bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 18
1 Kings 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ በታ ሳልሰይቲ ዓመት፥ ንኤልያስ “ኬድካ ንኣክኣብ ተርኣዮ እሞ፥ ኣነ ድማ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ መፀ።
2
ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ ክረአዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ።
3
ኣክኣብ ድማ ንኣብድዩ ኣዛዚ ቤቱ ፀውዖ። (ኣብድዩ የመና ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ነበረ።
4
በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዘቕተለትሉ ጊዜ፥ ኣብድዩ ሚእቲ ነቢያት ወሲዱ፥ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓብኦም፤ እንጀራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።)
5
ኣክኣብ ከዓ ንኣብድዩ፥ “ምናልባሽ ሳዕሪ እንተ ረኸብና እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ክነድሕን እንተ ኸኣልናስ፥ ኣብዝ ሃገር ናብ ዘሎ ዅሉ ዓይኒ ማያትን፥ ናብ ኵሉ ሩባታትን ንኺድ” በሎ።
6
ክዀልዋ ድማ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣክኣብ ንበይኑ ብሓደ መንገዲ ኸደ፤ ኣብድዩውን ንበይኑ ብኻልእ መንገዲ ኸደ።
7
ኣብድዩ ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ ኤልያስ ተራኸቦ፤ ኣለልይዎ ድማ ብገፁ ፍግም ኢሉ “ጐይታይ ኤልያስ ዲኻ ንስኻ?” በሎ።
8
ንሱ ድማ “እወ፥ ኣነ እየ፤ ንጐይታኻ ኣክኣብ ‘ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ’ ኢልካ ኺድ ንገሮ” በሎ።
9
ኣብድዩ ኸዓ “እንታይ ሓጢኣትዶ ገይረ እየ? ንጉስ ኣክኣብ ክቐትለንስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፍካ ኽትህበኒ?
10
ጐይታይ ንጉስ ክደልየካ ኢሉ ዘይለኣኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዘየለ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። ‘ኣይረኸብናዮን’ ምስ በልዎ ኸዓ፥ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሓሎም።
11
ሕዚ ድማ ንስኻ ‘ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ’ ኢልካ ንጐይታኻ ንገሮ ትብለኒ ኣለኻ።
12
ካባኻ ምስ ከድኩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፥ ኣነ ድማ ንኣክኣብ ምስ ነገርክዎ እንተ ዘይረኸበካ ኽቐትለኒ እዩ። ንስኻ ግና ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ምዃነይ ዘክር።
13
በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፥ ካብ ነቢያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሓቢአ እንጀራን ማይን መገብክዎም። እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንኣኻ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም?
14
ሕዚ ኸዓ ንስኻ ‘ናብ ጐይታኻ ኼድካ፥ ኤልያስ ኣብዙይ ኣሎ ኢልካ ንገሮ’ እትብለንስ ክቐትለኒ እንድዩ?” በሎ።
15
ኤልያስ ድማ “ኣነ ሎሚ ንኣክኣብ ከም ዝርኣዮ፥ በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።
16
ኣብድዩ ኸዓ ኸይዱ ንኣክኣብ ረኺቡ ነገሮ፤ ኣክኣብ ድማ ንኤልያስ ክረኽቦ ኸደ።
17
ኣክኣብ ንኤልያስ ምስ ረአዮ “ንእስራኤል እትገለባብጦም ዘለኻ ንስኻ ዲኻ?” በሎ።
18
ኤልያስ ድማ “ንስኻን ቤት ኣቦኻን ኢኹም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ንጣዖት በዓል ብምግልጋልኩምን ንእስራኤል እትገለባብጡ ዘለኹም እምበር፥ ኣነስ ንእስራኤል ኣይገለባበጥኩን።
19
ሕዚ ኸዓ ልኢኽካ ንዅሉ እስራኤልን ነቶም ኣብ ማእዲ ኤልዛቤል ዝበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነቢያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነቢያት ኣስታተርን ናባይ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣክበለይ” በሎ።
20
ኣክኣብ ድማ ልኢኹ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነቶም ነቢያት ጣዖት በዓልን ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣከቦም።
21
ኤልያስ ድማ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብኽልተ ሓሳብ እትሕንክሱ? እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፤ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣምላኽ ከዓ ንእኡ ሰዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
22
ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፥ “ኻብ ነቢያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣለኹ፤ ነቢያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም።
23
እምበኣር ክልተ ዝራብዓት ይወሃቡና እሞ፥ ንሳቶም ሓደ ዝራብዕ ይሕረዱ፤ ቈራሪፆም ከዓ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ የንብርዎ፤ ሓዊ ግና ኣይእጐዱሉ። ኣነ ድማ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ኸንብሮ እየ፤ ሓዊ ግና ኣይኣጕደሉን እየ።
24
ንስኻትኩም ስም ኣምላኽኩም ፀውዑ፤ ኣነ ድማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክፅውዕ እየ። እቲ ሰሚዑ ብሓዊ ዝምልስ ኣምላኽ ከዓ፥ ንሱ ኣምላኽ ይኹን” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ “እዚኣስ ፅብቕቲ ዘረባ እያ” ኢሎም መለሱ።
