bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 12
1 Kings 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ኸንግስዎ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ።
2
ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ (ንሱ ኻብ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ኣብ ግብፂ ይቕመጥ ነበረ)።
3
ልኢኾም ድማ ፀውዕዎ። ሽዑ ኢዮርብዓምን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን መፂኦም ንሮብዓም፥
4
“ኣቦኻ ኸቢድ ኣርዑት ኣንበረልና፤ ሕዚ ግና ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑትን ኣቕልለልና፤ ንሕናውን ክንግዘአልካ ኢና” ኢሎም ተዛረብዎ።
5
ንሱ ድማ “ኪዱ እሞ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸዱ።
6
ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ እንተሎ ዘማኽርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ክምልሰሉ ትመኽሩኒ?” ኢሉ ተማኸረ።
7
ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሎሚ ሓሽከር እንተ ዄንካዮም፥ እንተ ኣገልጊልካዮም፥ ምላሽ ድማ እንተ ሂብካዮም፥ ፅቡቕ ቃልውን እንተ ተዛሪብካዮም፥ ንሳቶም ንሓዋሩ ኣገልገልቲ ክኾኑኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።
8
ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፥ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩን ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ ዝነበሩ መናእሰይን ተማኸረ።
9
“ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም።
10
እቶም ምስኡ ዝዓበዩ መናእሰይ ከዓ፥ “ነዞም ‘ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ እሞ፥ ንስኻ ኣቕልለልና’ ኢሎም ዝተዛረቡኻ ህዝቢ ‘እዛ ንእሽተይ ኣፃብዕተይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ።
11
ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም ነገርዎ።
12
ከምቲ እቲ ንጉስ “በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ኢሉ ዝተዛረቦም ድማ፥ ኢዮርብዓምን ኵሉ እቲ ህዝብን ኮይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መፁ።
13
ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ብርቱዕ ምላሽ መለሰሎም።
14
“ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑት፥ ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም።
15
ነቲ እግዚኣብሄር ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ብኣኪያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኸቝሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፥ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16
ሽዑ ዅሎም እስራኤል፥ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ፈለጡ፦ እቲ ህዝቢ ነቲ ንጉስ “ምስ ዳዊት እንታይ ኣለና? ኣብ ወዲ እሴይከ እንታይ ርስቲ ኣለና? ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ነናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ። ኣታ ዳዊት ሕዝስ ገዛኻ ሓሉ” ኢሎም እናጨደሩ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ተመለሱ።
17
ሮብዓም ግና ኣብቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18
ንጉስ ሮብዓም ንኣዶኒራም ነቲ ግብሪ ዘኽፍል ሰደዶ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ግና ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ሞተውን። ንጉስ ሮብዓም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሃደመ።
19
በዝ ኸምዙይ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ኸዲዖም ይነብሩ።
20
ኵሎም እስራኤል ኢዮርብዓም ከም ዝተመለሰ ምስ ሰምዑ፥ ልኢኾም ናብቲ ጉባኤ ፀውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣንገስዎ። ብዘይ ነገድ ይሁዳ ንቤት ዳዊት ዝሰዓበ ኣይነበረን።
21
ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም መፀ፤ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ ኣብ ሰሜን እስራኤል ዘላ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፥ ካብ ኵላ ቤት ይሁዳን ካብ ነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
22
ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሳማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦
23
“ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ንዅላ ነገድ ይሁዳን ነገድ ብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ በሎም፦
24
‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትኺዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። እዝ ነገር እዙይ ብፍቓደይ ዝኾነ እዩ’ ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ሰምዑ፤ ከም ቃል እግዚኣብሄርውን ተመሊሶም ከዱ።
25
ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል ንሴኬም ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሰርሓ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። ንኣኣ ሓዲጉ ኸዓ ንጵንኤል ሰርሓ።
26
ኢዮርብዓም ድማ ብልቡ “ሕዚ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ክስውኡ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ደየቡ፥ ልቦም ናብ ጐይታኦም ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኽምለስ እዩ፤ ንኣይ ክቐትሉኒ እዮም፥ እዛ መንግስቲ ድማ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ” ኢሉ ሓሰበ።
28
እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ “ኦ እስራኤል! ናብ ኢየሩሳሌም ምድያብ ይበዝሐኩም ኣሎ፤ እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኹም ኣማልኽትኹም ረአዩ እኒሀዉልኩም” በሎም።
29
ነቲ ሓደ ኣብ ቤቴል ኣንበሮ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ ኣብ ዳን ገበሮ።
30
እቶም ህዝቢ ኽሰግዱ ኽሳዕ ዳን ይኸዱ ነበሩ እሞ ንጣዖት ብምምላኾም ሓጢኣት ገበሩ።
31
ኣብ ኰረብታታትውን ዝሰግዱሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ካብ ዘርኢ ሌዊ ዘይኮኑ ኸዓ፥ ካብቲ ማንም ህዝቢ ኻህናት ገበረ።
32
ኢዮርብዓም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ዝግበር በዓል፥ በዓል ገበረ። ነቶም ዝሰርሖም ምራኹት ክስውአሎም ኣብ ቤቴል ናብቲ መሰውኢ ደየበ። ነቶም ዝመረፆም ካህናት ኣብ ቤቴል ኣብቲ ዝስገደሉ ኣንበሮም።
33
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ኣብ ቤቴል ንደቂ እስራኤል በዓል ገበረሎም። ክዓጥን ድማ ናብቲ ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ።
← Chapter 11
Chapter 13 →