bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 17
1 Kings 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓደ ኻብቶም ኣብ ገለዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቴስቢያዊ ንኣክኣብ “በዘን ዓመታት፥ እዚኣተን እንትርፊ ብቓል ኣፈይ፥ ኣውሊ ኾነ ዝናም ከም ዘይኸውን፥ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምኩ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ” በሎ።
2
እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ካብዙይ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተሓባእ።
4
ካብቲ ሩባ ማይ ክትሰቲ ኢኻ፤ ኣብኡ ኽምግቡኻ ድማ ንዃዃት ኣዚዘ ኣለኹ” በሎ።
5
ከይዱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተቐመጠ።
6
እቶም ኳዃት ድማ ንግሆን ምሸትን እንጀራን ስጋን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ካብቲ ሩባ ኸዓ ይሰቲ ነበረ።
7
ኣብታ ምድሪ ዝናም ስለ ዘይዘነመ ድማ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እቲ ሩባ ነፀፈ።
8
ሽዑ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኤልያስ “ተስእ እሞ ናብ ሰራፕታ ናይ ሲዶና ኺድ፤ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ ኣብኡ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣለኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ።
10
ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ናብ ሰራፕታ ኸደ። ኣብ ደገ እታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ፥ እንሆ ዕንፀይቲ እትኣሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንኣኣ ፀዊዑ ኸዓ “በይዛኺንዶ ቑሩብ ዝስተ ማይ ኣምፅእለይ” በላ።
11
ክተምፅእ ኢላ ምስ ተልዓለት ድማ መሊሱ ፀዊዑ “ቍራስ እንጀራውን ብኢድኪ ሒዝኪ ንኽትመፂ እልምነኪ ኣለኹ” በላ።
12
ንሳ ኸዓ “ብዘይ ሕፍኒ ሕሩጭ ኣብ ዕትሮ፥ ቁሩብ ዘይቲ ኸዓ ኣብ መቐርሰሚቶ፥ እንጀራ ኸም ዘይብለይ፥ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። እኒሀኹ ኸዓ ቑሩብ ዕንፀይቲ እኣሪ ኣለኹ፤ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እየ፤ ንእኡ በሊዕናውን ክንመውት ኢና” በለቶ።
13
ኤልያስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዘዝንመላ መዓልቲ ሕሩጭኪ ኻብ ዕትሮ ኣይውዳእን፤ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶኺ ኣይጐድልን እዩ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ኪዲ፥ ከምቲ ዝበልኪዮ ሰንክቲ፤ ቅድም ግና ኻብቲ ሕሩጭ ንኣይ ንእሽተይ ቅጫ ሰንኪትኪ ኣምፅእለይ፤ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ” በላ።
15
ከይዳ ኸዓ ኸምቲ ቓል ኤልያስ ገበረት። ኤልያስን ንሳን ስድራኣን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ።
16
ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል እቲ ሕሩጭ ካብ ዕትሮ፥ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።
17
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ወዲ እታ መበለት ሓመመ። እስትፋሱ ኽሳዕ ዝስእን እቲ ሕማሙ የመና ኸቢድ ነበረ።
18
ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ።
19
ንሱ ግና “ወድኺ ሃብኒ” በላ። ካብ ሕቝፋ ወሲዱ ኸዓ ናብታ ዝነብረላ ደብሪ ኣደየቦ እሞ፥ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ።
20
ሽዑ ኤልያስ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ስለ ምንታይ ነዛ ኣነ ምስኣ ብእንግድነት ዝነብር ዘለኹ መበለት ወዳ ብምቕታል ክፉእ ኣውረድካላ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
21
ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሻዕ ለጥ ኢሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ በይዛኻ፥ ነፍሲ እዝ ቘልዓ እዙይ ናብ ስጋኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
22
እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ኤልያስ ሰምዐ፤ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ሓወየ።
23
ኤልያስ ከዓ ነቲ ቘልዓ፥ ካብ ደብሪ እታ ቤት ኣውሪዱ፥ ንኖኡ ሃባ። “ረአዪ፥ ወድኺ ሓውዩ” በላ።
24
እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኤልያስ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዝኾንካ፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ብኣፍካ ሓቂ ኸም ዝኾነ ሕዚ ፈለጥኩ” በለቶ።
← Chapter 16
Chapter 18 →