bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 20
1 Kings 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ ዅሉ ሰራዊቱ ኣኽተተ። ሰላሳን ክልተን ነገስታት ምስ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ከዓ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግኣ።
2
ናብ ከተማ፥ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
3
‘ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን እቶም ዘዝፀበቑ ደቅኻን ናተይ እዮም’ ” በሎ።
4
ንጉስ እስራኤል ከዓ “ጐይታይ ንጉስ ከምቲ ዘረባኻ እዩ፥ ኣነን እቲ ዅሉ ዘለንን ናትካ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።
5
እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም “ወልደ ኣዴር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሃበኒ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ፤
6
ግና ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣሕሉቕ ሰራዊተይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፥ ገዛኻን ኣባይቲ ሹመኛታትካን ክጕርጕሩ እዮም። ንዅሉ ደስ ዝበሎምን በእዳዎም ዝዳህሰስዎን ክወስድዎ እዮም’ ” በልዎ።
7
ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዅሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ፀዊዑ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነገር ይደልየና ኸም ዘሎ ረአዩ፤ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይ ኣይከላእኽዎን” በሎም።
8
ኵሎም ዓበይትን ኵሉ እቲ ህዝብን “ኣይትስምዓዮ፤ ሕራይውን ኣይትበሎ” በልዎ።
9
ንሱ ኸዓ ነቶም ልኡኻት ወልደ ኣዴር “ንጐይታይ ንጉስ ‘እቲ ዅሉ ቕድም ንሓሽከርካ ዝለኣኽካለይ ነገር ክገብሮ እየ፤ ግና እዝ ሕዚ ዝበልካዮ ነገር፥ ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉ’ በሉለይ” በሎም። እቶም ልኡኻት ከዓ ኸይዶም እዝ ነገር እዙይ ነገርዎ።
10
ወልደ ኣዴር ድማ “ነቲ ዝኽተለኒ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዕዅቲ ዕዅቲ እንተ በፂሕዎምስ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” ኢሉ ለኣኸሉ።
11
እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ ‘እቲ ኣፅዋር ዝዕጠቕ ከምቲ ኣፅዋር ዝፈትሕ ገይሩ ኣይዘሃርን እዩ’ በልዎ” ኢሉ መለሰሎም።
12
ወልደ ኣዴርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኮይኖም ክሰትዩ እንተለዉ፥ እዝ ነገር እዙይ ሰምዑ። ወልደ ኣዴር ድማ ንሰራዊቱ “ተሰለፉ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣብ መንፅር እታ ኸተማ ተሰለፉ።
13
ሽዑ ሓደ ነቢይ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነዝ ብዙሕ ሰራዊት እዙይዶ ትሪኦ ኣለኻ? ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ እንሆ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ” በሎ።
14
ኣክኣብ ድማ “ብመን?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ነቢይ ኸዓ “እግዚኣብሄር ‘ብኣገልገልቲ እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር’ ይብል ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። መሊሱ ድማ “ነቲ ውግእኸ መን ይምርሓዮ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ነቢይ ከዓ “ንስኻ” በሎ።
15
ሽዑ ነቶም ኣገልገልቲ እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር ቈፀሮም እሞ፥ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ኮኑ። ደድሕሪኣቶም ከዓ ንዅሉ ህዝብን ንዅሎም ሰራዊት ደቂ እስራኤልን ቈፀሮም እሞ ሸውዓተ ሽሕ ኮኑ።
16
ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ወፁ። ወልደ ኣዴር ግና፥ ንሱን እቶም ክሕግዝዎ ዝመፁ ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ።
17
እቶም ኣገልገልቲ ኣመሓደርቲ ሃገር ከዓ ቕድም ወፁ። ወልደ ኣዴር ድማ ዝስልሉ ሰደደ እሞ “ሰባት ካብ ሰማርያ ይወፁ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
18
ንሱ ኸዓ “ሰላም ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖም፥ ብህይወቶም ሓዝዎም፤ ውግእ ንግበር ክብሉ ወፂኦም እንተ ኾይኖምውን፥ ብህይወቶም ሓዝዎም” በሎም።
19
እዚኣቶም እቶም ኣገልገልቲ መመሓደርቲ ሃገርን እቲ ዝሰዓቦም ሰራዊት እስራኤልን ኮይኖም ካብታ ኸተማ ወፁ።
20
ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበረ ሰብ ቀተለ፤ ሶርያውያን ከዓ ሃደሙ፤ እስራኤላውያን ድማ ሰጐጒዎም። ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ኸዓ፥ ምስ ሓድሓደ ፈረሰኛታት ኮይኑ፥ ብፈረስ ኣምለጠ።
21
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ናብ ውግእ ኣትዩ ናይ ፀላእቲ ኣፍራስን ሰረገላታትን ማረኸ። ንሶርያውያን ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣብፅሐሎም።
22
ሽዑ እቲ ነቢይ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፥ “ንጉስ ሶርያ ነዓመታ ድማ ኽመፀካ እዩ እሞ፥ ኪድ በርትዕ። እንታይ ከም እትገብር ድማ ፍለጥ” በሎ።
23
