bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 12
1 Samuel 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሳሙኤል ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓል ሰሚዐ ንጉስ ኣንገስኩልኩም።
2
ሕዚ ኸዓ እቲ ዝመርሐኩም ንጉስ እንሆ፤ ኣነ ኣሪገ እየ፤ ደቀይ ከዓ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም ከድኩ።
3
ሕዚ እውን እኒሀኹ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝቐብኦን መስክሩለይ፤ ናይ መን ብዕራይ ወሰድኩ? ናይ መን ኣድጊኸ ወሰድኩ? ንመንከ ኣታለልኩ? ንመን ግፍዒ ገበርኩ? ኣዒንተይ ንምዕዋርከ ኻብ መን ጉቦ ተቐበልኩ? ኣነውን ክመልሰሉ እየ።”
4
ንሳቶም ከዓ “ኣየታለልካናን፤ ግፍዒውን ኣይገፋዕኻናን፤ ካብ ኢድ ሰብውን ዝኾነ እኳ ኣይወሰድካን” በልዎ።
5
ሳሙኤል ከዓ “ኣብ ኢደይ ምንም ከም ዘይረኸብኩምለይስ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄርን እቲ ንሱ ዝቐብኦን ምስክር እዮም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ምስክር እዩ” በሉ።
6
ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝሓረዮም፤ ነቦታትኩም ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር እዩ።
7
እምበኣር ሕዝስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቂ ግብርታቱ፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምስ ኣብዙይ ደው በሉ።
8
“ያእቆብ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን ከዓ ነቦታትኩም ምስ ኣጨነቑዎም፥ ኣቦታትኩምውን ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኾም፤ ንሳቶም ከዓ ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኣውፅእዎም፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም።
9
“ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረስዕዎ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ኢድ ሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኣሶርን ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም።
10
ሽዑ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ብምግልጋል በዲልና ኢና፤ ሕዚ ግና ኻብ ፀላእትና ኣድሕነና፤ ንሕና ድማ ኽነገልግለካ ኢና’ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
11
እግዚኣብሄር ከዓ ንይሩበዓልን ንባርቅን ንዮፍታሔን ንሳሙኤልን ልኢኹ፥ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ዘለዉ ፀላእትኹም ኣድሓነኩም፤ ሃዲእኹም ድማ ተቐመጥኩም።
12
“ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ከም ዝመፀኩም ምስ ረአኹም ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም እንተሎስ፥ ‘ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ’ በልኩምኒ።
13
ሕዚ ኸዓ፥ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሓረኹምዎን ንጉስ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንጊሱልኩም ኣሎ።
14
ንእግዚኣብሄር እንተ ፈሪሕኹምዎን እንተ ኣምሊኽኩምዎን ቃሉውን እንተ ሰሚዕኹምን ትእዛዙውን እንተ ሓሊኹምን፥ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስን ኵሉ ኽቐንዐኩም እዩ።
15
ቃል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ዘይሓሊኹም ግና ሽዑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝቐፅዖም ንኣኻትኩምን ንንጉስኩምን ክቐፅዐኩም እዩ።
16
“ሕዚ ኸዓ ደው ኢልኩም ናብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገብሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ።
17
ሎሚ ጊዜ ቐውዒ ስርናይዶ ኣይኮነን? እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትሪኡንስ፥ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነጐድጓድን ዝናምን ክሰድድ እዩ።”
18
ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፤ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጐድጓድን ዝናምን ሰደደ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን የመና ፈርሕዎም።
19
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳሙኤል “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትናስ፥ ንጉስ ብምልማንና ወሲኽና ኽፉእ ጌርና ኢና እሞ ምእንቲ ኸይንመውትስ፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና” በልዎ።
20
ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣይትፍርሑ፤ ምግባርስ ነዝ ዅሉ ኽፉእ ነገር እዙይ ጌርኩምዎ ኢኹም፤ ግና ንእግዚኣብሄር ምኽታል ኣይትሕደጉ፤ ብምሉእ ልብኹም ደኣ ንእኡ ኣገልግልዎ።
21
እቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን ኣማልኽቲ፥ ከንቱ ስለ ዝኾኑ፥ ምስዓቦምውን ከንቱ እዩ እሞ፤ ኣይትስዓብዎም።
22
እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ።
23
ኣነስ እታ ፅብቕትን ቅንዕትን መንገዲ ኽምህረኩም እየ። ምእንታኻትኩም ምፅላይ ብምሕዳገይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል የድሕነኒ።
24
እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ እሞ ንእኡ ጥራሕ ፍርሑ፤ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከዓ ኣገልግልዎ።
25
መሊስኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።”
← Chapter 11
Chapter 13 →