bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 7
1 Corinthians 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ እቲ ዝፀሓፍኩምለይ ነገር ድማ፥ ሰብኣይ ናብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ይሐይሽ።
2
ግና ኻብ ዝሙት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ናይ ባዕሉ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን፥ ናይ ባዕላ ሰብኣይ ይሃልዋ።
3
ሰብኣይ ንሰበይቱ፥ ዝግብኣ ይግበረላ፤ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ዝግብኦ ትግበረሉ።
4
ሰበይቲ ኣብ ሰብነታ ስልጣን የብላን፤ ስልጣን ንሰብኣያ እዩ እምበር፤ ከምኡውን ሰብኣይ ኣብ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን፤ ስልጣን ንሰበይቱ እዩ እምበር።
5
ንፀሎት ክትተግሁ፥ ብዝተሰማማዕኹምሉ ጊዜ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትፈላለዩ። ንሰብነትኩም ምቍፅፃር ብዘይምኽኣልኩም፥ ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም፥ ብሓደ ኹኑ።
6
እዙይ ግና ኸም ምኽሪ እምበር፥ ከም ትእዛዝ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ።
7
ኵሉ ሰብ ከምዝ ኸማይ ክኸውን ምፈተኹ ነይረ፤ ግና ነፍሲ ወከፍ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበሎ፥ ናይ ፀጋ ውህብቶ ስለ ዘለዎ፥ እቲ ሓደ ኸምዙይ፥ እቲ ሓደውን ከምቱይ፥ ውህብቶ ኣለዎ።
8
ንዘይተመርዐዉን ንመበለታትን ግና፥ ከምዝ ኸማይ ኮይኖም እንተ ነበሩ ይሐሾም እብል ኣለኹ።
9
ንሰብነቶም ክቈፃፀሩ እንተ ዘይኽኢሎም ግና ይመርዐዉ፤ ብፍትወት ካብ ምቅፃል፥ ምምርዓው ይሐይሽ እዩ እሞ።
10
ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ፥ ብናይ ባዕለይ ዘይኮነስ፥ ብናይ ጐይታ ትእዛዝ፥ እእዝዞም ኣለኹ፤ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈላለ።
11
እንተ ተፈላልያ ግና፥ እንተየእተወት ትንበር፤ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ። ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ።
12
ነቶም ዝተረፉ ድማ፥ ብጐይታ ዘይኮነስ፥ ኣነ ባዕለይ ከምዙይ እብሎም ኣለኹ፤ ሓደ ኣማኒ፥ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እንተ ሃሊያቶ፥ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፥ ኣይፍትሓያ።
13
ሰበይቲ እውን ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ እንተ ሃልይዋ፥ ንሱ ኸዓ ምስኣ ኽነብር እንተ ፈተወ፥ ኣይትፍትሓዮ።
14
እቲ ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ፥ ምእንቲ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፤ እታ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እውን፥ ምእንቲ ኣማኒ ሰብኣያ ተቐዲሳ እያ እሞ፤ ከምኡ እንተ ዘይኸውን፥ ደቆም ርኹሳት ምኾኑ ነይሮም፤ ሕዚ ግና ተቐዲሶም እዮም።
15
እቲ ኣማኒ ዘይኮነ፥ ክፍለ እንተ ደለየ ግና ይፈለ። ኣብ ከምዙይ ዝመሰለ እቲ ሓው ወይ እታ ሓፍቲ ኣይግደዱን። እግዚኣብሄር ብሰላም ክንነብር እዩ ዝፀውዐናሞ።
16
ኣቲ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ እንታይ ትፈልጢ? ኣታ ሰብኣይውን፥ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ እንታይ ትፈልጥ?
