bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 14
1 Samuel 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓደ መዓልቲ ድማ፥ ከምዙይ ኮነ፦ ዮናታን ወዲ ሳኦል፥ ነቦኡ እንተይነገረ፥ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ፥ “ንዓናይ፥ ናብቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር” በሎ።
2
ሳኦል ከዓ ኣብ ወሰን ጊብዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መጌዶል ዘላ ኦም ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፤ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸዓ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ።
3
ኤፉድ ዝፀውር ከዓ ኣሒያ ወዲ ኣኪጡብ፥ ወዲ ሓዉ ንኢካቦድ ምስኣቶም ነበረ። ኢካቦድ ወዲ ፊንሓስ፥ ወዲ እቲ ኣብ ሴሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ ኤሊ እዩ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ።
4
በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ክሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ፥ ብኽልቲኡ ወገና ጨላቝ ኣኻውሕ ነበረ። እቲ ሓደ ቦፄፅ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔ ይበሃል ነበረ።
5
እቲ ሓደ ጨላቝ ኰዅሒ ብወገን ሰሜን ኣብ መንፅር ማክማስ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ብወገን ደቡብ ኣብ መንፅር ጊብዓ ደው ኢሎም ነበሩ።
6
ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።
7
እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ ድማ፥ “ኵሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር፤ ንስኻ ምራሕ፤ ኣነውን እኒሀኹ ብምሉእ ልበይን ቀልበይን ምሳኻ እየ” በሎ።
8
ሽዑ ዮናታን “ንዓናይ እምበኣር ናብቶም ሰባት ንሳገር፤ ከም ዝሪኡና ኸዓ ንግበር።
9
ንሳቶም ‘ክሳዕ እንመፀኩም ፅንሑ’ እንተ በሉና፥ ንሕና ኣብ ዘለናዮ ንፀንሕ፤ ናብኣቶም ኣይንደይብ።
10
‘ናባና ደይቡ’ እንተ በሉና ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበና እዙይ ምልክት እዩ እሞ፥ ናብኣቶም ንድይብ” በሎ።
11
ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተርኣይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እንሆ፥ ዕብራውያን ካብቲ ተሓቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወፁ ኣለዉ” በሉ።
12
እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይን “ሓደ ነገር ክነርእየኩምስ ናባና ደይቡ” ኢሎም ፀውዕዎም። ዮናታን ከዓ ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ፥ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ደድሕረይ ደይብ” በሎ።
13
ዮናታን ድማ በእዳዉን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ። እቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ እውን ደድሕሪኡ ሰዓበ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ዮናታን ወደቑ፤ እቲ መንእሰይውን ደድሕሪኡ ስዒቡ ቐተሎም።
14
በቲ ዮናታንን እቲ ኣፅዋር ዝስከም መንእሰይን ኮይኖም ዝተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ፥ መውዓሊ ፅምዲ ኣብ እትኣክል ሕሩስ ኣስታት ዕስራ ሰባት ቀተሉ።
15
ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ በረኻን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ፍልስጥኤምን ሽብር ኮነ፤ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ከዓ ኣንቀጥቀጡ። እግዚኣብሄር ፍርሓት ሰደደሎም፤ እታ ምድሪ ድማ ተናወፀት።
16
እቶም ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዐኛታት ሳኦል ከዓ፥ እንሆ እቲ ሰራዊት ብዅሉ ወገን እናተጓየየ ኽብተን እንተሎ ረአዩ።
17
ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ቈፂርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ረአዩ” በሎም። ንሳቶም ምስ ቈፀሩ ኸዓ እንሆ ዮናታንን እቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይን ኣብኡ ኣይነበሩን።
18
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣኪያ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኤፉድ ተኸዲኑ ነበረሞ፥ ሳኦል ንኣኪያ “ነቲ ኤፉድ ታቦት እግዚኣብሄር ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።