ሹመኛታት ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ “ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ እምባ ስለ ዝኾኑ እዮም ዝበርትዑና። ኣብ ጐልጐል ኴንና እንተ ተዋጊእናዮም ግና ብርግፅ ክንስዕሮም ኢና” በልዎ።
24
“ሕዚ ግና ነዞም ነገስታት ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፤ ከክንዳኣቶም ድማ ኣሕሉቕ ሹም።
25
ንስኻ ግና ኸም ብዝሒ እቶም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ውግእ ዘጥፋእኻዮም ኣፍራስን ሰረገላታትን ሰራዊትን ኣዳሉ። ሽዑ ኣብ ጐልጐል ክንዋግኦም ኢና፤ ብርግፅ ከዓ ኽንስዕሮም ኢና” በልዎ። ንሱ ድማ ዘረባኣቶም ሰሚዑ ኸምቲ ዝበልዎ ገበረ።
26
በታ ኻልአይቲ ዓመት ድማ ወልደ ኣዴር ንሶርያውያን ኣኽተቶም፤ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ከዓ ናብ ኣፌቅ ደየበ።
27
ደቂ እስራኤል ድማ ኸተቱ፤ ስንቆም ሒዞምውን ክዎግእዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኽልተ ኣናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንፅሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ።
28
ሽዑ እቲ ናይ እግዝኣብሔር ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እቶም ሶርያውያን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እምባ እዩ እምበር፥ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ተዛረቦ።
29
ሶርያውያንን እስራኤላውያንን ድማ ማዕዶ ንማዕዶ እናተረኣኣዩ ሸውዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ውግእ ኾነ። ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ።
30
እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሸውዓተን ሽሕ ሰባት ከዓ መካበብያ ወደቖም። ወልደ ኣዴር ድማ ሃዲሙ ኣብታ ኸተማ ተሓብአ።
31
ሹመኛታቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ፥ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል መሓርቲ ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምናልባሽ ንነፍስኻ እንተ መሓራስ፥ በይዛኻ ኣብ ሕቘና ወጮ ተዓጢቕና፥ ኣብ ርእስና ኸዓ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንኺድ” በልዎ።
32
ወጮ ተዓጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል መፁ። “ሓሽከርካ ወልደ ኣዴር ‘ንነፍሰይ ክትምሕራ እልምነካ ኣለኹ’ ኢሉ እዩ” ድማ በልዎ። ንሱ ኸዓ “ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ እዩ? ንሱ ሓወይ እዩ” በሎም።
33
እቶም ሰባት ድማ ነዙይ ፅቡቕ ምልክት ገይሮም ስለ ዝወሰድዎ፥ ተቐላጢፎም “እወ፥ ወልደ ኣዴር ሓውካ ኣሎ እዩ” ኢሎም ብዘረባኡ ሓዝዎ። ንሱ ኸዓ “ኪዱ፥ ኣምፅእዎ” በሎም። ወልደ ኣዴር ድማ ናብኡ መፀ። ኣክኣብ ከዓ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ።
34
ወልደ ኣዴር ድማ “እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፤ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፥ ንስኻ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ዕዳጋ ግበር” በሎ። ኣክኣብ ከዓ “ኣነ ድማ በዝ ውዕሊ እዙይ ሓራ የውፅአካ ኣለኹ” በሎ። ምስኡ ኺዳን ተኣታትዩ ኸዓ ሰደዶ።
35
ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነቢያት ድማ ብቓል እግዚኣብሄር ንሓደ ብፃዩ “በይዛኻ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ብፃዩ ግና ምውቃዑ ኣበየ።
36
ሽዑ ንሱ “ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኻ፥ እንሆ፥ ካባይ ምስ ከድካ፥ ኣንበሳ ኽቐትለካ እዩ” በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸዓ፥ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ።
37
ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ “በይዛኻ፥ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ የመና ስለ ዝወቕዖ ኣቝሰሎ።
38
እቲ ነቢይ ከዓ ኸይዱ፥ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፥ መልክዑ ለዊጡ፥ ነቲ ንጉስ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ተፀበዮ።
39
እቲ ንጉስ ክሓልፍ እንተሎ ድማ “ክዋጋእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ሓልዎ ኢሉ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣምፅአለይ፤ ‘እንተ ጠፍአ ኽንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ወይ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ እውን በለኒ።
40
ኣነ ሓሽከርካ ኣብዙይን ኣብቱይን እናበልኩ ኽሰርሕ እንተለኹ ድማ እቲ ሰብ ጠፍአ” እናበለ ናብ ንጉስ ጠርዐ። ንጉስ እስራኤል ድማ “ባዕልኻ ኢልካዮ ኣለኻ፤ ፍርድኻ ኸምቲ ውዕልኹም እዩ” በሎ።
41
ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ፥ ንሱ ኻብ ነቢያት ከም ዝኾነ ፈለጠ።
42
ነቲ ንጉስ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነቲ ኽመውት ዝፈረድክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፥ ክንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ክንዲ ሰራዊቱ ኸዓ ሰራዊት እስራኤል ክጠፍኡ እዮም’ ” በሎ።
43
እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጕህዩ፥ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ናብ ሰማርያ ኸደ።
← Chapter 19
Chapter 21 →