bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 7
1 Kings 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰሎሞን ንቤቱ ብዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ሰሪሑ ፈፀሞ።
2
ምንዋሑ ኣርብዓ ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሜትር፥ ቁመቱውን ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ዝኾነ ዱር ሊባኖስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ኣዳራሽ ሰርሐ። እቲ ኣዳራሽ ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕማድ ዝግባ ነበሮ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰረገላታት ድማ ፅሩብ ሰረገላታት ዝግባ ገይሩ ሰርሖ።
3
እቲ ናሕሱ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓምዲ ዝነበረ ሰረገላታት ብዝግባ ዝተሰርሐ ናሕሲ ነበረ፤ እቲ ኣዕማድ ከዓ ኣብ ሓደ መስርዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ፥ ኣብ ሓደ መስርዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ነበረ።
4
ኣብ ክልቲኡ መንደቕ እቲ ህንፃ ተር ዝበለ ሰሰለስተ መስርዕ መስኮት ነበሮ፤ እቲ መሳዅቲ ኸዓ መነፃፅርቲ ነበረ።
5
ኵሉ ደገታትን ልዳውትን ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፤ እቲ ኣብ ክልቲኡ መንደቕ ዝነበረ ተር ዝበለ ሰለስተ መስርዕ መሳዅቲ ኸዓ መረኣእይቲ ነበረ።
6
ዕስራን ክልተን ሜትር ዝምንዋሑ፥ ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ዝምግፋሑ ብኣዕማድ ገይሩ ድማ ኣዳራሽ ሰርሐ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፥ ኣብ ቅድሚ እዙይ ከዓ ኣዕማድን መሳልልን ነበረ።
7
ከምኡ ኸዓ መጋባእያ ዝወፀሉ፥ ፍርዲ ዝህበሉ ኣዳራሽ ዙፋን ወይ ኣዳራሽ ፍርዲ ዝበሃል ሰርሐ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ።
8
እታ ንሱ ዝቕመጠላ ቤት ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መካበብያ ብድሕሪ እቲ ኣዳራሽ ከምኡ ኾይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርዖን ከዓ ኸምዝ ኣዳራሽ እዙይ ዝበለ ቤት ሰርሐላ።
9
እዝ ዅሉ ህንፃታትን እቲ ዓብዪ መካበብያን ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ ወሰን፥ በቲ ብልክዕ ዝተፀርበ፥ ብውሽጥን ብደገን ብመጋዝ ዝተቘርፀ ኽቡር ኣእማን ተሰርሐ።
10
እቲ መሰረት ድማ ብዝኸበረ ዓበይቲ ኣእማን ተሰረተ፤ እቲ ኣእማን ከዓ ገሊኡ ዓሰርተ፥ ገሊኡ ድማ ሸሞንተ እመት ዝምንዋሑ ነበረ።
11
ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ብልክዕ ዝተፀርበ ኽቡር ኣእማንን ሉሕ ዝግባን ነበረ።
12
ነቲ ዓብዪ መካበብያ ድማ ብዙርያኡ ኸምቲ ናይ ውሽጢ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም መካበብያ ቤተ መንግስትን ሰለስተ ዙርያ ዝተፀርበ ኣእማንን ሓደ ዙርያ ዝተፀርበ ሉሕ ዝግባን ነበሮ።
13
ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንኪራም ካብ ጢሮስ ኣምፅኦ።
14
ንሱ ኻብ ሓንቲ መበለት ካብ ነገድ ንፍታሌም ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወልደ ነበረ። ኣቦኡ ኸዓ በዓል ጢሮስ፥ ኣንጠረኛ ነሃስ ነበረ። ንሱ ድማ ዅሉ ስራሕ ነሃስ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መፂኡ ኸዓ፥ ኵሉ ስራሕ ሰርሐሉ።
15
ኪራም ቁመቱ ዓሰርተ ሸሞንተ እመት ዝኾነ ኽልተ ዓምዲ ነሃስ ሰርሐ። መጠን ዙርያኡ ድማ ዓሰርተ ኽልተ እመት ነበረ።
16
ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕማድ ዝቕመጥ ድማ ኻብ ዝፈሰሰ ነሃስ ኽልተ ጕልላት ሰርሐ። ቁመት እቲ ሓደ ጕልላት ሓሙሽተ እመት፥ ቁመት እቲ ኻልኣይ ጕልላትውን ሓሙሽተ እመት ነበረ።
17
ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ድማ ኸም ስርሓት መንፊት ዝበለ ዓይኒ ርግብን ከም ስርሓት ሰንሰለት ዝበለ ትንጎን ነበሮ።
18
ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ክኸድን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይኒ ርግቢ፥ ክልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፤ ነቲ ኻልኣይ ጕልላትውን ከምኡ ገበሮ።
19
እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዝነበረ ጕልላት ከዓ ኸም ዕምበባ ሱፍ መሲሉ ዝተሰርሐ፥ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
20
ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕማድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይኒ ርግቢ ዘሎ ዅዕሶ ዝመስል ጕልላት፥ ኣብ ዙርያኡ ብመስርዕ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ።
21
ነቲ ኣዕማድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቖሞ። ነቲ የማናይ ዓምዲ ተኺሉ ያቁም ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀጋማይ ዓምዲ ተኺሉ ድማ በለዝ ኢሉ ሰመዮ።
22
ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕማድ ከዓ ኸም ዕምበባ ሱፍ ዝመስል ስርሓት ነበረ። በዝ ኸምዙይ ስራሕ ኣዕማድ ተፈፀመ።
23
ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኸዓ ኸቢብ መዕቘሪ ማይ ሰርሐ፤ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ሰንጣቒቱ ዓሰርተ እመት፥ ዙርያኡ ኸዓ ሰላሳ እመት፥ ዕምቈቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረ።
24
ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ናይ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ክልተ መስርዕ ገይፂ ገበረሉ። ኣብ ሓሓንቲ እመት ዓሰርተ ዝመዓጐ ዕምበባ ዝመስል ነበረ። እዙይ ድማ ብሓደ ፈሲሱ ምስኡ ዝተሰርሐ ነበረ።
25
ነቲ መዕቘሪ ማይ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣብዑር ኣንበሮ። እቶም ኣብዑር ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ኸዓ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተውን ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ።
26
ከንፈር እቲ መዕቘሪ ማይ ምርጓዱ ጋት ነበረ፤ ኣሰራርሓኡ ድማ ኸም ፅዋዕ፥ ከም ዝዓምበበ ዕምበባ ተኸርኪሙ ነበረ። ኣርብዓ ሽሕ ሊትሮ ከዓ ይሕዝ ነበረ።
27
ብነሃስ ገይሩ ኸዓ መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑ ገበረ፤ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ኣርባዕተ እመት፥ ቁመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ።
28
እቲ መቐመጢ ኣቑሑ ድማ በርባዕተ መኣዝን ተገጣጢሙ ዝተሰርሐ ነበረ።
29
ኣብ መንጎ እቲ መጋጠሚ ድማ ምስሊ ኣናብስን፥ ኣብዑርን፥ ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ላዕላዩ ኸዓ ኸምኡ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቶም ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ኸም ትንጎ ዝተገብረ ቘፅሊ ተንጠልጢሉ ነበረ።
30
ነንሓደ መቐመጢ ኣቕሓ ኸዓ ኣርባዕተ መንኰራዅር ነሃስ፥ ንእኡ ዝሕዝ ኣርዑት ነሃስ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸዓ መንኰራዅር ነበሮ፤ እቲ መንኰራዅር ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትንጎ ቘፅሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ።
31
እቲ ገበራ ዝተኸብሰ ኸቢብ ከንፈር ነበሮ። ካብቲ መቐመጢ ኣቕሓ ንላዕሊ ፍርቂ እመት፥ ንታሕቲ ድማ ስድሪ ዝኣተወ ነበረ። ብዙርያኡ ኸዓ ገይፂ ነበሮ።
32
እቲ ኣርባዕተ መንኰራዅር ድማ ምስቲ መገጣጠሚ ብሓደ ለጊቡ ዝተሰርሐ ነበረ፤ ነናይ ሓደ መንኰራዅር ቁመትውን እመትን ስድርን ነበረ።
33
ስርሓት እቲ መንኰራዅር ድማ ኸም ስርሓት መንኰራኵር ሰረገላ ነበረ፤ መትሓዚኡን ተሽከርካሪኡን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኵሉ ብ ዝፈሰሰ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።