19
ሳኦል ምስቲ ኻህን ክዛረብ እንተሎ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ዕግርግር የመና እናበርትዐ ኸደ። ሳኦል ከዓ ነቲ ኻህን “ኢድካ ኣክብ” በሎ።
20
ሳኦልን እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከዓ ተኣኪቦም ናብቲ ውግእ ኣተዉ። እንሆ ድማ ናይ ሕድሕድ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ብፃዩ ነበረ። የመና ብርቱዕ ድንጋፀ ኸዓ ኾነ።
21
እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ኻብቲ ኸባቢ ምስኣቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ ዕብራውያን እውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ክኾኑ መፁ።
22
እቶም ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም ተሓቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል ድማ፥ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ሰምዑ፥ እግሪ እግሮም ስዒቦም ተዋግኡዎም።
23
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣድሓኖም። እቲ ውግእ ኸዓ ብወገን ቤት ኣዌን ሓለፈ።
24
በታ መዓልቲ እቲኣ ሳኦል “ንፀላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈድዮም፥ ክሳዕ ምሸት እንጀራ ዝበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን” ኢሉ ነቶም ህዝቢ ኣምሒልዎም ስለ ዝነበረ፥ ሰብ እስራኤል ደኺሞም ነበሩ። ካብቶም ህዝቢ ኸዓ እንጀራ ዝጠዓመ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
25
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ዱር መፁ፤ ኣብቲ ልዕሊ ምድሪ ኸዓ መዓር ነበረ።
26
እቶም ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቦታ መዓር ይውሕዝ ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ግና፥ ነቲ ማሕላ ስለ ዝፈርሑ፥ ማንም ኢዱ ናብ ኣፉ ኣይገበረን።
27
ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቶም ህዝቢ ኸምሕሎም እንተሎ ኣይሰምዐን ነበረ እሞ፥ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ፥ ናብቲ ወለላ መዓር ጠምዐ፤ ካብኡ ኸዓ በልዐ፤ ኣዒንቱ ድማ በርሃ።
28
ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ “ኣቦኻ ‘ሎሚ እንጀራ ዝበልዐ ርጉም ይኹን’ ኢሉ ንህዝቢ ኣፅኒዑ ኣምሒልዎም ስለ ዘሎ እቲ ህዝቢ ደኺሙ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።
29
ሽዑ ዮናታን “ኣቦይ ነዛ ምድሪ ጐዲኡዋ። ካብዝ መዓር እዙይ ስለ ዝጠዓምኩ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ ረአዩ።
30
እቶም ህዝቢ ሎሚ ኻብዝ ዝረኸብዎ ምርኮ ፀላእቶም ኣፀቢቖም በሊዖም እንተ ዝኾኑ ምውቃዕ ፍልስጥኤማውያን ክንደይ ምዓበየ ነይሩ!” በለ።
31
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ደቂ እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ማክማስ ክሳዕ ኤሎን ወቕዕዎም። ደቂ እስራኤል ከዓ እምብዛ ደኸሙ።
32
ናብ ምርኮ ሰሲዖም ኣባጊዕን ከፍትን ምራኹትን ወሲዶም ሓረዱ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ምስ ደሙ በልዕዎ።
33
ሽዑ “እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ ንእግዚኣብሄር ይብድል ኣሎ” ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩም ከዳዕኹም፤ ሕዚ ዓብዪ እምኒ ኣንከራሪኹም ኣምፅኡለይ” በሎም።
34
ሳኦል ድማ “ናብቲ ህዝቢ ኼድኩም ‘ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምፅእ፤ ኣብዙይ ከዓ ሓሪድኩም ብልዑ። ምስ ደሙ ብምብላዕ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ’ በልዎም” በለ። በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ኣምፂኡ ሓረደ።
35
ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። እዙይ እቲ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ቐዳማይ መሰውኢ እዩ።
36
ሳኦል መሊሱ “ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፤ ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ ንዝመቶም፤ ሓደ ሰብውን ኣይነትርፈሎም” በለ። ንሳቶም ድማ “ኵሉ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ። እቲ ኻህን ግና “ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ” በሎም።
