bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Kings 11
1 Kings 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርዖን ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፥ ሞኣባውያን፥ ኣሞናውያን፥ ኤዶማውያን፥ ሲዶናውያን፥ ኬጢያውያን ፈተወ።
2
እዚኣተን ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ “ንሳቶም ንልብኹም ብርግፅ ናብ ኣማልኽቶም ከዘንብልዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ናብኣቶም ኣይትኪዱ፥ ንሳቶምውን ናባኻትኩም ኣይምፅኡ” ምስ ዝበሎም ኣህዛብ፥ ሰሎሞን ብፍቕረን ተትሓዘ።
3
ሸውዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱውን ንልቡ ኣዘንበላኦ።
4
ሰሎሞን እናኣረገ ምስ ከደ እተን ኣንስቱ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምልኽ ንልቡ ኣዘንበላኦ፤ ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍፁም ከም ዝነበረ ልቢ ሰሎሞን ከምኡ ኣይነበረን።
5
ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ሲዶናውያን ንኣስታሮትን፥ ንርዅሰት ኣሞናውያን ንሚልኮምን ተኸተለ።
6
ስለዙይ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ከም ኣቦኡ ዳዊትውን ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ብምኽታል ፍፁም ኣይኮነን።
7
ሽዑ ሰሎሞን ንርዅሰት ሞኣብ ንካሞሽ ንርዅሰት ደቂ ኣሞን ንሞሎኽ መስገዲ ዝኸውን ኣብ መንፅር ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ዀረብታ ሰርሐ።
8
ንዅለን እተን ጓኖት ኣንስቱ ኸምኡ ሰርሐለን፤ ንሳተን ከዓ ንኣማልኽተን ይዓጥናን ይስውኣን ነበራ።
9
ካብቲ ኽልተ ሻዕ ዝተገለፀሉ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ልቡ ስለ ዘርሓቐ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ተቘጥዐ።
10
ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኽ ኣዚዝዎ እንተ ነበረ እኳ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን።
11
ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዘይሓለኻዮ፥ ነዛ መንግስቲ ብርግፅ ካባኻ መቒለ ንሓሽከርካ ኽህቦ እየ በሎ።
12
እዙይ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን እየ፤ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ወድኻ እየ ዝወስዳ።
13
ግና ነታ መንግስቲ ኹላ ኣይመቕላን እየ፤ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ” በሎ።
14
እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶምያስ ንዝኾነ ሰብ ንሃዳድ ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ፀላኢ ገይሩ ኣተስኦ።
15
ዳዊት ንኤዶምያስ ምስ ሰዓራ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊቱ ነቶም ቅቱላት ክቐብር ከይዱ ነበረ። ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ከዓ ቐተሎ።
16
ኢዮኣብን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ክሳዕ ዘጥፍኡ፥ ኣብኡ ሽዱሽተ ወርሒ ተቐመጡ።
17
ሃዳድ ግና ምስ ውሑዳት ኤዶማውያን ኣገልገልቲ ኣቦኡ ኾይኑ ናብ ግብፂ ሃዲሙ ኸደ፤ ሃዳድ ሽዑ ንእሽተይ ቘልዓ ነበረ።
18
ንሳቶም ካብ ምድያም ተልዒሎም ከዓ ናብ ፋራን ከዱ፤ ካብ ፋራን ድማ ምስኣቶም ሰባት ወሲዶም ናብ ግብፂ ናብ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዱ፤ ንሱ ኸዓ ቤት ሃቦ፤ ቀለብውን ኣዘዘሉ፤ ምድሪ ድማ ሃቦ።
19
ሃዳድ ከዓ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፤ ንሱ ድማ ሓፍቲ ሰበይቱ፥ ሓፍቲ ንግስቲ ቴቄምናስ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ።
20
እዛ ሓፍቲ ቴቄምናስ ከዓ ጌንባት ዝበሃል ወዲ ወለደትሉ። ንግስቲ ቴቄምናስ ድማ ኣብ ቤት ፈርዖን ኣዕበየቶ፤ ጌንባት ከዓ ኣብ ቤት ፈርዖን ኣብ ማእኸል ደቂ ፈርዖን ዓበየ።
21
ሃዳድ ድማ ኣብ ግብፂ እንተሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፥ ምስ ሰምዐ፥ ንፈርዖን “ናብ ሃገረይ ክኸይድስ ኣሰናብተኒ” በሎ።
22
ፈርዖን ግና “ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እትደልስ፥ ምሳይ እንተለኻ እንታይዶ ጐዲሉካ እዩ?” በሎ። ሃዳድ ከዓ “ሓደ እኳ ኣይጐደለንን፤ ግና ክኸይድ ኣሰናብተኒ ደኣ” በሎ። ሃዳድ ድማ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ነገር እዙይ እዩ፤ ንእስራኤል ኣጨነቖም፤ ኣብ ኤዶምያስውን ነገሰ።
23
ኣምላኽ ድማ ኻልእ ንሰሎሞን ዝፃረር ንሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተስአሉ። ንሱ እቲ ኻብ ጐይታኡ ኻብ ኣድርኣዛር ንጉስ ሱባ ዝሃደመ ነበረ።
24
