ኵሎም ዝነኣሰ ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ምስ ሳኦል ምስ ከዱ ድማ፥
15
ዳዊት ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤተ ልሔም ክሕሉ ይመላለስ ነበረ።
16
ጐልያድ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ፥ ጊሓትን ምሸትን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ቀሪቡ ይረአ ነበረ።
17
እሴይ ከዓ ንወዱ ዳዊት “እዝ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ቆሎ እዙይን፥ እዝ ዓሰርተ ሕብስትን ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኣብፅሐሎም።
18
እዘን ዓሰርተ ጎጎ ኣጅቦ እዚኣተን ከዓ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን ምህላዎም ረአ፤ ድሃዮም ድማ ኣምፅአለይ፤
19
ንሳቶም ምስ ሳኦልን ምስ ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።”
20
ንፅባሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተስአ፤ ነተን ኣባጊዕ ምስ ሓላዊ ሓዲግወን፥ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፥ ፆሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኽስለፍ ዝወፀ ሰራዊት ንውግእ ክፍክር እንተሎ ድማ፥ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መፀ።
21
እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ኽዋግኡ ማዕዶ ንማዕዶ ተሰላለፉ።
22
ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቑሑ ኣብ ኢድ ሓላዊ ኣቑሑ ሓዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፤ መፂኡ ኸዓ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ጠየቖም።
23
ንሱ ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ ጅግና በዓል ጌት፥ ካብቶም ዝተሰለፉ ፍልስጥኤማውያን ውፅእ ኢሉ፥ ከምቲ ቕድም ኢሉ ዝፍክሮ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ፈኸራኡ ቐፀለ፤ ዳዊት ድማ ነዙይ ሰምዖ።
24
ሰብ እስራኤል ከዓ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረአይዎ ዅሎም ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ የመናውን ፈርሑ።
25
እቶም ሰብ እስራኤል ድማ “ነዝ ተሲኡ ዘሎ ሰብኣይ እዙይ ትርእይዎዶ ኣለኹም? ንእስራኤል ከባጩ እዩ ተሲኡ ዘሎ። ነቲ ነዙይ ዝቐትል ሰብኣይ ንጉስ ከሀብትሞ እዩ፤ ጓሉ ኸዓ ኽህቦ፥ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ካብ ግብሪ ነፃ ኽገብሮ እዩ” በሉ።
26
ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።
27
ንሳቶም ከዓ “ነቲ ዝቐትሎ ሰብኣይ ከምዙይ ክግበረሉ እዩ” ኢሎም ነቲ ቕድም ዝበልዎ ገለፁሉ።
28
እቲ ዓብዪ ሓዉ ኤልያብ ድማ ዳዊት ምስቶም ሰባት ክዛረብ እንተሎ ሰሚዑ፥ የመና ተቘጥዖ፤ “እንታይ ክትገብር ናብዙይ ወረድካ? እተን ውሑዳት ኣባጊዕኸ ኣብ በረኻ ምስ መን ገዲፍካየን? ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ እፈልጥ እየ፤ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘለኻ” በሎ።
29
ዳዊት ድማ “እንታይዶ እሞ ገይረ እየ? እዙይ ዓብዪ ነገርዶ ኣይኮነን እዩ?” በለ።
30
ናብ ካልእ ገፁ ግልፅ ኢሉ ኸዓ ኸም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ሰባት እውን ከምቲ ቅድም ዝበልዎ ዘረባ ደገሙሉ።
31
እቲ ዳዊት ዝተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዐ ኸዓ፥ ንሳኦል ነገርዎ፤ ንሱ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ።
32
ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ብዛዕባዙይ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፤ ኣነ ሓሽከርካ ኸይደ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክዋጋእ እየ” በሎ።
33
ሳኦል ድማ ንዳዊት “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፤ ጐልያድ ግና ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፥ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።
34
ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ኣነ ሓሽከርካ ኣባጊዕ ኣቦይ እጓሲ ነበርኩ፤ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ እንትወስድ፥
35
ኣነ ደድሕሪኡ ወፂአ እቐትሎ፤ ካብ ኣፉውን ኣግድፎ ነበርኩ። ክበልዐኒ እንተ መፀ ኸዓ፥ ብጎሮሮኡ ሒዘ ወቒዐ እቐትሎ ነበርኩ።
36
ኣነ ሓሽከርካ ኣንበሳን ድብን ዝቐተልኩ ሰብ እየ። እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ከዓ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩ እዩ እሞ፥ ከም ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን እዩ” በሎ።
37
መሊሱ ድማ “እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢድ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይውን ከድሕነኒ እዩ” በለ። ሳኦል ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኪድ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን” በሎ።