37
ሽዑ ሳኦል “ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ? ኣብ ኢድ እስራኤልዶ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ንሳኦል ኣይመለሰሉን።
38
ሳኦል ከዓ “ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝቢ ዅልኹም ናብዙይ ቅረቡ፤ ሎሚ እዝ ሓጢኣት እዙይ ብምንታይ ከም ዝኾነ ድማ ፍለጡን ረኣዩን።
39
እቲ በደል ዝተገብረ ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ንእስራኤል ዘድሕን እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ብርግፅ ክመውት እዩ” በለ። ግና ኻብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሓደ እኳ ዝመለሰሉ ኣይነበረን።
40
ሽዑ ንዅሎም እስራኤል “ንስኻትኩም ብሓደ ወገን ኩኑ፤ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ወገን ክንኸውን ኢና” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳኦል “እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ግበር” በልዎ።
41
ሳኦል ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ስለ ምንታይ ኢኻ ሎሚ ንኣይ ንባርያኻ ዘይመለስካለይ? እዝ በደል እዙይ ናተይ ወይ ናይ ዮናታን ወደይ እንተ ኾይኑ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብኡሪም መልሰለይ፤ እዝ በደል እዙይ ናይ ህዝብኻ ህዝቢ እስራኤል እንተ ኾይኑ ግና ብቱሚም ጌርካ መልሰለይ” ኢሉ ፀለየ። ሽዑ እቲ ዕፃ ናብ ዮናታንን ሳኦልን በፅሐ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓራ ወፁ።
42
ሳኦል ድማ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዮናታን ወደይን ዕፃ ኣውድቑ” በሎም። እቲ ዕፃ ድማ ናብ ዮናታን በፅሐ።
43
ሳኦል ድማ ንዮናታን “እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ” በሎ። ሽዑ ዮናታን “ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ንእሽተይ መዓር ጥዒመ ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ኽመውት ይግብአኒ እዩ” በሎ።
44
ሳኦል ድማ “ኦ ዮናታን፥ ሎሚ እንተ ዘይሞይትካስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በሎ።
45
እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል “ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ኮይኑ ዓብዪ ዓወት ሂቡና እዩ እሞ፥ እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኽመውት እዩ? የለን ኣይኸውንን። ካብ ፀጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ብህያው እግዚኣብሄር ንምሕል ኣለና” በሉ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዮናታን ካብ ሞት ኣድሓንዎ።
46
ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ተመለሰ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብ ቦታኦም ከዱ።
47
ሳኦል ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሓዘ ድማ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ፥ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ኣሞንን ምስ ኤዶምያስን ምስ ነገስታት ሱባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግአ፤ ኣብ ዝተዋግአሉ ዅሉ ኸዓ ይዕወት ነበረ።
48
ንሱ ጀግና ነበረ፤ ተዋጊኡ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዓሮም፤ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ወረርቶም ኣድሓኖም።
49
ኣወዳት ደቂ ሳኦል፥ ዮናታን፥ የሱዊ፥ ሜልኪሳ ይብሃሉ ነበሩ። እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸዓ፥ እታ በዅሪ ሜሮብ፥ እታ ንእሽተይ ድማ ሜልኮል ይበሃላ ነበራ።
50
ሰበይቲ ሳኦል ኣኪናዓም ትብሃል ነበረት፤ ንሳ ጓል ኣሒማዓፅ እያ። ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣበኔር ይበሃል ነበረ። ኣበኔር ወዲ ኔር ሓወቦ ሳኦል ነበረ።
51
ቂስ ኣቦ ሳኦልን ኔር ኣቦ ኣበኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም።
52
ብዅሉ ዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረአየ፥ ምስኡ ይወስዶ ነበረ።
← Chapter 13
Chapter 15 →