bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 15
1 Samuel 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሳሙኤል ንሳኦል፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፥ ክቐብአካ ልኢኹኒ ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝብለካ ቓል ስማዕ።
2
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ደቂ እስራኤል፥ ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ እናተቓወሙ ስለ ዝተዋግእዎም፥ ንኣማሌቃውያን ክብቀሎም እየ።
3
ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።
4
ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ፀዊዑ ኣብ ጌልገላ ቘፀሮም፤ ደቂ እስራኤል ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፥ ሰብ ይሁዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ ኾኑ።
5
ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቃውያን ከደ፤ ኣብ ለሰ ኸዓ ተሓብአ።
6
ሳኦል ድማ ንቄናውያን “ንስኻትኩም ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ምሕረት ጌርኩምሎም ኢኹም እሞ፥ ምስኣቶም ከየጥፍአኩምስ ኪዱ፤ ካብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውፁ” በሎም። ቄናውያን ከዓ ኻብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈለዩ።
7
ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንፅር ግብፂ ዘላ ሹር ተዋጊኡ ሰዓሮም፤
8
ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከዓ ብህይወቱ ሓዞ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ እውን ብስሕለት ሰይፊ ፈፂሙ ኣጥፍኦ።
9
ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ምሩፃት ኣባጊዕን ከፍትን ማጓሉን ፅቡቕ ዝኾነ ዅሉን ከጥፍእዎ ስለ ዘይፈተዉ ሓደግዎ፤ ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈፂሞም ኣጥፍእዎ።
10
ሽዑ “ሳኦል፥ ንኣይ ምስዓብ ስለ ዝሓደገን ትእዛዘይ ስለ ዘይፈፀመን፥ ንእኡ ብምንጋሰይ ተናሳሕኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መፀ። እዙይ ንሳሙኤል ኣቘጥዖ እሞ፥ ምሉእ ለይቲ ናብ እግዚኣብሄር ክምህለል ሓደረ።
12
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ክረኽቦ ኢሉ ኣንጊሁ ተስአ። እንተ ኾነ “ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ ከይዱ ኣሎ፤ እንሆ ድማ፥ ንእኡ ዝኸውን ናይ መዘከርታ ሓወልቲ ኣቚሙ ዘይሩ ሓሊፉ፤ ናብ ጌልጌላውን ወሪዱ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
13
ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ፤ እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ እየ” በሎ።
14
ሳሙኤል ግና “እዝ ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘለኹ ናይ ኣባጊዕን ናይ ከፍትን ድምፂ ደኣ እንታይ እዩ?” በሎ።
15
ሳኦል ድማ “እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምፅእወን፥ ካብተን ኣብዑርን ኣባጊዕን ዘዝፀበቓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽስውእወን ኢሎም ዝሓደግወን እየን፤ ነተን ዝተረፋ ግና ፈፂምና ኣጥፊእናየን ኢና” በሎ።
16
ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል “እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ ዝተዛረበኒ ኽነግረካ ፅናሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።
17
ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ።
18
እግዚኣብሄር ከዓ ‘ኪድ ነቶም ሓጥኣን ኣማሌቃውያን ፈፂምካ ኣጥፍኣዮም፤ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ውግኣዮም’ ኢሉ ሰደደካ።
19
ስለ ምንታይ ኢኻ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዘይፈፀምካ? ስለ ምንታይከ ናብቲ ዝተዘምተ ሰሲዕኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ?” በሎ።
20
ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ፥ ከምቲ ዝለኣኸኒ ገይረ ኸዓ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፂአዮ ኣለኹ፤ ንኣማሌቃውያን ድማ ፈፂመ ኣጥፊአዮም እየ።
21
ግና እቶም ህዝቢ ዝተዘምታ ኣባጊዕን ከፍትን፥ ካብቲ ሕሩም እቲ ዘዝፀበቐ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጌልገላ ኽስውኡሉ ኢሎም ወሰዱወን” በሎ።
22
ሳሙኤል ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንእግዚኣብሄርስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን፥ ከም ምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ? እንሆ፥ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፥ ቃሉ ምስማዕውን ስብሒ ማጓሉ ኻብ ምቕራብ ይበልፅ።
23
ዓመፅ፥ ከም ሓጢኣት ጥንቍልና፥ ህልኽ ከዓ፥ ከም ምምላኽ ጣዖትን ተራፊምን እዩ። ንስኻ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንጉስ ከይትኸውን ነዓቐካ”
24
ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ።
25
ሕዚ ድማ በይዛኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፤ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከዓ ምሳይ ተመለስ” በሎ።
26
ሳሙኤል ንሳኦል “ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፥ ምሳኻ ኣይምለስን እየ” በሎ።
27
ሳሙኤል ክኸይድ ገፁ ምስ መለሰ፥ ሳኦል ጫፍ ክዳኑ ኣፅኒዑ ሓዘ እሞ ኽዳን ሳሙኤል ተቐደደ።
28
ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ሎሚ ንመንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ፥ ካባኻ ንዝሐይሽ ንጐረቤትካ ኣሕሊፉ ሃባ።
29
እቲ ሓይሊ እስራኤል፥ ከይናሳሕ ሰብ ኣይኮነን እሞ፥ ንሱ ኣይሕሱን፤ ኣይናሳሕንውን እዩ” በሎ።
30
ሳኦል ድማ “በዲለ እየ። ሕዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድስ ምሳይ ተመለስ” በሎ።
31
ሽዑ ሳሙኤል ምስ ሳኦል ተመለሰ፤ ሳኦል ከዓ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
32
ሳሙኤል ድማ “ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፅኡለይ” በለ። ኣጋግ ከዓ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠ ናብ ሳሙኤል መፀ። ኣጋግውን “ብሓቂ ሞት ከምዙይ መሪር ድዩ?” በለ።
33
ሳሙኤል ከዓ “ሰይፍኻ ነንስቲ፥ ውሉድ ዘይብለን ከም ዝገበረተን፥ ከምኡ ኸዓ እኖኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ፥ ውሉድ ዘይብላ ትኹን” በለ። ሽዑ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጌልገላ ቘራረፆ።
34
ሳሙኤል ከዓ ናብ ኣርማቴም ከደ፤ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ደየበ።
35
ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይሓዝን ነበረ። ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ መሊሱ ንሳኦል ክርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተናስሐ።
← Chapter 14
Chapter 16 →