bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 14
1 Kings 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ዘመን እቱይ ኣብያ ወዲ ኢዮርብዓም ሓመመ።
2
ኢዮርብዓም ድማ ንሰበይቱ “ንዒ በይዛኺ፥ ሰበይተይ ምዃንኪ ኸይትፍለጢስ፥ ክዳንኪ ለውጢ፤ ናብ ሴሎ ኸዓ ኺዲ። እንሆ፥ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዝነግስ ዝተዛረበ ነቢይ ኣኪያ ኣብኣ ኣሎ።
3
ዓሰርተ እንጀራን ሕምባሻን ንፅባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ እዝ ቘልዓ እንታይ ከም ዝኸውን ክገልፀልኪ እዩ” በላ።
4
ሰበይቲ ኢዮርብዓም ድማ ተሲኣ ናብ ሴሎ ኸደት፤ ናብ ቤት ኣኪያውን ኣተወት። ኣኪያ ግና ኣዒንቱ ብእርጋን ፈዚዘን ነበራ እሞ ኽርኢ ኣይከኣለን።
5
እግዚኣብሄር ድማ ንኣኪያ “እኒሃ ሰበይቲ ኢዮርብዓም ብዛዕባ እቲ ዝሓመመ ወዳ ኽትጥይቐካ ትመፅእ ኣላ። ንሳ ኻልእ ሰበይቲ መሲላ ኽትኣቱ እያ እሞ፥ ከምዙይ ከምዙይ ኢልካ ተዛረባ” በሎ።
6
ብደገ ኽትኣቱ እንተላ፥ ኣኪያ ድምፂ እግራ ምስ ሰምዐ፥ “ሰበይቲ ኢዮርብዓም፥ እተዊ ደኣ፤ ስለ ምንታይ ኢኺ ኻልእ ሰበይቲ እትመስሊ? ኣነ ድማ ኸቢድ ወረ ኽነግረኪ ናባኺ ተልኢኸ ኣለኹ።
7
ኪዲ እሞ ንኢዮርብዓም ከምዙይ በሊዮ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ማእኸል ህዝቢ ሓርየ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ገዛኢ ገበርኩኻ፤
8
መንግስቲ ድማ ኻብ ቤት ዳዊት መቒለ ሃብኩኻ። ንስኻ ግና፥ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሓለወ፥ ኣብ ቅድመይ ከዓ ዅሉ ቕኑዕ ዝኾነ ጥራሕ ከም ዝገበረ፥ ብምሉእ ልቡውን ከም ዝተኸተለኒ፥ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኮንካን።
9
ካብቶም ቅድሜኻ ዝነገሱ፥ ክፉእ ብምግባር ዝገደድካ ንስኻ ኢኻ፤ ክተቘጥዐኒ ድማ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፤ ንኣይ ግና ንድሕሪት ደርበኻኒ።
10
“ስለዙይ እንሆ፥ ንቤት ኢዮርብዓም ክፉእ ከምፅአላ እየ፤ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኮነ ፍቱሕ ኵሉ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ። ድዅዒ ኽሳዕ ዝጠፍእ ከም ዝዅስተር ገይረ ኸዓ ንገዛኻ፥ ፈፂማ ኽሳዕ እትጠፍእ ክዅስትራ እየ።
11
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ነቲ ኻብ ወገን ኢዮርብዓም ኣብ ከተማ ዝመውት ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፤ ነቲ ኣብ በረኻ ዝመውት ከዓ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።
12
“ንስኺ ኸዓ ሕዚ ናብ ቤትኪ ኺዲ፤ እግርኺ ኣብታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ እቲ ቘልዓ ኽመውት እዩ።
13
ኣብ ቤት ኢዮርብዓም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብዝ ቘልዓ እዙይ ጥራሕ ፅቡቕ ነገር ስለ ዝረኸበ፥ ንሱ ጥራሕ ከም ስርዓት ክቕበር እዩ፤ ንእኡ ኸዓ ዅሎም እስራኤል እናበኸዩ ኽቐብርዎ እዮም።
14
“እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዝኾኖ ኸተስእ እዩ፤ እቲ ንጉስ በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት ኢዮርብዓም ከጥፍኣ እዩ። ሕዚ እሞ እንታይ ክግበር እዩ?
15
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክወቕዖ እዩ። ከምቲ ሻምብቆ ኣብ ማይ ነነው ዝብል እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል ከምኡ ኽወቅዕ እዩ። ንእግዚኣብሄር ከቘጥዑ ጣዖታት ኣስታሮት ስለ ዝገበሩ፥ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሃቦም ፍርያም ምድሪ ኽነቕሎም፥ ናብ ሰገር ሩባ ኤፍራጥስውን ክብትኖም እዩ።
16
ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ከዓ ዘሕጥኦምን፥ ንእስራኤል ክድርብዮም እዩ” በላ።
17
ሰበይቲ ኢዮርብዓም ተሲኣ ናብ ቴርሳ ኸደት፤ ኣብ ድርኵዂት ቤታ ምስ በፅሐት ድማ እቲ ቘልዓ ሞተ።
18
ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ፥ ብነቢይ ኣኪያ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ ዅሎም እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን።
19
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ታሪክ፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝተዋግአን ከመይውን ከም ዝነገሰን፥ እንሆ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
20
ኢዮርብዓም ዕስራን ክልተን ዓመት ነገሰ፤ ምስ ኣቦታቱውን ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ናዳብ ነገሰ።
21
ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት እንተሎ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኽፅዋዕ ኢሉ ኻብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ዝሓረያ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ንዓማ በዓልቲ ኣሞን ነበረት።
22
ህዝቢ ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዝበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።
23
ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽትን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕማድን ሰርሑ።
24
ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ድማ ግብረ ሰዶማውያን ነበሩ። ከምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዅሉ ርኽሰት ይገብሩ ነበሩ።
25
ንጉስ ሮብዓም ሓሙሽተ ዓመት ምስ ነገሰ፥ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቡ ወረራ።
26
ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤተ መንግስትን ብምሉኡ ወሰደ። ነቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዅሉ ዋልታ ወርቂውን ወሰዶ።
27
ንጉስ ሮብዓም ድማ ኽንድኡ ዋልታታት ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ተኸተልቲ ኸዓ ኣማዕቘቦም።
28
እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኸይድ እንተሎ፥ እቶም ሓለውቲ ይስከሙዎም ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ውሽጢ ቤት እቶም ሓለውቲ ይመልስዎም ነበሩ።
29
እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
30
በቲ ዘመን እቱይ ከዓ ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ኵልሻዕ ውግእ ነበረ።
31
ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። እኖኡ ድማ ናዓማ እትብሃል በዓልቲ ኣሞን ነበረት። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣብያ ነገሰ።
← Chapter 13
Chapter 15 →