17
ብዝተረፈ ነፍሲ ወከፍ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፥ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ ኾይኑ ይንበር። ንዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን፥ ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘለኹ።
18
ሓደ ኣማኒ ኻባኻትኩም፥ ግሩዝ እናሃለወ ዝተፀውዐ እንተ ሃልዩ ድማ፥ ዘይምግራዝ ኣይመነ። ዘይግሩዝ እናሃለወ ዝተፀውዐ እንተ ሃልዩ፥ ክግረዝ ኣይድለ።
19
ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን።
20
ነፍሲ ወከፍ፥ ከምታ እግዚኣብሄር ክፅውዖ እንተሎ ዝነበራ ይንበር።
21
ባርያ እንተለኻ ዲኻ ዝተፀዋዕኻ? በዙይ ኣይትሕሰብ፤ ሓራ ኽትወፅእ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና፥ ሓርነትካ ርኸብ።
22
እቲ ባርያ እንተሎ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ፥ ናይ ጐይታ ውፁእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ እንተሎ ዝተፀውዐ፥ ባርያ ክርስቶስ እዩ።
23
ክርስቶስ ብዋጋ ዓዲጉኩም እዩ እሞ፥ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ።
24
ኣሕዋትና፥ ነፍሲ ወከፍ በቲ ዝተፀውዖ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምኡ ይንበር።
25
ብዛዕባ ደናግል ግና፥ እሙን ክኸውን ከም ሓደ ኻብ ጐይታ ምሕረት ዝተቐበለ ሰብ ኮይነ፥ ምኽረይ እነግረኩም ኣለኹ እምበር፥ ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ ትእዛዝ ኣይኮነን።
26
እምበኣር ብምኽንያት እቲ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ጭንቂ፥ ሰብ ከምታ ዘለዋ ኾይኑ ኽነብር ፅቡቕ መሲሉ ይረአየኒ።
27
ተመርዒኻ እንተ ዄንካ፥ ክትፋታሕ ኣይትድለ። ዘይተመርዖኻ እንተ ዄንካ፥ ምምርዓው ኣይትድለ።
28
ግና እንተ ተመርዖኻ፥ ሓጢኣት ኣይገበርካን፤ ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፥ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና፥ ብናብራ፥ ፀገማት ይረኽቦም እዩ እሞ፥ ካብዙይ ክትድሕኑ ኢለ እየ።
29
ኣሕዋተይ፥ እቲ ዝብለኩም ዘለኹ እዙይ እዩ፤ እቲ ዘመን ሓፂር እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ከም ዘይብሎም ይንበሩ።
30
እቶም ዝሓዝኑ ኸም ዘይሓዝኑ፥ እቶም ዝሕጐሱ ኸም ዘይሕጐሱ፥ እቶም ዝዕድጉ ኸም ዘየጥረዩ፥
31
እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ፥ ብእኡ ኸም ዘይጥቀሙ ኾይኖም ይንበሩ፤ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓላፊት እያ እሞ።
32
ኣነ ግና ብዘይ ሓሳብ ክትነብሩ ድልየተይ እዩ፤ እቲ ዘይተመርዐወ፥ ከመይ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕሶ፥ ብዛዕባ ጐይታ እዩ ዝሓስብ።
33
እቲ ዝተመርዐወ ግና፥ ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘሐጕሳ፥ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዝሓስብ፤
34
በዝ ዅነታት እዙይ፥ ሓሳቡ ዝተኸፋፈለ ይኸውን። እታ መበለት ሰበይቲ ወይ ዘይተመርዐወት ድንግል ድማ፥ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኽቕደስ፥ ብዛዕባ እግዚኣብሄር እያ እትሓስብ። እታ ዝተመርዐወት ግና፥ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ፥ ብዛዕባ ናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሓስብ።
35
እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ልብኹም እንተይተኸፍለ፥ ንእግዚኣብሄር ብግቡእ ምእንቲ ኽተገልግሉ፥ ንረብሓኹም ኢለ እየ እምበር፥ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኮንኩን።
36
ግና ምእታው ኣብ ዝግብኦ ዕድመ ምስ በፅሐ፥ ስለ ድንግልናኡ ዝሓፍር ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ዝደለዮ ይግበር፤ ሓጢኣት የብሉን ይመርዖ።
37
እንተይተሃወኸ ብልቡ ዝፀንዐ ግና ኣይግደድን፤ ዝደለዮ ኽገብር ተፈቒድሉ እዩ፤ ድንግልናኡውን ብልቡ ሓልዩ እንተ ፀኒዑ፥ ሰናይ ገበረ።
38
ስለዙይ ነታ ድንግል ዝተመርዐወ ሰናይ ገበረ፤ ዘይተመርዐወውን ዝበለፀ ገበረ።
39
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና፥ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ፤ ብእግዚኣብሄር ዝኣምን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር።
40
ከም ሓሳበይ ግና፥ ከምቲ ዘላቶ ኾይና እንተ እትነብር፥ ዝበለፀ ምተሓጐሰት፤ ኣነውን መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባይ ዘለኒ ይመስለኒ።
← Chapter 6
Chapter 8 →