25
ኤልያስ ድማ ነቶም ነቢያት በዓል “ንስኻትኩም ብዙሓት ኢኹም እሞ፥ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሓሪኹም ኣሰናድዉ፤ ስም ኣምላኽኩም ከዓ ፀውዑ፤ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ” በሎም።
26
ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፤ ኣሰናድዮም ከዓ፥ “ኦ በዓል፥ ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ። ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ መልሲ ዝህብውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናዘለሉ ይዞርዎ ነበሩ።
27
ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ኤልያስ፥ “ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ብሓሳብ ተውሒጡ ኸይህሉ፥ ወይ ኣግሊሱ ወይ ገይሹ ኸይኸውን፥ ምናልባሽ ከዓ ደቂሱ ኸይህሉ፥ ምእንቲ ኽበራበርስ፥ ዓው ኢልኩም ደኣ ፀውዑ” ኢሉ ኣባጨወሎም።
28
ዓው ኢሎም ድማ ፀውዑ፤ ከምቲ ስርዓቶም ከዓ ደሞም ክሳዕ ዝፈስስ፥ ንኣካላቶም ብኣስይፍትን ብዂናታትን ተፍተፍዎ።
29
ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፥ ክሳዕ እቲ መስዋእቲ ሰርኪ ዝበፅሕ ትንቢት ይናገሩ ነበሩ፤ ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ ዝምልስውን ኣይነበረን፤ ዘድምፅውን ኣይነበረን።
30
ሽዑ ኤልያስ ንዅሎም ህዝቢ “ናባይ ቅረቡ” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ኸዓ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ።
31
ኤልያስ ድማ፥ ሽምካ እስራኤል ክበሃል እዩ፥ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሉ ያእቆብ፥ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ወሰደ።
32
በተን ኣእማን ከዓ ንስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ ዝሕዝ ጕድጓድ ኰዓተ።
33
ነቲ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፎ፤ ነቲ ዝራብዕ ቘራሪፁ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣንበሮ። ሽዑ “ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኹም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይትን ኣፍስሱሉ” በሎም።
34
“ካልኣይ ከዓ ኣፍስሱሉ” በሎም። ካልኣይ ድማ ኣፍሰሱሉ። “ሳልሳይውን ኣፍስሱሉ” በሎም። ሳልሳይውን ኣፍሰሱሉ።
35
እቲ ማይ ኣብ ዙሪያ እቲ መሰውኢ ወሓዘ፤ እቲ ጕድጓድ ድማ ማይ መልአ።
36
በታ መስዋእቲ ሰርኪ ዝቐርበላ ጊዜ ድማ ነቢይ ኤልያስ ቀሪቡ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፥ ነዝ ዅሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ፥ ሎሚ ኣፍልጥ።
37
እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከዓ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾንካ፥ ንልባቶም ድማ ናባኻ ኸም ዝመለስካዮ ምእንቲ ኽፈልጡስ ስምዐኒ፤ ኦ እግዚኣብሄር ስምዐኒ” በለ።
38
ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ዕንፀይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን በልዖ። ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሓሶ።
39
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ! እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ!” በሉ።
40
ኤልያስ ድማ “ንነቢያት በዓል ሓዝዎም፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣየምልጥ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓዝዎም። ኤልያስ ድማ ናብ ሩባ ቂሶን ኣውሪዱ ኣሕረዶም።
41
ኤልያስ ከዓ ንኣክኣብ፥ “ድምፂ ብርቱዕ ዝናም ይስማዕ ኣሎ እሞ፥ ደይብካ ብላዕን ስተን” በሎ።
42
ሽዑ ኣክኣብ ክበልዕን ክሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፤ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸዓ ገፁ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ፤ ብግምባሩውን ተደፍአ።
43
ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ውፃእሞ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ” በሎ። ወፂኡ ኣማዕድዩ ኸዓ፥ “ዝኾነ እኳ የለን” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ኪድ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለስ በሎ” እቲ ሓሽከሩ ኸዓ ሸውዓተ ጊዜ ተመላለሰ።
44
በታ ሻውዐይቲ ጊዜ “ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደመና ኻብ ባሕሪ ትለዓል ኣላ” በሎ። ኤልያስ ከዓ “ደይብካ ንኣክኣብ ‘ዝናም ከይዓግተካ፥ ሰረገላኻ ፅዒንካ ውረድ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
45
ሽዑ ንሽዑ እቲ ሰማይ ብደመናን ብመሸምቦባን ፀልመተ፤ ብርቱዕ ዝናም ከዓ ኾነ። ኣክኣብ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ።
46
ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት፤ ሕቘኡ ተዓጢቑ ድማ ኽሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዝኣቱ፥ ቀቅድሚ ኣክኣብ ይጐዪ ነበረ።
← Chapter 17
Chapter 19 →