bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 16
1 Kings 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ናብ ኢዩ ወዲ ኣናኒ ብዛዕባ ባኦስ ንጉስ እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ዝብል ቃል መፀ፦
2
“ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ገበርኩኻ፤ ንስኻ ግና ብመንገዲ ኢዮርብዓም ከድካ፤ ንህዝበይ እስራኤል ድማ ብሓጢኣቶም ከቘጥዑኒ ኣስሓትካዮም።
3
እንሆ፥ ንባኦስን ንገዛኡን ንንየው ክፀርጎም እየ፤ ንገዛኻ ድማ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ።
4
ካብ ወገን ባኦስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኸተማ ዝመውት ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፤ ነቲ ኣብ በረኻ ዝመውትውን፥ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።”
5
እቲ ዝተረፈ ናይ ባኦስ ነገርን እቲ ዝገበሮ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
6
ባኦስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቴርሳውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኤላ ነገሰ።
7
ብስራሕ ኢዱውን ንኸቘጥዖ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበሮ ዅሉ ኽፍኣትን ንእኡውን ስለ ዝቐተሎን፥ እቲ ብነቢይ ኢዩ ወዲ ኣናኒ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባኦስን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ተፈፀመ።
8
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሽዱሽተን ዓመቱ ኸዓ ኤላ ወዲ ባኦስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ከልተ ዓመት ድማ ገዝአ።
9
ግና እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፥ ሓሽከሩ ዘምሪ ተመሓሓለሉ። ንጉስ ኤላ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቴርሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣዛዚ ዝነበረ ኣርሳ ሰትዩ ሰኺሩ ስለ ዝነበረ፥
10
ዘምሪ ኣትዩ ወቒዑ ቐተሎ። ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ዘምሪ ንኤላ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።
11
ዘምሪ ነጊሱ ኣብ ዙፋኑ ምስ ተቐመጠ፥ ሽዑ ንሽዑ ንዅሎም ስድራ ባኦስ ቐተሎም፤ ካብ ዘመዱ፥ ካብ ፈተውቱ ኾነ፥ ካብ ወዲ ተባዕታይ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ኣጥፍኦም።
12
ብሰንኪ ዅሉ እቲ ባኦስን ወዱ ኤላን ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ከንቱ ንዝኾኑ ጣዖታት ብምምላኾምን፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዘቘጥዕዎን፥ ንእስራኤል ከዓ ስለ ዘስሓትዎን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ባኦስ ዝተዛረቦ ቓል፥ ዘምሪ ንብዘላ ቤት ባኦስ ኣጥፍኣ።
14
እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
15
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ዘምሪ ኣብ ቴርሳ ሸውዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ግና ንናይ ፍልስጥኤማውያን ገባቶን ከቢቦምዋ ነበሩ።
16
እቶም ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ዝነበሩ ህዝቢ ዘምሪ ኸም ዝዓመፀ ንንጉስውን ከም ዝቐተሎ ሰምዑ። ሽዑ ዅሎም እስራኤል ንዘምበሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ውሽጢ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ።
17
ዘንበሪን ኵሎም ሰራዊት እስራኤልን ከዓ ኻብ ገባቶን ደዪቦም ንቴርሳ ኸበብዋ።
18
ዘምሪ እታ ኸተማ ኸም ዝተትሓዘት ምስ ረአየ፥ ናብ ውሽጢ ህንፃ ቤት ንጉስ ኣትዩ፥ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣባርዓ።
19
ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ስለ ዘስሓተሉ ሓጢኣቱን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ፥ ብመንገዲ ኢዮርብዓምውን ስለ ዝከደ ሞተ።
20
እቲ ዝተረፈ ናይ ዘምሪ ነገርን እቲ ዝገበሮ ሻራን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
21
ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተኸፈለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንታምኒ ወዲ ጎናት ከንግሶ ሰዓበ። እቲ ፍርቂ ኸዓ ንዘንበሪ ኸንግሶ ሰዓበ።
22
ንዘንበሪ ዝሰዓበ ህዝቢ ድማ ነቲ ታምኒ ወዲ ጎናት ዝሰዓበ ህዝቢ ሓየሎ። ስለዙይ ታምኒ ሞተ፤ ዘንበሪ ድማ ነገሰ።
23
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ፥ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ከዓ ገዝአ። እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቴርሳ ኾይኑ ነገሰ።
24
ንዀረብታ ሰማርያ ድማ ኻብ ሳምር ብሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ዓደጋ፤ ነታ ዀረብታ ዓሪዱ ኸዓ ኣብኣ ኸተማ ሰርሐ፤ ብስም ሳምር ጐይታ እታ ዀረብታ ድማ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ።
25
ዘንበሪ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም የመና ኽፉእ ገበረ።
26
ብዅሉ መንገዲ ኢዮርብዓም ብዘይረብሕ ነገሮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ኸቘጥዕዎ፥ ንእስራኤል ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ።
27
እቲ ዝተረፈ ዘንበሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
28
ዘንበሪ ድማ ሞተ፤ ኣብ ሰማርያውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣክኣብ ነገሰ።
29
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝአ።
30
ኣክኣብ ወዲ ዘንበሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝኸፍአ ገበረ።
31
ብሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ምኽያድ ንእሽተይ ነገር መሰሎ፤ ንኤልዛቤል ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፥ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንጣዖት በዓል ኣምለኸ፤ ሰገደሉውን።
32
ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት ጣዖት በዓል ድማ ንጣዖት በዓል መሰውኢ ኣቖመሉ።
33
ኣክኣብ ከዓ መምለኺ ዓፀድ ተኸለ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘቘጥዕ ብምግባሩ፥ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ።
34
ብዘመን ኣክኣብ ከዓ ኣኪኤል በዓል ቤቴል ንኢያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢያሱ ወዲ ነዌ ዝተዛረቦ ቓል ድማ ኽስርታ እንተሎ ብኣቢሮን በዅሪ ወዱ መስረታ፤ በቲ ንእሽተይ ወዱ ብሰጉብ ድማ በሪታታ ኣቖመ።
← Chapter 15
Chapter 17 →