38
ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳኑ ኸደኖ፤ ኣብ ርእሱ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፍአሉ፤ ድርዒውን ከደኖ።
39
ዳዊት ድማ ሰይፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዓጠቐ። ፈቲኑዎ ኣይፈልጥን እሞ ክኸይድ ጀመረ። ዳዊት ድማ ንሳኦል “ፈቲነዮ ስለ ዘይፈልጥ፥ ከምዙይ ኢለ ክኸይድ ኣይክእልን እየ” በሎ፤ ዳዊትውን ካብ ልዕሊኡ ኣውፅኦ።
40
በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብቲ ሩባውን ሓሙሽተ ልሙፃት ኣእማን ሓርዩ፥ ኣብቲ ኽጓሲ እንተሎ ምስኡ ዝነበረ ሳንጣ ኣንበረን፤ ወንጭፉ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኸዓ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ቐረበ።
41
እቲ ፍልስጥኤማዊውን ናብ ዳዊት ቐረበ። እቲ ዋልታኡ ዝፀውር ሰብኣይ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
42
እቲ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ ከዓ ንዳዊት ኣተኲሩ ምስ ረአዮ፥ ንሱ ቐይሕ መልክዐኛ መንእሰይ ነበረ እሞ ነዓቖ።
43
ንዳዊት ከዓ “ብበትሪ እትመፀንስ ኣነ ኸልቢ ድየ?” በሎ፤ ብስም ኣማልኽቱ ድማ ረገሞ።
44
ንዳዊት ከዓ “ነዓ ናባይ፤ ኣነ ኸዓ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ክህቦም እየ” በሎ።
45
ዳዊት ከዓ ነቲ ፍልስጥኤማዊ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ።
46
ሎሚ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ክህበኒ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽቐትለካ፥ ንርእስኻውን ክቘርፃ እየ፤ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከዓ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ፤ ሽዑ ኣብ እስራኤል፥ ኣምላኽ ከም ዘሎ፥ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ።
47
እቲ ውግእ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ዘድሕን ብሰይፍን ብዂናትን ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እዝ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኽህበና እዩ” በሎ።
48
እቲ ፍልስጥኤማዊ ተሲኡ ንዳዊት ክገጥሞ ምስ ቀረበ፥ ዳዊትውን ንጐልያድ ክገጥሞ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ።
49
ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ሳንጣ ኣእትዩ፥ ካብኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፈ፤ ንጐልያድ ድማ ግምባሩ ኣንሃሎ፤ እታ እምኒ ኸዓ ናብ ግምባሩ ኣተወት፤ ንሱ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ።
50
በዝ ኸምዙይ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ሰዒሩ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ፤ ዳዊት ግና ኣብ ኢዱ ሰይፊ ኣይነበሮን።
51
ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፤ ነቲ ሰይፊ ጐልያድ ካብ ሰገባኡ መሲቱ ድማ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ርእሱ ቘረፆ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ሃደሙ።
52
ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከዓ ተሲኦም ፈከሩ እሞ፥ ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ደገታት ኣቃሮንን ኣሳጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መንገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ኣቃሮንን ተወጊኦም ወደቑ።
53
ደቂ እስራኤል ከዓ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፥ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ።
54
ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ። ነፅዋር ጐልያድ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ።
55
ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽገጥሞ እንትወፅእ ምስ ረአዮ፥ ንኣበኔር ሓለቓ ሰራዊት፥ “ኣበኔር፥ እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን እዩ?” በሎ። ኣበኔር ከዓ “ኦ ንጉስ! ከም ዘይፈልጦ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
56
እቲ ንጉስ ድማ “እምበኣር እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን ምዃኑ ጠይቕ” በሎ።
57
ዳዊት ንጐልያድ ቀቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ኣበኔር ናብ ሳኦል ኣእተዎ፤ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ገና ኣብ ኢድ ዳዊት ነበረት።
58
ሳኦል ድማ “ኣታ ቘልዓ፥ ወዲ መን ኢኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “ወዲ ሓሽከርካ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም እየ” በሎ።
← Chapter 16
Chapter 18 →