bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 13
1 Samuel 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሳኦል ኣብ እስራኤል ክልተ ዓመት ምስ ነገሰ፥
2
ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።
3
ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ናሲብ ሰፊሩ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እዙይ ሰምዑ። ሳኦል ድማ “ዕብራውያን ይስምዑ” ኢሉ ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፍሐ።
4
ኵሎም እስራኤል ከዓ፥ ሳኦል ንዅሎም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝወቕዖምን፥ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ከም እተፀልኡን ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳኦል ንምኽታል ናብ ጌልገላ ተኣከቡ።
5
ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ።
6
እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ።
7
ገሊኣቶም ዕብራውያን ከዓ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ገለዓድን ከዱ። ሳኦል ግና ገና ኣብ ጌልገላ ነበረ፤ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጡ ተኸተልዎ።
8
ሳኦል ከዓ ኸምቲ ሳሙኤል ዝመደበሉ ሸውዓተ መዓልቲ ተፀበየ፤ ሳሙኤል ግና ናብ ገለዓድ ኣይመፀን። እቲ ህዝቢ ድማ ንሳኦል ሓዲግዎ ፋሕ ክብል ጀመረ።
9
ሽዑ ሳኦል “ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ናብዙይ ኣምፅኡለይ” በለ። ባዕሉ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ።
10
ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈፀመ ኸዓ ሳሙኤል መፀ። ሳኦል ከዓ ኽቕበሎ ወፀ።
11
ሳሙኤል ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ” በሎ። ሳኦል ከዓ “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፥ ንስኻ ድማ በተን ዝተመደባ መዓልቲታት ከም ዘይመፃእኻ፥ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ማክማስ ከም ዝተኣከቡ ረአኹ።
12
ስለዙይ ‘ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይፀለኹ እንተለኹ፥ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጌልገላ ሕዚ ኽወርዱ እዮም’ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ደፊረ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረብኩ” በሎ።
13
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ብዘይምሕላውካ ዓሺኻ። ትእዛዙ ሓሊኻ እንተ እትኸውን፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መፅንዐልካ ነይሩ።
14
ሕዚ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ስለ ዘይሓለኻ፥ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝኾነ ሰብ ረኺቡ፥ ንእኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሸይምዎ ኣሎ” በሎ።
15
ሳሙኤል ድማ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ናብ ገባዖን ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ቘፀሮም፤ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ኸዓ ኾኑ።
16
ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝብን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ሰፊሮም ነበሩ፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ማክማስ ሰፊሮም ነበሩ።
17
ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከዓ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ኾይኖም ወፁ፤ እቲ ሓደ ኽፍሊ ናብ ኤፍራታ ናይ ምድሪ ሶጋል ኣቢሉ ኸደ።
18
እቲ ኻልኣይ ክፍሊ ኸዓ ናብ ቤትሖሮን ኣቢሉ ኸደ፤ እቲ ሳልሳይውን ናብቲ ኣብ ለሰ ሰቦይም ማዕዶ ወሰን፥ ብወገን ምድረ በዳ ኣቢሉ ኸደ።
19
ፍልስጥኤማውያን ድማ “ዕብራውያን ሰይፊ ወይ ኲናት ኣይስርሑ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጢ ሓፂን ኣይነበረን።
20
ስለዙይ ብልሒ ማሕረሻን መባሮታትን ማሕፀታትን ማዕፂዳትን ምስ ጐተመ፥ ኵላቶም እስራኤል ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርዱ ነበሩ።
21
ንማሕረሻን መባሮን በርባዕተ ግራም ብሩር፥ ንመስአን ማህፀን ሓንካሾን ከዓ ብሸሞንተ ግራም ብሩር የብልሑ ነበሩ።
22
ብመዓልቲ ውግእ ብዘይ ሳኦልን ዮናታን ወዱን፥ እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝቢ ሰይፊ ኾነ ዂናት ኣይነበሮምን።
23
ሓደ ኽፍሊ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ መሳገሪ ማክማስ ወፀ።
← Chapter 12
Chapter 14 →