bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 8
1 Kings 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰሎሞን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታትን ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ዘለዎ ናብ ኢየሩሳሌም ከደይብዎ ኣከቦም።
2
ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ወርሒ ኤታኒም ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተኣከቡ።
3
ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መፁ ኸዓ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።
4
እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ንዋየ ቅድሳትን፥ ናብቲ ቤተ መቕደስ ኣደየብዎ።
5
ንጉስ ሰሎሞንን ኵሎም እቶም ናብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቂ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኮይኖም፥ ካብ ምብዛሐን ዝተልዓለ ኽቝፀራ ዘይኽእላ ኣባጊዕን ከፍትን ሰውኡ።
6
እቶም ካህናት ድማ፥ ነቲ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ።
7
እቶም ኪሩቤል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዝነበሮ ኣኽናፎም ዘርጊሖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ታቦትን ነቲ መፃውሩን ከደንዎ።
8
እቲ መፃውሩ ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ መቕደስ ኴንካ ይረአ ነበረ፤ ብወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣለዉ።
9
ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ዝኣተወሉ ጊዜ፥ ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ፅላት እምኒ ሓደኳ ኣይነበረን።
10
እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወፁ፥ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ።
11
ነቲ ቤተ መቕደስ ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ ግና፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።
12
ሽዑ ሰሎሞን “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፀሊም ደመና ኸም እትነብር ተዛሪብካ ኢኻ።
13
ኣነ ኸዓ ንስኻ እትነብረሉ ቤት፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግፅ ሃኒፀልካ ኣለኹ” በለ።
14
እቲ ኵሉ ጉባኤ እስራኤል ደው ኢሉ እንተሎ፥ እቲ ንጉስ ገፁ መሊሱ ነቲ ጉባኤ እስራኤል ባረኾ።
15
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤተ መቕደስ እትስርሐላ ኸተማ ኣይሓረኹን። ሕዚ ግና ስመይ ኣብኡ ክኸውን ንኢየሩሳሌም መሪፀ ኣለኹ፤ ንዳዊትውን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ክኸውን መሪፀዮ ኣለኹ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ዝተዛረቦ፥ ብኢዱ ኸዓ ዝፈፀሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።
17
“ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ክሰርሐሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ።
18
እግዚኣብሄርውን ነቦይ ዳዊት ‘ንስመይ ቤተ መቕደስ ክትሰርሕ ብልብኻ ብምሕሳብካ ፅቡቕ ገበርካ።
19
ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝውፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐለይ እምበር ንስኻ ኣይኮንካን ቤተ መቕደስ እትሰርሐለይ’ በሎ።
20
“እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዝተዛረቦ ቓል ኣፅንዖ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ፥ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተልዓልኩ፤ ኣብ ዙፋን እስራኤልውን ተቐመጥኩ፤ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ቤተ መቕደስ ሰሪሐ ኣለኹ።
21
ኣብኡ ድማ፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፅኦም ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ዘለዎ ታቦት ዝኸውን ስፍራ ኣዳለኹ።”
22
ሰሎሞን ከዓ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፥ ኵሎም ጉባኤ እስራኤል እናረአዩ፥ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ።
23
ከምዙይውን በለ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ንዝኸዱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ እውን ኣብ ታሕቲ ንኣኻ ዝመስል ኣምላኽ የለን።
24
እቲ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተዛረብካዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብኣፍካ ዝተዛረብካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ።
25
“ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት ‘ከምቲ ንስኻ ብትእዛዛተይ ዝነበርካ፥ ደቅኻ ኸዓ ብትእዛዛተይ እንተ ነበሩ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ሓሉ።
26
ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽ እስራኤል፥ በይዛኻ፥ እቲ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት፥ ዝተናገርካዮ ቓል ይፅናዕ።
27
“ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ምስ ሰብ ይነብር እዩ? እንሆ ሰማይን ኣብ ልዕሊ ሰማይ ዘለዉ ሰማያትን ክፆሩኻ ኣይኽእሉን እዮም። እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስ ደኣ ኽንደይ ዘይትንእስ?
