bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 16
1 Samuel 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ።
2
ሳሙኤል ከዓ “ሳኦል እንተ ሰምዐ ኽቐትለኒ እዩ፤ ከመይ ኢለ ክኸይድ?” በለ። እግዚኣብሄር ድማ “ዓርሒ ተማላእ እሞ ‘ንእግዚኣብሄር ክስውአሉ ኢለ መፂአ’ በል።
3
ንእሴይ ከዓ ናብቲ መስዋእቲ ፀውዓዮ፤ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፤ ነቲ ዝብለካ ኸዓ ቕብአለይ” በሎ።
4
ሳሙኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፤ ናብ ቤተ ልሔምውን ከደ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ እናንቀጥቀጡ ተቐበልዎ “ብሰላምዶ መፂእኻ?” ኸዓ በልዎ።
5
ሳሙኤል ድማ “ብሰላም እየ፤ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ እየ መፂአ። ተቐደሱ እሞ ምሳይ ናብቲ መስዋእቲ ንዑናይ” በሎም። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፤ ናብቲ መስዋእቲ ድማ ፀውዖም።
6
እሴይን ደቁን ምስ መፁ ኸዓ ሳሙኤል ንኤልያብ ረአዮ፤ “እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግፅ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ኣሎ” ድማ በለ።
7
እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፥ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄር ከም ኣረኣእያ ሰብ ኣይርእን እዩ። ሰብ፥ ገፅ ይርኢ፤ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ” በሎ።
8
ሽዑ እሴይ ንኣሚናዳብ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ።
9
እሴይ ሽዑ ንሳማ ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ።
10
እሴይ ድማ ንሸውዓተ ደቁ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከዓ ንእሴይ “እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን” በሎ።
11
ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “እዚኣቶም ጥራሕ ድዮም ደቅኻ?” በሎ። ንሱ ግና “ገና እቲ ንእሽተይ ተሪፉ ኣሎ፤ እንሆ ድማ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “ንሱ እንተይመፀ ኣብ ማእዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ ልኢኽካ ኣምፅኣዮ” በሎ።
12
እሴይ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ፤ ንሱ ቐይሕ፥ ኣዒንቱን፥ ትርኢቱንውን ፅቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ “ንሱ እዩ እሞ ተሲእኻ ቕብኣዮ” በሎ።
13
ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ።
14
መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሳኦል ረሓቐ፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ከዓ የሳቕዮ ነበረ።
15
እቶም ኣገልገልቱ ድማ ንሳኦል “እንሆ፥ ካብ ኣምላኽ ዝመፀ ኽፉእ መንፈስ የሳቕየካ ኣሎ።
16
እምበኣርከስ ሕዚ ጐይታና ኣብ ቅድሜኻ ዘለና ኣገልገልትኻ፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ክንደሊ ኣዝዘና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ናባኻ እንትመፅእ ንሱ ብኢዱ በገና ኽፃወተልካ እዩ እሞ ኽሕሸካ እዩ” በልዎ።
17
ሳኦል ድማ ንኣገልገልቱ “እምበኣር ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ደሊኹም ርኸቡለይ እሞ ናባይ ኣምፅኡለይ” በሎም።
18
ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ፥ “እንሆ፥ ወዲ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም፥ ክኢላ ወቓዒ በገና ሪአ ኣለኹ። ንሱ ብርቱዕ ሓያል፥ ተዋጋኢ፥ ዘረባ ዝኽእል መልክዐኛ ሰብ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምስኡ እዩ” ኢሉ መለሰ።
19
ሽዑ ሳኦል ንእሴይ “እቲ መጓሰ ኣባጊዕኻ ዝሕሉ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
20
እሴይ ድማ እንጀራን ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓነት ኣድግን፥ ሓደ ወጠጦን፥ ኣትሒዙ ንዳዊት ወዱ ናብ ሳኦል ሰደዶ።
21
ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መፀ እሞ ኣገልጋሊኡ ኾነ፤ ሳኦል ከዓ የመና ፈተዎ፤ ዳዊት ድማ ተሸካም ኣፅዋሩ ኾነ።
22
ሳኦል ድማ ንእሴይ “ዳዊት ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎሞ፥ ኣብ ቅድመይ ይቑም” ኢሉ ለኣኸሉ።
23
እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ሳኦል ክመፅእ እንተሎ ዳዊት በገና ሒዙ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ንሳኦልውን የሐጕሶ ነበረ፤ የዕርፎውን ነበረ፤ እቲ ኽፉእ መንፈስውን ካብኡ ይርሕቕ ነበረ።
← Chapter 15
Chapter 17 →