34
ነንሓደ መቐመጢ ኣቕሓ ኸዓ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ምስኡ ፈሲሱ ዝተሰርሐ ኣርባዕተ መንኰራዅር ነበሮ።
35
ኣብ ርእሲ እቲ መቐመጢ ኣቕሓ ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቑመቱ ምሉእ ዘንጊ ነበሮ፤ እቲ መደገፊኡን እቲ መገጣጠሚኡን ፈሲሱ ምስኡ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።
36
ኣብ ገፅ እቲ መደገፊኡን መገጣጠሚኡን ኣብቲ ስፍራ ዝረኸበሉ ብዙርያኡ ምስሊ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ትንጎ ቘፅልን ቀረፀሉ።
37
ከምዙይ ገይሩ ዓሰርተ መቐመጢ፥ ምፍሳሱ ሓደ፥ ልክዑ ሓደ፥ መልክዑ ሓደ ገይሩ ሰርሖ።
38
ኣብተን ዓሰርተ መቐመጢ ኣቑሑ ዝኾና ዓሰርተ ገበራታት ነሃስ ሰርሐ፤ ሓደ ገበራ ሸሞንተ ሚእቲ ሊትሮ ይሕዝ፤ ሰንጣቒቱ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
39
ነቲ መቐመጢ ኣቑሑ ድማ ሓሙሽተ ብወገን ደቡብ፥ ሓሙሽተ ኸዓ ብወገን ሰሜን፥ ነቲ ጋብላ ድማ ብወገን ደቡብ ምብራቕ ናይታ ቤተ መቕደስ ኣንበሮ።
40
ከምኡውን ኪራም ገበራታትን መፅሓሪያታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ። ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ዅሉ ስራሕ በዝ ኸምዙይ ፈፀሞ፤
41
ክልተ ኣዕማድ፥ ኣብ ርእሲ እተን ኣዕማድ ከዓ ኽልተ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት፥ ነተን ኣብ ልዕሊ ኣዕማድ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ኽልተ ጕልላት ዘጊፃ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ፥
42
ነተን ክልተ ዓይኒ ርግቢ ዝኾና ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን፥ (ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕማድ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት ዘመልክዓ ነንሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ ዙርያ ሮማን ገበረ።)
43
ዓሰርተ መቐመጢ ኣቑሑ፥ ዓሰርተ ገበራ፥
44
ሓደ ጋብላ፥ ነቲ ጋብላ ዝፆሩ ዓሰርተ ኽልተ ብዕራይ፥
45
ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ነበሩ። እዝ ዅሉ ኪራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብፅሩይ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ።
46
እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ፃርታን፥ ኣብ ድዃ መሬት ሰርሖ።
47
ኵሉ እቲ ኣቑሑ ነሃስ የመና ብዙሕ ስለ ዝነበረ ሰሎሞን እንተይመዘነ ሓደጎ፤ ሚዛን ናይቲ ኣቑሑ ኸዓ ኣይተፈልጠን።
48
ከምኡውን ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ ኣስርሐ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ሕብስቲ ቝርባን ዝቕመጠሉ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሰደቓ፥
49
እቲ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቀዋሚ ቐናዲል፥ ሓሙሽተ ብየማን፥ ሓሙሽተ ብፀጋም፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ዕምበባታትን ቅልዒ ቐናዲልን መሳወሪኡን፥
50
ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ፅዋዓትን መሳቐይታትን ጭሐሎታት ፅንሃሃትን መፅሓሪታትን፥ ብወርቂ ዝተገብረ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን፥ ናይ መቕደስ መዓፁን፥ ወንዲ ወንዶታትን ኣስርሐ።
51
ንጉስ ሰሎሞን፥ ቤት እግዚኣብሄር ሓኒፁ ምስ ወድአ፥ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝወፈዮ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑን ኣምፂኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ።
← Chapter 6
Chapter 8 →