bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 13
1 Kings 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮርብዓም ክዓጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ድማ፥ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ቤቴል መፀ።
2
ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ መሰውኢ፥ ኣታ መሰውኢ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ‘ንቤት ዳዊት ኢዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኽውለደላ እዩ። ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ንዝተሰርሐ ንናይ ኣህዛብ መሰውኢ ኣገልገልቲ ኾይኖም መስዋእቲ ንዘቕርቡልካ ኻህናት፥ ኣብ ልዕሌኻ ኽስውኦምን ነዕፅምቲ ሰባትውን ከቃፅለልካ እዩ’ ” ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ዓው ኢሉ ኣድመፀ።
3
በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ምልክት እዙይ እዩ፦ “እንሆ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኽፈስስ እዩ” ኢሉ ምልክት ሃበ።
4
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውኢ ዝተዛረቦ ነገር ምስ ሰምዐ፥ ንጉስ ኢዮርብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ “ሓዝዎ” በለ። እታ ዝዘርግሓ ኢዱ ግና ስለ ዝደረቐት ክመልሳ ኣይከኣለን።
5
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከም ዝሃቦ ምልክት ድማ፥ እቲ መሰውኢ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ወደቐ። እቲ ሓሙዅሽቲውን ፈሰሰ።
6
ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “እዛ ኢደይ ክትሓውስ በይዛኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነለይ፤ ምእንታይ ከዓ ፀሊ” በሎ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ለመነ፤ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ሓወየት፤ ከም ቀደማውን ኮነት።
7
እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ “ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ፤ ውህብቶውን ክህበካ እየ” በሎ።
8
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና ነቲ ንጉስ “እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይውን ኣይትስተ፤ በታ ዝኸድካያ መንገዲውን ኣይትመለስ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ፥ ፍርቂ ገዛኻ እንተ እትህበኒ እኳ፥ ምሳኻስ ኣይኣቱን፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸዓ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ።
10
ብኻልእ መንገዲ ድማ ኸደ፤ በታ ናብ ቤቴል ዝመፀላ መንገዲውን ኣይተመለሰን።
11
ኣብ ቤቴል ድማ ሓደ ኣረጊት ነቢይ ነበረ። ደቁ መፂኦም ከዓ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዅሉ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ፥ ነቦኦም ነገርዎ፤ እቲ ንንጉስ ዝተዛረቦ ነገርውን ኣዘንተዉሉ።
12
ኣቦኣቶም ከዓ “በየነይቲ መንገዲኸ ኸደ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኸደላ መንገዲ ኣርአይዎ።
13
ነቶም ደቁ ኸዓ “ኣድጊ ፀዓኑለይ” በሎም። ንሳቶም ድማ ፀዓኑሉሞ ተቐመጦ።
14
ደድሕሪ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኸደ፤ ኣብ ትሕቲ ኦም ተቐሚጡ ኸዓ ረኸቦ፤ “እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ድማ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
15
ንሱ ድማ “ነዓናይ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ እንጀራ ብላዕ” በሎ።
16
ንሱ ግና “ ‘ኣብኣ እንጀራ ኣይትብላዕ፤ ማይ ኣይትስተ፤ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መንገዲውን ኣይትመለስ’ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ እሞ ምሳኻ ተመሊሰ ኣይከይድን እየ፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጀራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን እየ” በሎ።
18
ንሱ ኸዓ “ኣነውን ከማኻ ነቢይ እየ፤ መልኣኽ ድማ ‘እንጀራ ኽበልዕን ማይውን ክሰትን ናብ ገዛኻ ምለሶ’ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ” በሎ። ግና እቲ ኣረጊት ነቢይ ሓስዩ እዩ ኸምኡ ዝበለ።
19
ስለዙይ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምስቲ ኣረጊት ነቢይ ተመለሰ፤ ኣብ ቤቱ ኣተወ፤ እንጀራ በልዐ፤ ማይውን ሰተየ።
20
ንሳቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ኸዓ፥ ነቲ ዝመለሶ ኣረጊት ነቢይ ቃል እግዚኣብሄር መፆ።
21
ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ዓው ኢሉ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንቓለይ ስለ ዝኸዳዕኻዮ፥ ነቲ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝውን ስለ ዘይሓለኻዮ፥
22
ኣብታ እንጀራ ኣይትብልዐላ ማይ ከዓ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጀራ ስለ ዝበላዕኻ፥ ማይውን ስለ ዝሰተኻ፥ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ’ ” በሎ።
23
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንጀራ ምስ በልዐን ማይ ምስ ሰተየን፥ እቲ ዝመለሶ ኣረጊት ነቢይ ኣድጊ ፀዓነሉ።
24
ምስ ከደ ኸዓ፥ ኣብ መንገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ሬሳኡ ድማ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ነበረ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ።
25
እንሆ ኸዓ፥ ዝሓልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ፥ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነቢይ ተቐሚጡላ ዝነበረ ኸተማ መፂኦም ድማ ኣውረዩ።
26
እቲ ኻብ መንገዱ ዝመለሶ ነቢይ ከዓ እዙይ ምስ ሰምዐ “ንሱ እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝኸድዐ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ዘረባ ድማ እግዚኣብሄር ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ሰቢሩ ኸዓ ቐተሎ” በለ።
27
ንደቁ ድማ “ኣድጊ ፀዓኑለይ” ኢሉ ተዛረቦም፤ ንሳቶም ድማ ፀዓኑሉ።
28
ምስ ከደ ኸዓ እቲ ሬሳ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ፀንሖ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፤ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን።
29
ሽዑ እቲ ኣረጊት ነቢይ ንሬሳ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ፀዓኖ፤ ክበኽየሉን ክቐብሮን ከዓ ናብ ከተማኡ ተመለሰ።
30
ነቲ ሬሳኡ ድማ ኣብ መቓብሩ ቐበሮ፤ “ዋይ ሓወይ፥ ዋይ ሓወይ” ኢሎም ከዓ በኸዩሉ።
31
ምስ ቀበሮ ንደቁ “እቲ ኣብቲ ኣብ ቤቴል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኵለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ንመስገዲ ኢሉ ኣብቲ ዀረብታታት ዝሰርሐን ኣባይትን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ ዝተዛረቦ ብርግፅ ክኸውን እዩ እሞ፥ ምስ ሞትኩ፥ ንኣይ ኣብዛ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፤ ኣዕፅምተይውን ኣብ ጥቓ ኣዕፅምቱ ኣንብሩ” ኢሉ ተዛረቦም።
33
ብድሕሪዙይውን ኢዮርብዓም ካብ ክፉእ መንገዱ ኣይተመለሰን፤ መሊሱ ደኣ ኣብቲ ዝሰግደሉ ዀረብታታት ዘገልግሉ ኻብቶም ተራ ህዝቢ ኻህናት ገበረ። ኣብቲ ዀረብታታት ብኽህነት ከገልግሉ ንዝደለዩ ዅሎም ክህነት ሃቦም።
34
እዝ ሓጢኣት እዙይ ከዓ ንመንግስቲ ኢዮርብዓም ኣውደቓ፤ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ከም እትጠፍእ ገበራ።
← Chapter 12
Chapter 14 →