bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 10
1 Kings 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንግስቲ ሳባ ድማ፥ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝወፀሉ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ መፀት።
2
ክትመፅእ እንተላ ኸዓ ምስ ብዙሕ ጕዕዞ፥ ቀመማት ዝተፅዓና ኣግማልን ሰረገላታትን የመና ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ኣፅዒና ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ኣፃወተቶ።
3
ሰሎሞን ከዓ ንዅሉ ጥያቐኣ መለሰላ፤ ክምልሰላ ዘይከኣለ ኻብኡ ዝተሰወረ ነገር ድማ ኣይነበረን።
4
ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እቲ ዝሰርሖ ቤተ መንግስትን ምስ ረአየት፥
5
መብልዕ ማእዱን ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኣቶምን ንኣሰለፍቲ ወይንን፥ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘቕርቦ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ምስ ረአየት፥ ውኖኣ ተመሰጠ።
6
ንንጉስ ከዓ “እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕኽዎ ነገር ሓቂ እዩ።
7
መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝሪኦ ግና ነቲ ዘረባ ኣይኣምኖን ነበርኩ፤ እንተ ኾነ ፍርቂ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ዝበዝሕ ጥበብን ሃብትን ኣለካ።
8
እዞም ሰብካ ኽንደይ ተዓዲሎም! እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ኣገልገልትኻ ብፁኣን እዮም!
9
እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።
10
ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ዕንቊን ሃበቶ፤ ብድሕሪኡ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ብዝሒ ቐመማት ከቶ ኣይመፀን።
11
[እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምፅኣ መራኽብ ኪራም ከዓ የመና ብዙሕ ዕንፀይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምፅኣ ነበራ።
12
ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ዝኸውን መጋረዲታት፥ ንመዘምራን ዝኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕንፀቲ ሰንደል ኣይመፀን፤ ከምኡውን ኣይተርኣየን።]
13
ብዘይ እቲ ንጉስ ሰሎሞን ከም ልማድ ንጉስ ብልግሲ ዝሃባ፥ ንጉስ ሰሎሞን ንንግስቲ ሳባ ዅሉ ዝደለየቶ ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ኣገልገልታ ናብ ሃገራ ተመለሰት።
14
ብዘይ እቲ ግብሪ ዘገብሩ ሰባትን ነጋዶን ነገስታት ዓረብን ኵሎም ሹመኛታት ምድርን ካብ ዘምፅእዎ፥ ካልእ በብዓመቱ ንሰሎሞን ዝመፀሉ ወርቂ፥ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ።
16
ንጉስ ሰሎሞን ድማ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኽልተ ሚእቲ ዋልታታት ሰርሐ፤ ነንሓደ ዋልታ ዳርጋ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ።
17
ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣናእሽቱ ዋልታታት ሰርሐ፤ ነንሓደ ዋልታ ድማ ዳርጋ ኽልተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ዱር ሊባኖስ እትብሃል ኣዳራሽ ኣንበሮ።
18
ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ገይሩ ዓብዪ ዙፋን ኣስርሐ፤ ብፅሩይ ወርቂውን ለበጦ።
19
እቲ ዙፋን ሽዱሽተ መደያይቦ ነበሮ፤ ርእሲ እቲ ዙፋን ከዓ ብወገን ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ ብኽልቲኡ ወገን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጐኒ እቲ መደገፊ ኣእዳው ከዓ ኽልተ ምስልታት ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ።
20
ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ኣብ ኵለን መንግስታት ኣይተገብረን።
21
ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ብወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ኵሉ ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝነበረ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ፈፂሙ ኣይቝፀርን ነበረሞ፥ ብብሩር ዝተገብረ ኣቕሓ ኣይነበረን።
22
ንጉስ ሰሎሞን ምስ ንጉስ ኪራም ኣብ ባሕሪ፥ መራኽብ ንግዲ ነበራኦ እሞ፥ እተን መራኽብ ንግዲ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳዕ ይመፃ ነበራ።
23
በዝ ኸምዙይ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዝዓበየ ነበረ።
24
ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ጥበብ ክሰምዕ፥ ገፅ ሰሎሞን ክርኢ ብዓለሙ ይምነ ነበረ።
25
በብዓመቱ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ገፀ በረኸት ሒዙ ድማ ይመፅእ ነበረ።
26
ሰሎሞን ሰረገላታትን ኣፍራስን ኣከበ፤ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰረገላን፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትንውን ነበርዎ። ንገሊኣቶም ኣብ ከተማታት ሰረገላ፥ ንገሊኣቶም ድማ ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣቐመጦም።
27
እቲ ንጉስ ከዓ ንብሩር ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ዝበዝሕ ገበሮ፤ ንዝግባውን ምብዛሑ ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ገበሮ።
28
እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ግብፅን ካብ ቂልቅያን በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ።
29
ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ በእዳዎም የምፅኡሎም ነበሩ።
← Chapter 9
Chapter 11 →