bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 6
1 Corinthians 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብፃዩ ኽርክር እንተ ሃልይዎ፥ ጉዳዩ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳን ክንዲ ምቕራብ፥ ከመይ ደፊሩ ኣብ ቅድሚ ዘይኣምኑ፥ ንምፍራድ ይቐርብ?
2
ወይ ከዓ ቅዱሳን፥ ንዓለም ከም ዝፈርዱዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንዓለም እትፈርዱ ኻብ ኮንኩም ደኣ፥ ነዝ ኣናእሽተይ ነገራት ንምፍራድ ከመይ ዘይትበቕዑ?
3
ንመላእኽቲ ኸም እንፈርድዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገር ግዳ፥ ከመይ ዘይንፈርድ?
4
እሞኸ ደኣ፥ ብነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዝዳነ እንተ ሃልዩኩም፥ ስለ ምንታይ ነቶም ብቤተ ክርስቲያን ዝተንዓቑ ሰባት፥ ፈረድቲ ትገብሩዎም?
5
ከሕፍረኩም ኢለ እየ ነዙይ ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኽዓርቕ ዝኽእል፥ ለባም ሰብዶ የብልኩምን?
6
እኳ ደኣ፥ ሓው ንሓዉ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ ይኸስስ ኣሎ!
7
ኣብ ንሰንሳትኩም ምክሳስ ምህላዉ፥ ብርግፅ ውርደት እዩ፤ እንተ እትብደሉዶ ኣይመሐሸን? እንተ እትግፍዑዶ ኣይምሐሸን?
8
መሕልፎ ንስኻትኩም ነሕዋትኩም እንተይተረፈ፥ ትብድሉን ትገፍዑን ኣለኹም።
9
ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥
10
ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።
11
ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።
12
ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ግና ዅሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ኣነ ግና፥ ናይ ሓደ ነገር እኳ፥ ግዙእ ክኸውን ኣይደልን እየ።
13
ብልዒ ንኸብዲ፥ ከብዲ ኸዓ ንብልዒ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ነዙይን ነቱይን ከጥፍኦም እዩ። ሰብነት ንእግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄርውን ንሰብነት እዩ እምበር፥ ሰብነት ንምንዝርና ኣይኮነን።
14
እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምቲ ንጐይታና ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ንኣናውን ብሓይሉ ኸተስአና እዩ።
15
እቲ ሰብነትኩም፥ ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ፥ ኣካል ኣመንዝራዶ ኽገብሮ ይግባእ እዩ? ኣይግባእን!
16
መፅሓፍ “ክልቲኦም ሓደ ኣካል ክኾኑ እዮም” ከም ዝብል፥ ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ፥ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዝኸውንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
17
እቲ ምስ ጐይታ ሓደ ዝኸውን ግና፥ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።
18
ካብ ዝሙት ረሓቑ፤ ሰብ ዝገብሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፤ ዝምንዝር ግና፥ ኣብ ናይ ባዕሉ ሰብነት እዩ ዝብድል።
19
ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን።
20
ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
← Chapter 5
Chapter 7 →