bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 5
1 Corinthians 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ኣህዛብ እኳ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምንዝርና፥ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ብፍላይ ካባኻትኩም፥ ሰበይቲ ኣቦኡ ዘእተወ ኸም ዘሎ፥ ይውረየኩም ኣሎ።
2
ተዓቢኹም ኣለኹም፤ ክትጕህዩዶ ግዳ ኣይምተገብአኩምን? ነቲ ኸምዙይ ዝበለ ርኹስ ግብሪ ዝገበረ እንዶ ግዳ፥ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
3
ኣነ ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘይሃለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ። ምሳኻትኩም ከም ዘለኹ ኾይነ ኸዓ፥ ነቲ ኸምዙይ ዝመሰለ ርኽሰት ዝፈፀመ ሰብ፥ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ። ንስኻትኩም ምስ ተኣከብኩም፥ ኣነውን ብሓይሊ ጐይታ ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም ኮይነ፥
5
ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ። እዙይ እትገብሩ፥ ብስጋኡ ተቐፂዑ፥ ብመዓልቲ ጐይታ፥ ነፍሱ ምእንቲ ኽትድሕን እዩ።
6
ዛህራኻትኩም ፅቡቕ ኣይኮነን። ቁሩብ መባዅዕቲ፥ ንብዘሎ እቲ ብሒቝ ከም ዘብኵዖዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
7
ከምቲ ሕዚ ዘለኹምዎ፥ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቊ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። በጊዕ ፋሲካና፥ ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ።
8
ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።
9
“ምስ ዘማውያን ኣይትተሓወሱ” ኢለ ፅሒፈልኩም ነይረ።
10
ግና ምስቶም ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘማውያንን፥ ወይ ስሱዓትን ከተርትን፥ ወይ መምለኽቲ ጣዖትን ማለተይ ኣይኮነን፤ እንተ ዘይኮነስ፥ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወፁ ምተገብአኩም ነይሩ።
11
ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ኣመንቲ ኢና ኻብ ዝብሉ ግና፥ ዘመውቲ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ሰኸርቲ፥ ወይ ከተርቲ ምስ ዝኾኑ ሰባት ከይትሕወሱ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባትውን፥ ከቶ ኸይትበልዑ ኢለ እየ እምበር፤
12
ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ንዘለዉ ዝፈርድ እንታይ ኣእትዩኒ? ንስኻትኩም፥ ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትና ዘለዉዶ ኣይኮንኩምን ክትፈርዱ ዘለኩም?
13
ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ዘለዉ ግና፥ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝፈርዶም። እምበኣር ነቲ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቅዎ።
← Chapter 4
Chapter 6 →