bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 19
1 Kings 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣክኣብ ድማ እቲ ዅሉ ኤልያስ ዝገበሮን ንዅሎም ነቢያት ከዓ ብሰይፊ ኸም ዝቐተሎምን ንኤልዛቤል ነገራ።
2
ሽዑ ኤልዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፥ ንኤልያስ “ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኻብዚኣቶም ከም ሓንቲ ነፍሲ እንተ ዘይገይረያ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” በለት።
3
ኤልያስ ከዓ ፈሪሑ ተልዓለ፤ ህይወቱ ንኸድሕንውን ሃዲሙ ኸደ፤ ናብ ቤርሳቤህ ናይ ይሁዳ ድማ መፀ፤ ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ ኣብኣ ሓደጎ።
4
ንሱ ግና ኣብ ምድረ በዳ መንገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፥ ናብ ፅላል ሓንቲ ኽሊዐው መፂኡ ኾፍ በለ፤ ክመውት ድማ ተመነየ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልፅን እየ እሞ፥ ሕዚ ይኣኽለኒ፤ ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።
5
ኣብ ፅላል እታ ኽሊዐው ከዓ ለጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፥ መልኣኽ ነቕኒቑ “ተስእ እሞ ብላዕ” በሎ።
6
እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እንሆ ኣብ ርሱን እምኒ ዝተሰንከተ ቕጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ ደቀሰ።
7
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኣበራቢሩ “ነዊሕ መንገዲ ኣለካ እሞ፥ ተሲእኻ ብላዕ” በሎ።
8
ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፥ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ኽሳዕ እቲ ዝተቐደሰ እምባ እግዚኣብሄር ኮሬብ፥ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ።
9
ኣብኡ ኸዓ ናብ በዓቲ ኣተወ፤ ኣብኡውን ሓደረ። “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ።
10
ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።
11
እግዚኣብሄር ከዓ “ወፂእኻ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ደው በል” በሎ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሓለፈ፤ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ የመና ብርቱዕ ንፋስ መፀ፤ ነቲ እምባታት ሰንጠቖ፤ ነቲ ኣኻውሕ ድማ ሰባበሮ። እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከዓ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን።
12
ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ሓዊ መፀ፤ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፤ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸዓ ህዱእ ድምፂ መፀ።
13
ኤልያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ገፁ ብበርኖሱ ኸደነ፤ ወፂኡ ኸዓ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፥ ድምፂ ናብኡ መፂኡ “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” በሎ።
14
ንሱ ኸዓ “ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ክወስድዋ ይደልዩ ኣለዉ” በለ።
15
እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ፤ ብምድረ በዳ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመፃእኻያ መንገዲ ተመለስ፤ ኣብ ደማስቆ ምስ በፃሕኻ ድማ፥ ንኣዛሄል ኣብ ሶርያ ኽነግስ ቅብኣዮ።
16
ንኢዩ ወዲ ናሜሲን ከዓ ኣብ እስራኤል ክነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ በዓል ኣቤል ሜሆላ ድማ ኽንዳኻ ነቢይ ክኸውን ቅብኣዮ።
17
ነቲ ኻብ ሰይፊ ኣዛሄል ዘምለጠ ኢዩ ኽቐትሎ እዩ፤ ነቲ ኻብ ሰይፊ ኢዩ ዘምለጠ ድማ ኤልሳዕ ክቐትሎ እዩ።
18
ኣነ ግና ንጣዖት በዓል ክሰግዱሉ ኢሎም ዘይተምበርከኹን ንምስሉ ብኣፎም ዘይተሳለሙን ኣብ እስራኤል ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ” በለ።
19
ኤልያስ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ብዕራይ ገይሩ ኸሕርስ እንተሎ ረኸቦ፤ ኤልሳዕ ባዕሉ ኸዓ በቶም መበል ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ኣብዑር ይሓርስ ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሓሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ።
20
ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብዑር ሓዲጉ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፥ “በይዛኻ፥ ነቦይን ንኖይን ስዒመ ኽመፅእ እሞ ብድሕሪኡ ኽስዕበካ ፍቐደለይ” በሎ። ንሱ ድማ “ኪድ ተመለስ፤ እንታይዶ ገይረልካ እየ?” በሎ።
21
ካብኡ ተመሊሱ ኸዓ፥ ንኽልቲኦም ኣብዑር ሓረዶም፤ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ መሳርዕ ማሕረስ ኣብሲሉ፥ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ተሲኡ ድማ ንኤልያስ ተኸቲሉ ኸደ፤ የገልግሎውን ነበረ።
← Chapter 18
Chapter 20 →