ሬዞን በታ ዳዊት ንሰብ ሱባ ዝቐተለላ ጊዜ፥ ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ሽፍታ ኾነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ከዓ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ድማ ኣንገስዎ።
25
ንሱ ድማ ኸምቲ ናይ ሃዳድ ክፉእ እናገበረ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ፀረ እስራኤል ኮይኑ ነበረ። ንእስራኤል ድማ ይፅየፎ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸዓ ነገሰ።
26
ከምኡውን ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ በዓል ሳሪራ፥ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ከድዐ። ንሱ ወዲ ሓንቲ ፅሩዓ እትብሃል መበለት ነበረ።
27
እቲ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዝገበሮ ዓመፅ ምኽንያቱ ኸምዙይ እዩ፦ ሰሎሞን ነቲ ሚሎን ሰርሖ፤ ነቲ ዝፈረሰ መካበብያ ኸተማ ኣቦኡ ዳዊት እውን ፀገኖ።
28
ኢዮርብዓም ድማ ፅኑዕ ሓያል ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከዓ እቲ ጐበዝ ትጉህ ሰራሕተኛ ኸም ዝኾነ ሪኡ፥ ኣብ ልዕሊ ስራሕ እቶም ነገድ ዮሴፍ ሸሞ።
29
ኮነ ድማ፥ ኢዮርብዓም ካብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ ነቢይ ኣኪያ በዓል ሴሎ ኸዓ ኣብ መንገዲ ረኸቦ። ኣኪያ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲኦም ከዓ ንበይናቶም ኣብ ሜዳ ነበሩ።
30
ኣኪያ ኸዓ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ኽፍሊ ቘራረፆ።
31
ንኢዮርብዓም ከዓ “ዓሰርተ ቝራፅ ንኣኻ ውሰድ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክወስዳ እየ፤ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ።
32
ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን።
33
እዙይ ከዓ ንኣይ ሓዲጉ ንኣስታሮት፥ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፥ ንካሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፥ ንሞሎክ ኣምላኽ ደቂ ኣሞን ስለ ዝሰገደ፥ ከም ዳዊት ኣቦኡ ገይሩ ኸዓ እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝኾነን እቲ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ክገብር ብመንገደይ ስለ ዘይከደ እዩ።
34
ግና ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕግታተይን ዝሓለወ ባዕለይ ዝሓረኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ደኣ ንጉስ እገብሮ እምበር፥ ነታ መንግስቲ ብዅላ ኻብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ።
35
ግና ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ወዱ ኽወስዳ እየ፤ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ።
36
ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኽስመ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ንባርያይ ዳዊት ኵሉ ዘመን ኣብ ቅድመይ መብራህቲ ክኾነሉ፥ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።
37
ንኣኻ ድማ ክወስደካ እየ፤ ነፍስኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፈተወቶ ኽትነግስ እያ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ንጉስ ክትከውን ኢኻ።
38
ኵሉ ዝኣዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰሚዕኻ ብመንገደይ ከዓ እንተ ኼድካ፥ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝኾነ እንተ ጌርካ፥ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸዓ ትእዛዛተይን ሕግታተይን እንተ ሓሊኻ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኹሉ፥ ንኣኻውን ፅንዕቲ ቤት ክሰርሐልካ እየ። ንእስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ፤
39
ስለዙይ ንዘርኢ ዳዊት ከጨንቖ እየ፤ ግና ንዅሉ ዘመን ኣይኮነን’ ” በሎ።
40
ስለዙይ ሰሎሞን ንኢዮርብዓም ክቐትሎ ደለየ፤ ኢዮርብዓም ግና ተሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ሃደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከዓ ኣብ ግብፂ ተቐመጠ።
41
እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገርን፥ እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጥበቡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ሰሎሞን ተፅሒፉ ኣሎ።
42
ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ።
43
ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።
← Chapter 10
Chapter 12 →