bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 8
1 Corinthians 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሰውአ ግና፥ “ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና” ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የሕድር፤ ፍቕሪ ግና ይሃንፅ።
2
ዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ እንተ መሰሎ፥ ነቲ ዝፈልጦ፥ ከምቲ ዝግብኦ ገይሩ ገና ኣይፈለጦን።
3
ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር ግና፥ ንሱ ብእግዚኣብሄር ፍሉጥ እዩ።
4
ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምብላዕ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ጣዖታት ከንቱ ከም ዝኮኑ፥ እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና።
5
ብዙሓት ኣማልኽትን፥ ብዙሓት ጐይቶትን፥ ተብሂሎም ዝፅውዑ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተ ተብሃለኳ፥
6
ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።
7
እዝ ፍልጠት እዙይ ግና፥ ኣብ ኵሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ገሊኣቶም ምምላኽ ጣዖት ከም ልማድ ገይሮምዎ፥ ክበልዑ እንተለዉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ ኢሎም እዮም ዝበልዑ። ሕሊናኦም ድኹም ስለ ዝኾነ ድማ ይረክስ።
8
ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣየቕርበናን፤ እንተ በላዕና፥ ዝውስኸልና የብሉን፤ እንተ ዘይበላዕናውን፥ ዘጕድለልና የብሉን።
9
ግናኸ እቲ ሓርነትኩም፥ ነቶም ብእምነቶም ዘይጠንከሩ መዐንቀፊ ኸይኾኖም ተጠንቀቑ።
10
ሓደ ሰብ፥ ፍልጠት ንዘለካ ንኣኻ፥ ኣብ ቤት ጣዖት ተቐሚጥካ እንተ ረአየካ፥ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ንምብላዕዶ ኣይምደፈረን?
11
ስለዙይ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሓው፥ ብሰንኪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ።
12
እምበኣር ከምዙይ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፥ ነቲ ድኹም ሕሊናኦም እናቝሰልኩም፥ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም።
13
እምበኣር ምግቢ ንሓወይ ዘዐንቅፎ እንተ ኾይኑስ፥ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፥ ንሓዋሩ ፈፂመ ስጋ ኣይበልዕን እየ።
← Chapter 7
Chapter 9 →