bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 15
1 Kings 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ንጉስ እስራኤል፥ ኣብያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2
ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ማዓካ እትብሃል ጓል ኣቤሴሎም ነበረት።
3
በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፤ ልቡ ድማ ኸም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ኣይነበረን።
4
ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፥ ብድሕሪኡ ወዱ ኸተስእ፥ ንኢየሩሳሌምውን ከፅንዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢየሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ።
5
ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዝገበረ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኦርዮ ኬጢያዊ ነገር፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣየግለሰን ነበረሞ።
6
እቲ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ዝተጀመረ ውግእ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወት ኣብያም ቐፀለ።
7
እቲ ዝተረፈ ናይ ኣብያ ታሪኽን እቲ ዝገበሮ ዅሉን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ኣብያምን ኢዮርብዓምን ድማ ውግእ ነበረ።
8
ኣብያም ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሳ ነገሰ።
9
ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ድማ፥ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
10
ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ መዓካ እትብሃል ጓል ኣቤሴሎም ነበረት።
11
ኣሳ ድማ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ።
12
ንሰዶማውያን ካብ ሃገሩ ኣወገዶም። ነቶም ኣቦታቱ ዝሰርሕዎም ኵሎም ጣዖታት ድማ ኣወገዶም።
13
ንኖኡ መዓካውን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ንግስትነታ ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖትውን ቈሪፁ ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣንደዶ።
14
ነቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዀረብታታት እኳ እንተ ዘየወገዶ፥ ልቢ ኣሳ ግና ምሉእ ህይወቱ ምስ እግዚኣብሄር ፍፁም ነበረ።
15
ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ኣቑሑ ብሩርን ወርቅን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።
16
ኣብ መንጎ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ።
17
ባኦስ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንይሁዳ ወረራ። ናብ ይሁዳ ዝኣቱን ዝወፅእን ከይርከብ ኢሉ ድማ ንራማ ዓረዳ።
18
ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ተሪፉ ዝነበረ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ወሰደ። ብኢድ ኣገልገልቱ ገይሩ ኸዓ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ወልደ ኣዴር ዝበሃል ንጉስ ሶርያ፥ ወዲ ጠብሪሞን ወዲ ኣዚንን፥ ልኢኹ፥
19
“ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኺዳን ይኹን። እንሆ፥ ገፀ በረከት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣለኹ እሞ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ካብ ምድረይ ምእንቲ ኽለቅቕስ ነቲ ምስኡ ዝኣተኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ” በሎ።
20
ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ፤ ንኸተማታት እስራኤል ክወግእወን ድማ ሰራዊቱ ሰደደ፤ ንዒዮንን ንዳንን፥ ኣቤልቤት መዓካን ኪኔሬትን ምስ ኵላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዓረን።
21
ባኦስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓዲጉ ኣብ ቴርሳ ተመሊሱ ተቐመጠ።
22
ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናፃ እንተይሓደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተታ። ነቲ ባኦስ ንራማ ዓሪዱሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕፃውን ወሲዱ፥ ንጌባ ናይ ብንያምን ንምፅጳን ዓረደን።
23
ኵሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ታሪኽ፥ ኵሉ ጅግንነቱን ኵሉ ዝገበሮን፥ ዝሰርሐን ከተማታትን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ብጊዜ እርጋኑ ግና ኣእጋሩ ሓመመ።
24
ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮሳፍጥ ነገሰ።
25
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ናዳብ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣብ እስራኤልውን ክልተ ዓመት ነገሰ።
26
ከም ኣቦኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኣቦኡን ንእስራኤልውን ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ።
27
ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኻብ ነገድ ይሳኮር ድማ ተመሓሓለሉ። ናዳብን ብዘለዉ እስራኤልን ንገባቶን ከቢቦምዋ እንተለዉ ኸዓ፥ ባኦስ ኣብ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዘሎ ገባቶን ቀተሎ።
28
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ባኦስ ንናዳብ ቀተሎ፤ ክንድኡ ድማ ነገሰ።
29
ምስ ነገሰ ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰንኪ እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዘቘጥዖ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣኪያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ንቤት ኢዮርብዓም ኣጥፍኣ፤ ሓደ እስትንፋስ እንተይሓደገውን ንዅሎም ኣጥፍኦም።
31
ኵሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዅሉ ዝገበሮን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
32
ኣብ መንጎ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ባኦስ ንጉስ እስራኤልን ኵልሻዕ ውግእ ነበረ።
33
ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባኦስ ወዲ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቴርሳ ነገሰ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ከዓ ገዝአ።
34
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኢዮርብዓምን ንእስራኤል ብዘስሓተሉ ሓጢኣትን ከደ።
← Chapter 14
Chapter 16 →