28
ግና ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ናብ ፀሎት ባርያኻን ምህለላኡን ተመልከት፤ እወ፥ ነዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘቕርቦ ዘለኹ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ።
29
ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፥ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ቦታ፥ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይጠምታ። ነቲ ኣነ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልዮ ፀሎትውን ስማዕ።
30
ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስማዕ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል።
31
“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ እሞ፥ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ኸዓ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኽምሕል እንተ መፀ፥
32
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ድማ ኸም ፅድቁ ኽፈሎ።
33
“ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ምስ ተስዓሩ እሞ፥ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ፀለዩን እንተ ተማህለሉን፥
34
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካያ ምድሪ ድማ ምለሶም።
35
“ንኣኻ ብምብዳሎም ሰማይ እንተ ተዓፅወ፥ ዝናምውን እንተ ዘይዘነመ መከራ ስለ ዘፅናዕኻሎም፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተ ፀለዩ ንስምካውን እንተኽበሩ፥ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥
36
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸዱላ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፥ ሓጢኣት ባሮትካን ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ዝናም ሃብ።
37
“ኣብ ምድሪ ጥሜት እንተ ኾነ፥ ወይ ፌራ እንተ ኾነ፥ ዋግ ወይ ሃጒ ወይ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ኾነ፥ ወይ ፀላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፥ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መፀሞ፥
38
ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማም ልቡ ተፈሊጥዎ ብፀሎትን ብምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥
39
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረ ኸዓ በል፤ ርድኣዮውን፤ ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኽፈርሑኻስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፥ ከከም መንገዱ ኽፈሎን ሃቦን።
41
“ብዛዕባ እዝ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ ሓይልኻን ዝገበርካዮ ዓበይቲ ተኣምራትን ክሰምዑ እዮም እሞ፥ ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነ ጓና ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር መፂኡ፥ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ እንተ ፀለየ፥
43
ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ።
44
“ንህዝብኻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ፀላእቶም ወፂኦም ክዋግኡ እንተ ኣዘዝካዮም እሞ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም ናባኻ ናብ እግዚኣብሄር እንተ ፀለዩ፥
45
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍትሒ ግበረሎም።
46
“ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ፥ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ፥ ንስኻ ድማ ተቘጢዕኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም እሞ፥ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ናብ ሃገር ፀላኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ፥
47
ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ሃገር ኮይኖም ብልቦም እንተ ተናስሑ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ዘለዉ ሃገር ኮይኖም ከዓ መሊሶም ‘ሓጢኣት ጌርና ኢና፥ በዲልና ኢና፥ ክፉእ ጌርና ኢና’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፥
48
ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥
49
ሽዑ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ቦታ ዄንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍርዲ ግበረሎም።
50
ነቶም ዝበደሉኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ በደል ዝገበሩ ህዝብኻ ዅሉ በደሎም ይቕረ በለሎም፤ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ኽገብሩሎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማረኽቶም ምሕረት ሃቦም።
51
ንሳቶም ካብ ግብፂ ኻብቲ እቶን ሓፂን ዘውፃእኻዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ።
52
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብፂ ክተውፅኦም እንተለኻ ብባርያኻ ሙሴ ዝተዛረብካዮ፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ክኾኑ፥ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፥ ናባኻ ብዝፅውዕዎ ዅሉ ኽትሰምዖም፥ ኣዒንትኻ ናብ ምህለላ ባርያኻን ናብ ምህለላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ።”
54
ሰሎሞን ነዝ ናብ እግዚኣብሄር ዘቕረቦ ፀሎትን ምህለላን ምስ ወድአ፥ ካብ ቅድሚ እቲ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ፥ ካብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተስአ፤
55
ደው ኢሉ ኸዓ ንዅሉ ጉባኤ እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዙይ ኢሉ ባረኾም፦
56
“ከምቲ ዅሉ ዝተዛረቦ ተስፋ፥ ንህዝቢ እስራኤል ዕረፍቲ ዝሃበ እግዚኣብሄር ይመስገን፤ ካብቲ ዅሉ ብሙሴ ባርያኡ ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ዘይተፈፀመ ነገር የለን።
57
እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፥ ምሳና ይኹን፤ ኣይሕደገናን ኣይደርብየናንውን።
58
እቲ ነቦታትና ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ስርዓታቱን ክንሕሉ፥ ብዅሉ መንገድታቱ ኽንከይድ፥ ንእኡውን ክንእዘዝ ንልብና ናብኡ የዘንብሎ።
59
እቲ ንኣይ ንባርያኡን ንህዝቡ እስራኤልን ነንዕለቱ ዘድሊ ምሕረት ምእንቲ ኽገብረልና፥ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ እዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተማህለልክዎ ፀሎት፥ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይብፃሕ።
61
ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ክትሕልዉ፥ ልብኹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፍፁም ይኹን።”
62
እቲ ንጉስን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሰውኡ።
63
ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዝስዋእ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን፥ ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን ኣቕረበ። ከምዙይ ገይሮም ከዓ ንጉስን ኵሎም እስራኤልን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ።
64
በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዘሎ ማእኸላይ ኣፀድ ባረኾ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ነሃስ ስለ ዝነኣሰ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ሰውኦ።
65
በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞንን ህዝቢ እስራኤልን፥ ካብ መእተዊ ሓማት ጀሚሩ ኽሳዕ ሩባ ግብፂ ዘሎ ዓብዪ ጉባኤ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ።
66
በታ ሻምነይቲ መዓልቲ፥ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፤ ንሳቶም ከዓ ንንጉስ መረቕዎ፤ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ደስ ኢልዎም ብሕጉስ ልቢ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።
← Chapter 7
Chapter 9 →