bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 9
1 Kings 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን፥ ነቲ ኹሉ ሰሎሞን ክሰርሖ ብልቡ ዝተመነዮን ሰሪሑ ምስ ፈፀመ፥
2
እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ገባዖን ንሰሎሞን ዝተገለፀሉ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ተገለፀሉ።
3
እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዮ ፀሎትካን ምህለላኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ነዛ ዝሰራሕኻያ ቤተ መቕደስ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ። ኣዒንተይን ልበይን ከዓ ንሓዋሩ ኣብኣ ኽነብራ እየን።
4
“ንስኻ ድማ፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፥ ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ከዓ ኽትሕሉ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንፅህና ልብን ብቕንዕናን ዝነበረ፥ ኣብ ቅድመይ እንተ ነበርካ፥
5
ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት ‘ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ዝበልክዎ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዖ እየ።
6
ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካባይ ከዲዕኹም ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ከዓ እንተ ዘይሓሊኹም፥ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥
7
ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ።
8
እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ድማ፥ የመና እኳ ልዕል ልዕል እንተበለት፥ ብኣኣ ዝሓልፉ፥ ብኣኣ ኽግረሙን ‘ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣንስ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገበረን?’ ክብሉ እዮም፤
9
እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝተቐበሉን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፥ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ኽፉእ ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”
10
ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፥ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን፥ ብዕስራ ዓመት ሰሪሑ ፈፀመን።
11
ኪራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ክንዲ ዝደለዮ ኦም ዝግባን ኦም ፅሕድን ክንዲ ዝደለዮ ወርቅን ዝደለዮ ዅሉን ሂቡዎ ነበረ፤ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንኪራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሃቦ።
12
ኪራም ከዓ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ክሪአን፥ ካብ ጢሮስ ወፀ፤ ግና ደስ ኣይበላኦን፤
13
“ሓወይ፥ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ዝኸተማአን እየን” ድማ በለ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝስመያኦ ዘለዋ ኸዓ፥ ምድሪ ከቡል ኢሉ ሰመየን።
14
ኪራም ድማ ንንጉስ ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ሰደደሉ።
15
ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስቱን ሚሎንን መካበብያ ኢየሩሳሌምን ሓፆርን መጊዶን ጌዝርን ዝሰርሑ ወገናት መልሚሉ ነበረ።
16
ጌዝር፥ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ደዪቡ ዝሓዛ፥ ብሓዊ ኣቃፂሉ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነዓናውያን ከዓ ቐቲሉ፥ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን ኣግዚምዋ ዝነበረት ከተማ እያ።
17
ሰሎሞን ከዓ መሊሱ ሰርሓ። ከምኡውን በቶም ተገዲዶም ዝሰርሑ ንታሕተዋይ ቤት ሓሮንን፥
18
ንባዕላትን ነታ ኣብ ምድረ በዳ ይሁዳ ዘላ ተድሞርን፥
19
ንዅለን እተን ሰሎሞን ስንቂ ኣኪቡለን ዝነበረ ኸተማታት መዛግብትን፥ ከተማታት ሰረገላታትን ከተማታት ፈረሰኛታትን፥ ነቲ ኸም ድሌቱ ገይሩ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለየ ሰርሐ።
20
ሰሎሞን ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ሃዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ፥ ኵሎም ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ህዝቢ፥
21
ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ከጥፍእዎም ዘይከኣሉ፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ተገዲዶም ዝሰርሑ ባሮት ገበሮም።
22
ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን መመሓደርትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን።
23
እዚኣቶም ነቶም ኣብ ስራሕ ሰሎሞን ዝሰርሑ ህዝቢ ዝእዝዙ ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
24
ጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሐላ ቤታ መፀት፤ ሽዑ ሰሎሞን ንሚሎን ሰርሐ።
25
ሰሎሞን ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሻዕ የቕርብ ነበረ፤ ምስኡ ኸዓ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዕጣን ይዓጥን ነበረ። ነቲ ቤት ድማ ፈፀሞ።
26
ንጉስ ሰሎሞን ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፥ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔፅዮንጋብር መራኽብ ሰርሐ።
27
ኪራም ድማ ኣብተን መራኽብ ምስ ኣገልገልቲ ሰሎሞን ዝሰርሑ ናይ ባሕሪ ነገር ዝፈልጡ መርከበኛታት ኣገልገልቱ ሰደደ።
28
ናብ ኦፊር ከይዶም ከዓ ኻብኣ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሰዱ፤ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምፅእዎ።
← Chapter 8
Chapter 10 →