bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 5
1 Kings 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኪራም ንጉስ ጢሮስ፥ ብዅሉ ዘመኑ ፈታዊ ዳዊት ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ኽነግስ ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዐ ኸዓ፥ ናብ ሰሎሞን ልኡኻቱ ሰደደሉ።
2
ሰሎሞን ድማ ናብ ኪራም ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦
3
“ኣቦይ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ዓወት ክሳዕ ዝህቦ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ክሰርሕ ከም ዘይተኽኣሎ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
4
ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዅሉ ወሰናት ሃገረይ ኣዕሪፉኒ ኣሎ፤ ዝፃረረኒ የለን፤ ዝኾነ ናይ ድንገት ነገር ድማ የለን።
5
እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት ‘እቲ ኽንዳኻ ኣብ ዙፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሕ እሓስብ ኣለኹ።
6
“ሕዚ ኸዓ ኻባና ኸም ሲዶናውያን ገይሮም ምቝራፅ ኦም ዝፈልጡ ኸም ዘየለዉ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ዝግባ ኽቘርፁለይ ንኣገልገልትኻ ኣዝዝ። ኣገልገልተይውን ምስቶም ኣገልገልትኻ ይኹኑ፤ ውዕለት ኣገልገልትኻ ድማ ኸምቲ ዅሉ እትብለኒ ገይረ ኽህበካ እየ” በሎ።
7
ኪራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዐ፥ የመና ተሓጕሱ “ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ጥበበኛ ወዲ ዝሃቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ይመስገን” በለ።
8
ናብ ሰሎሞን ልኢኹ ድማ “እቲ ዝለኣኽካለይ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ብዛዕባ ኣእዋም ዝግባን ብዛዕባ ኣእዋም ፅሕድን ድማ ኸምቲ ዅሉ ዝደለኻዮ ኽገብረልካ እየ።
9
ኣገልገልተይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኸውርድዎ እዮም፤ ኣነውን ብታንኳ ገይረ ብባሕሪ እናንሳፈፍኩ ናብታ ንስኻ ዝመደብካያ ቦታ ኸብፅሖ እየ፤ ኣብኡውን ክፈትሖ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ኻብኡ ትወስዶ። ንስኻ ድማ ድልየተይ ክትገብር ኢኻ፤ ንቤተይ ቀለብ ዝኸውን ክትህበኒ ኢኻ” ኢሉ ናብ ሰሎሞን ለኣኸ።
10
ከምኡውን ኪራም ከምቲ ድልየቱ ገይሩ ንሰሎሞን ኣእዋም ፅሕድን ኣእዋም ዝግባን ይህቦ ነበረ።
11
ሰሎሞን ከዓ ንኪራም ዕስራ ሽሕ ኲንታል ስርናይን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ፅሩይ ዘይትን ንቤተ መንግስቱ ቐለብ ክኸውን ዓመት ዓመት ይህቦ ነበረ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፥ ከምቲ ዘተስፈዎ፥ ጥበብ ሃቦ። ኣብ መንጎ ኪራምን ሰሎሞንን ከዓ ሰላም ነበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኺዳን ተኣታተዉ።
13
ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ኵሉ እስራኤል ሓርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣከበ፤
14
ንኣዶኒራም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ሸሞ። እናከታተለ ድማ በብወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ናብ ሊባኖስ ይሰድድ ነበረ። ሓደ ወርሒ ኣብ ሊባኖስ፥ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ይነብሩ ነበሩ።
15
ንጉስ ሰሎሞን ኣብ እምባ ኣእማን ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ነቲ ዝተወቕረ እምኒ ዝስከሙ ኸዓ ሰብዓ ሺሕ ነበርዎ።
16
ነዝ ስራሕ እዙይ ኣሕሉቕ ኮይኖም ዘስርሑ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰባት ድማ መደበ።
17
ንጉስ ድማ እታ ቤተ መቕደስ ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትስ፥ ገዘፍቲ ኽቡራት ኣእማን ክዅዕቱ ኣዘዘ።
18
ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ኪራምን ደቂ ጌባልን ኮይኖም ከዓ፥ ንመስርሒ እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣእዋም ቈረፁ። ኣእማንውን ወቐሩ።
← Chapter 4
Chapter 6 →