bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 21
1 Kings 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንኢይዝራኤላዊ ናቡቴ ኣብ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ጥቓ ቤት ኣክኣብ ንጉስ ሰማርያ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።
2
ኣክኣብ ድማ ንናቡቴ “ኣታኽልቲ ወይንኻ ኣብ ጥቓ ቤተይ ስለ ዝኾነት፥ ቦታ ኣታኽልቲ ኽገብሮስ ሃበኒ። ክንድኡ ኸዓ ኻብኡ ዝበልፅ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፥ ወይ እንተ ደሊኻ፥ ብዝተገመቶ ገንዘብ ክህበካ” ኢሉ ተዛረቦ።
3
ናቡቴ ድማ ንንጉስ ኣክኣብ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በሎ።
4
ኣክኣብ ከዓ በቲ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ “ርስቲ ኣቦታተይስ ኣይህበካን” ኢሉ ተዛሪብዎ ብዝነበረ ቓል ጕህዩን ተቘጢዑን ናብ ገዛኡ ኣተወ። ኣብ ዓራቱ ተገዲሙ ገፁ ተሸፈነ፤ እንጀራውን ኣይበልዐን።
5
ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ ናብኡ መፂኣ “ስለ ምንታይ እዩ መንፈስካ ጕህዩ ዘሎ እንጀራ ዘይትበልዕ?” በለቶ።
6
ንሱ ኸዓ “ንናቡቴ ኢይዝራኤላዊ፥ ብገንዘብ ወይ ንስኻ እንተ ደሊኻ ኽንድኡ ኻልእ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፥ ኣታኽልቲ ወይንኻ ሃበኒ እንተ በልክዎስ ኣብዩኒ። ‘ኣታኽልቲ ወይነይስ ኣይህበካን እየ’ ኢሉ ስለ ዝመለሰለይ እየ” በላ።
7
ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ “ሕዝስ ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ እስራኤል ትገዝእ ዘለኻ? ተስእ፤ እንጀራ ብላዕ፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ።
8
ብስም ንጉስ ኣክኣብ መልእኽቲ ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመት፤ ናብቶም ኣብ ከተማ ኢይዝራኤል ምስ ናቡቴ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ለኣኸቶ።
9
ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፦ “ፆም ኣውጁ፤ ንናቡቴ ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐምጥዎ።
10
ኣብ መንፅሩ ድማ ኽልተ ኸንቱ ዝኾኑ ሰባት ኣቐምጡ። ንሳቶም ከዓ ‘ንኣምላኽን ንንጉስን ፀሪፍካ ኢኻ’ ኢሎም ይመስክሩሉ። ንስኻትኩም ድማ ኻብታ ኸተማ ኣውፂእኹም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ” ኢላ ፀሓፈት።
11
እቶም ሰብ ኢይዝራኤልን እቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከምቲ ኤልዛቤል ዝለኣኸትሎም፥ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም መልእኽትታት ተፅሒፉ ዝነበረ ገበሩ።
12
ፆም ኣዊጆም ንናቡቴ ኣብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐመጥዎ።
13
እቶም ከንቱ ዝኾኑ ኽልተ ሰባት ድማ መፂኦም ኣብ ቅድሚ ናቡቴ ተቐመጡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ “ናቡቴ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን እንትፀርፍ ሰሚዕናዮ” ኢሎም መስከሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣውፂኦም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቀጥዎ።
14
ሽዑ “ናቡቴ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ሞይቱ” ኢሎም ንኤልዛቤል ለኣኹላ።
15
ኤልዛቤል ናቡቴ ተቐጥቂጡ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት ድማ፥ ንኣክኣብ፥ “ናቡቴ በዓል ኢይዝራኤል ብህይወቱ የለን፤ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ተስእ፤ ነቲ ብገንዘብ ምሃብ ዝኣበየካ ኣታኽልቲ ወይኑ ውረሶ” በለቶ።
16
ኣክኣብ ድማ፥ ናቡቴ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐ ተስአ፤ ክወርሶ ከዓ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ በዓል ኢይዝራኤል ዘለዎ ቦታ ወረደ።
17
እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ ቴስብያዊ ኸምዙይ በሎ፦
18
“ተስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዝነብር ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ ኽወርሶ ኢሉ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ዘለዎ ወሪዱ ኣሎ።
19
ከምዙይ ኢልካ ኸዓ ተዛረቦ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀቲልካዮስ፥ ኣታኽልቲ ወይኑዶ ትወርስ ኣለኻ? እምበኣር፥ ኣብታ ኣኽላባት ደም ናቡቴ ዝለሓሱላ ቦታ፥ ንደምካ ድማ ኣብኣ ኣኽላባት ክልሕሱ እዮም።”
20
ኣክኣብ ከዓ ንኤልያስ “ኣታ ፀላእየይ፥ ረኺብካኒዶ?” በሎ። ኤልያስ ድማ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንኽትገብር ንርእስኻ ስለ ዝሸጥካ እወ ረኺበካ” በሎ።
21
ቀፂሉ ኸዓ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣነ ኽፉእ ከምፅአልካን ፈፂመ ኸጥፍአካን እየ፤ ኣብ እስራኤል ካብ ኣክኣብ ዝውለድ ኵሉ ዓብዪ ኾነ ንእሽተይ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍኦ እየ።
22
ስለ እቲ ዘቘጣዕኻንን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሓትካዮምን፥ ንገዛኻ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባኦስ ወዲ ኣኪያን ከጥፍኣ እየ።
23
“ብዛዕባ ኤልዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ‘ንኤልዛቤል ኣብ ፀግዒ መካበብያ ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዋ እዮም።’
24
“ካብ ቤት ኣክኣብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ፥ ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፥ ኣብ በረኻ ንዝሞተ ኸዓ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን” በሎ።
25
ሰበይቱ ኤልዛቤል ትደፋፍኦ ነበረት እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር፥ ከም ኣክኣብ ገይሩ ዝተሸጠ ሰብ ኣይነበረን።
26
ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ፥ ደድሕሪ ጣዖታት ብምስዓቡ ብዙሕ ርኹስ ነገር ገበረ።
27
ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
28
ሽዑ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቴስቢያዊ፥
29
“ኣክኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ? ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ ነቲ ኽፉእ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ብዘመን ወዱ እየ ዘምፅኦ እምበር ብዘመኑ ኣየምፅኦን እየ” በሎ።
← Chapter 20
Chapter 22 →