bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 6
1 Kings 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፥ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝነግስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት በታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ዚፍ፥ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄር ክሃንፅ ጀመረ።
2
ንጉስ ሰሎሞን ዘስርሖ ቤት እግዚኣብሄር ምንዋሑ ዕስራን ሸውዓተን ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ።
3
እቲ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ኸምቲ ቤተ መቕደስ ትሽዓተ ሜትር ዝምግፋሑ ነበረ። ምንዋሑ ኸዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ።
4
ነቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብዓይኒ ርግቢ ዘይነቓነቕ መሳዅቲ ገበረሉ።
5
ምስ መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ኣፀጊዑ፥ ኣብ ዙርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ደብርታት ሰርሐ።
6
እቲ ሰረገላታት ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕን እቲ ቤተ መቕደስን ከይተሓሓዝስ፥ ኣብቲ መንደቕ እቲ ቤተ መቕደስ ብደገ ዙርያኣ ሕድጋት ገበረሉ እሞ፥ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ምግፋሑ ሓሙሽተ እመት፥ እቲ ማእኸላይ ድማ ምግፋሑ ሽዱሽተ እመት፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ምግፋሑ ሸውዓተ እመት ነበረ።
7
እቲ ቤተ መቕደስ ክስራሕ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብቲ ዝተዅዓተሉ ቦታ ብዝተወቕረ ኣእማን ስለ ዝተሰርሐ፥ ድምፂ መዶሻ ኾነ ምሳር ወይ ድምፂ ዝኾነ ኣቕሓ ሓፂን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣይተሰምዐን።
8
ደገ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ቤት፥ ብወገን የማን እቲ ቤተ መቕደስ ነበረ፤ ናብቲ ማእኸላይን ሳልሳይን ደብሪ ድማ ብዝተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ።
9
ስለዙይ ሰሎሞን ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ፈፀሞ። ብገመላት ብሉሕ ዝግባን ገይሩ ኸዓ ኸደኖ።
10
ኣብ ኵሉ ፀግዒ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሐ፤ ምስቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ብሉሕ ዝግባ ኣጋጠምዎ።
11
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መፀ፦
12
“ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘለኻ ቤተ መቕደስ፥ ብሕግታተይ እንተ ኼድካ፥ ስርዓታተይ ከዓ እንተ ጌርካ፥ ንዅሉ ትእዛዛተይውን እንተ ሓለኻዮ፥ እቲ ነቦኻ ዳዊት ዘተስፈኽዎ ቓለይ ምሳኻ ኸፅንዖ እየ።
13
ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ኽነብር እየ፤ ንህዝበይ እስራኤል ከዓ ኣይሓድጎን እየ።”
14
ሰሎሞን ድማ ነቲ ቤተ መቕደስ ሰሪሑ ፈፀሞ።
15
ንመንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ብወገን ውሽጡ ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ከዓ ነቲ ውሽጢ ብዕንፀይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ።
16
ንውሻጠ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኻብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕለዋይ መንደቕ ዕስራን ትሽዓተን ሜትር ብሉሕ ዝግባ ሰርሖ፤ እዝ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ውሽጣዊ ኽፍሊ ናይቲ ቤተ መቕደስ እዩ።
17
እቲ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መቕደስ ዝበሃል ክፍሊ ዓሰርተ ሸሞንተ ሜትር ነበረ።
18
ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ከዓ ዝመዓጐ ተኽልን ዝፈኸኸ ዕምበባታትን ዝተቐርፆ ዝግባ ለበጦ። ኵሉ ዝግባ ስለ ዝነበረ ዝረአ እምኒ ኣይነበረን።
19
ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዘንብሩሉ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዳለወ።
20
እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብውሽጡ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ምግፋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ትሽዓተ ሜትር ነበረ፤ ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጦ፥ ነቲ መሰውኢ ድማ ብዝግባ ኸደኖ።
21
ሰሎሞን ከዓ ነቲ ቤተ መቕደስ ብውሽጡ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ድማ ዝጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፥ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብወርቂ ዝተለበጠ ነበረ።
22
እቲ ቤተ መቕደስ ብምሉኡ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ፥ ንዅሉ እቲ ቤተ መቕደስ ውሽጡ ብወርቂ ለበጦ፤ ነቲ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ መሰውኢውን ብምሉኡ ብወርቂ ለበጦ።
23
ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ካብ ኣውሊዕ ዝተፀረቡ ኽልተ ኪሩቤል ገበረ።
24
እቲ ኪሩቤል ሓሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ ኽልተ ኽንፊ ነበሮ። ካብ ጫፍ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ።
25
እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኦም መጠኖም ሓደ፥ ምስሎም ከዓ ሓደ ነበረ።
26
ክልቲኦም እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቶም ነበሩ።
27
ነቶም ኪሩቤል ከዓ ኣብ ማእኸል እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርጊሐን ነበራ፤ ክንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ነቲ ሓደ መንደቕ ነኽኦ፤ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከዓ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ ነኽኦ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተራኸባ።
28
ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም።
29
ንዅሉ መንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስንውን ብውሽጡ ምስልታት ኪሩቤልን ዝፈኸኸ ዕምበባን ቀረፀሉ።
30
ነቲ ምድሪ ቤት ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስን ድማ ብውሽጥን ብወፃእን ብወርቂ ለበጦ።
31
ንደገ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ኻብ ኣውሊዕ ዝተፀርበ ኽልተ መዓፁ ገበረሉ። ላዕለዋይ ልዳቱ ድማ መልክዕ ቐስቲ ገይሩ ሰርሖ።
32
ነተን ክልተ መዓፁ ኸዓ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ዝፈኸኸ ዕምበባን ቀረፀለን፤ ብወርቂውን ለበጠን፤ ነቲ ኪሩቤልን ነቲ ስየን ድማ ብረቂቕ ወርቂ ለበጦ።
33
ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ካብ ኦም ኣውሊዕ ዝተፀርበ ኣርባዕተ መኣዝን ዘለዎ ልዳውቲ ገበረሉ።
34
ካብ ኦም ፅሕዲ ኽልተ ማዕፆ ገበረሉ። ክልቲኡ እቲ መዓፁ ድማ ዝዕፀፍ ክፋል ነበሮ።
35
ኣብ ልዕሊኡ ድማ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ፍኹኽ ዕምበባን ቀረፀሉ። ነቲ ቕርፅታት ከዓ ማዕረ ገይሩ ብወርቂ ለበጦ።
36
ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ኣፀድ ሰርሐ፤ ነቲ መንደቑ ሰለስተ መስርዕ ብፅሩብ እምኒ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ዝግባ ገይሩ ሰርሖ።
37
እቲ ቤት እግዚኣብሄር፥ ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ኣብ ወርሒ ዚፍ ተመስረተ።
38
ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት፥ ኣብ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ቡል፥ እቲ ቤተ መቕደስ ብዅሉ ኽፍልታቱን ከምቲ ዝተመደበ ዅሉን ተፈፀመ። ሰሎሞን ነቲ ቤተ መቕደስ ምህናፅ ዝወድአሉ ጊዜ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።
← Chapter 5
Chapter 7 →