bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 22
1 Kings 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሶርያን እስራኤልን ከዓ እንተይተዋግኡ ሰለስተ ዓመት ተቐመጡ።
2
በታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ኽበፅሖ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ።
3
እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣገልገልቱ “ሬማት ዘገለዓድ ናትና ምዃና ትፈልጡ ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ኢድ ሶርያ ዘየምለስናያ?” ኢልዎም ነበረ።
4
ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣስ፥ ምሳይዶ ኽትከይድ ኢኻ?” በሎ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ፥ ህዝበይውን ከም ህዝብኻ፥ ኣፍራሰይውን ከም ኣፍራስካ እዮም” በሎ።
5
ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፥ “ኣቐዲምካ ቓል እግዚኣብሄር ንኽትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
6
ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ነቢያት ኣኪቡ “ንሬማት ዘገለዓድ ክዋግኣ ክኸይድዶ ወይ ክተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩሞ ውፃእ” በልዎ።
7
ንጉስ ኢዮሳፍጥ ግና “እንጥይቖ ኻልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።
8
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንጥይቖ ሚክያስ ወዲ ይምላ ዝበሃል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፤ ግና ንሱ ኽፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” በሎ።
9
ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንነቢይ ሚክያስ ወዲ ይምላ፥ ቀልጢፍካ ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።
10
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ከዓ ልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ኣብ ዘዙፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ። ኵላቶም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ።
11
ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንሶርያውያን፥ ክሳዕ ዝውድኡ፥ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ” ኢሉ ተነበየ።
12
ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ ክቐንዐካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓወት ክህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።
13
እቲ ንሚክያስ ክፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ። ንስኻ ድማ በይዛኻ ኸምኣቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ።
14
ሚክያስ ግና “እቲ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።
15
ናብ ንጉስ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ኣታ ሚክያስ፥ ከይድናዶ ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣ፥ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ደይብ፤ ክቐንዐካ ድማ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዓወት ክህበካ እዩ” በሎ።
16
እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
17
ነቢይ ሚክያስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ንዅሎም ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ኣብ እምባ ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም መራሒ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ’ በለ።”
18
እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ።
19
ሚክያስ ድማ “ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።
20
እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽወድቕስ መን የጋግዮ?’ በለ። “እቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ ‘ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደ ኸዓ ኸምቱይ’ በሉ።
21
ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ’ በለ።
22
“እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ። ንሱ ድማ ‘ከይደ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ‘ንስኻ ኽተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ፥ ኪድ ከምኡ ግበር’ በሎ።
23
“ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ” በሎ።
24
ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣኻ ዝዛረብስ ንኣይ መኣዝ ሓዲጉኒ እዩ?” በሎ።
25
ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
26
ንጉስ እስራኤል ድማ፥ “ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን፥ ናብ ወዲ ንጉስ ናብ ኢዮኣስን መሊስኩም ውሰድዎ።
27
‘ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ ነዝ ሰብ እዙይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንብርዎ፤ እንጀራ መከራ መግብዎ፤ ማይ መከራውን ኣስትይዎ፥ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።
28
ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ከዓ “ኣቱም ህዝቢ ዅልኻትኩም ስምዑኒ!” በለ።
29
ብድሕሪዙይ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደየቡ።
30
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ዝኾነ ሓሽከር መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ተኸደን” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ትርኢቱ ለዊጡ ናብ ውግእ ኣተወ።
31
ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ሰላሳን ክልተን ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ፥ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ።
32
እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ገፆም ናብኡ መለሱ። ኢዮሳፍጥ ድማ ኣእወየ።
33
እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ካብ ምስጓጉ ተመለሱ።
34
ግና ሓደ በዓል ሶርያ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ኢሉ ነታ ፍላፃ ሰደዳ እሞ፥ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ፥ ተመለስ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ።
35
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ደም ቍስሉውን ኣብ ትሕቲ እቲ ሰረገላ ይፈስስ ነበረ። ንምሸቱ ኸዓ ሞተ።
36
ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ “እቲ ንጉስ ሞይቱ እዩሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ነናብ ሃገሩ ይመለስ” ዝብል ኣዋጅ ብሰፈር እስራኤላውያን ተሰምዐ።
37
ስለዙይ ንጉስ ኣክኣብ ሞተ፤ ናብ ሰማርያውን መፁ፤ ንንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ።
38
ነቲ ሰረገላ ኸዓ ኣመናዝር ኣብ ዝተሓፀባሉ ዒላ ሰማርያ ሓፀብዎ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ቓል ድማ፥ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ለሓስዎ።
39
እቲ ዝተረፈ ናይ ኣክኣብ ነገርን፥ እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን፥ እተን ዝሰርሐን ኵለን ከተማታትን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
40
ኣክኣብ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ክንድኡ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።
41
ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
42
ኢዮሳፍጥ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ዓዙባ እትብሃል ጓል ሺልሒ ነበረት።
43
ኢዮሳፍጥ ከም ኣቦኡ ኣሳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ ገበረ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይዘምበለን። እቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ ዀረብታታት ግና ኣየግለሶን ነበረ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብቲ ዀረብታታት ንጣዖት ይስውኡን ይዓጥኑን ነበሩ።
44
ኢዮሳፍጥ ከዓ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ገበረ።
45
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮሳፍጥ ነገርን፥ እቲ ዝፈፀሞ ጅግንነቱን፥ እቲ ዝተዋግኦን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
46
ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ እንተይጠፍኡ ዝተረፉ ሰዶማውያን ከዓ ኻብታ ሃገር ኣጥፍኦም።
47
ሽዑ ግና ኣብ ኤዶምያስ ንጉስ ኣይነበረን፤ ወኪል እዩ ዝገዝእ ዝነበረ።
48
ኢዮሳፍጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ኸምፅኣ መራኽብ ተርሴስ ሰርሐ፤ ግና እተን መራኽብ ኣብ ዔፅዮንጋብር ስለ ዝተሰበራ ኣይከዳን።
49
ሽዑ ኣካዝ ወዲ ኣክኣብ ንኢዮሳፍጥ “ኣገልገልተይ ምስ ኣገልገልትካ ብመራኽብ ይኪዱ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና ኣይፈተወን።
50
ኢዮሳፍጥውን ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮራም ነገሰ።
51
ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ ኣካዝ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመት ከዓ ኣብ እስራኤል ገዝአ።
52
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ከም ኣቦኡ ኣክኣብን ከም እኖኡ ኤልዛቤልን ከምቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ክፉእ ገበረ።
53
ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ፥ ንበዓል ስለ ዘገልገለን ስለ ዝሰገደሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቘጥዖ።
← Chapter 21