bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 11
1 Corinthians 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ።
2
ብዅሉ ስለ እትዝክሩንን፥ ነቲ ኻባይ ዝተቐበልኩምዎ ስርዓትውን፥ ኣፅኒዕኹም ስለ ዝሓዝኩምዎን፥ እንእደኩም ኣለኹ።
3
ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
4
እቲ ኽፅሊ እንተሎ ወይ ክንበ እንተሎ፥ ርእሱ ዝጕልበብ ሰብኣይ፥ ንርእሱ የዋርድ።
5
እታ ኽትፅሊ እንተላ ወይ ክትንበ እንተላ፥ ርእሳ ዘይትጕልበብ ሰበይቲ ድማ፥ ከምታ ልፅይቲ ርእሲ እያ እሞ፥ ነቲ ርእሳ ዝኾነ ሰብኣይ ተዋርዶ።
6
ሰበይቲ ዘይትጕልበብ እንተ ኾይና ግና፥ ፀጕራ ትላፀ ወይ ትቈረፅ። ንሰበይቲ፥ ምቝራፅ ወይ ምልፃይ ፀጕራ ዘነውራ እንተ ኾይኑ ትጐልበብ።
7
ሰብኣይ፥ ምስሊ እግዚኣብሄርን ክብሩን ዝገልፅ ስለ ዝኾነ፥ ክጕልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና፥ ክብሪ ሰብኣይ እያ እትገልፅ።
8
ሰበይቲ እያ ኻብ ሰብኣይ ዝተረኽበት እምበር፥ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይተረኽበንሞ።
9
ከምኡውን፥ ሰበይቲ እያ ምእንቲ ሰብኣይ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብኣይ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን።
10
በዝ ምኽንያት እዙይን፥ ምእንቲ እቶም መላእኽትን፥ ሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ስልጣን ናይ ሰብኣያ፥ ክህልዋ ይግባእ።
11
ብጐይታ ዘለና ህይወት ግና፥ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፥ ሰብኣይ ድማ ብዘይ ሰበይቲ፥ ከቶ ኣይኸውንን እዩ።
12
ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝኾነት፥ ከምኡውን ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።
13
እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ፤ ሰበይቲ ርእሳ እንተይተጐልበበት፥ ናብ እግዚኣብሄር ክትፅሊዶ ይግባእ እዩ?
14
ወይ ከዓ ሰብኣይ ፀጕሩ እንተ ኣንውሐ፥ ነውሪ ምዃኑስ እቲ ተፈጥሮ ባዕሉዶ፥ ኣይምህረኩምን እዩ?
15
ሰበይቲ ፀጕራ እንተ ኣንውሐት ግና፥ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፥ ንእኣ ኽብረታ እዩ።
16
ዝኾነ ሰብ፥ ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ ክከራኸር እንተ ደልዩ፥ ንሕናን እተን ናይ እግዚኣብሄር ኣብያተ ክርስቲያንን፥ ከምዙይ ዝበለ ልማድ የብልናን።
17
ክትእከቡ እንተለኹም እትገብርዎ፥ ክንዲ ንፅቡቕ ንሕማቕ ስለ ዝኾነ፥ በዝ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዝ፥ ኣይንእደኩምን እየ።
18
ቅድሚ ዅሉ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክትእከቡ እንተለኹም፥ ኣብ ማእኸልኩም፥ ምፍልላይ ከም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹሞ። ገሊኡ ኸዓ እኣምኖ እየ።
19
እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ።
20
እቲ ብሓደ ምእካብኩም፥ ማእዲ ጐይታ ንምብላዕ ኣይኮነን።
21
ክትበልዑ እንተለኹም፥ ነፍሲ ወከፍ ተቐዳዲሙ ደድራሩ ይበልዕ እዩ እሞ፤ እቲ ሓደ እንትጠሚ፥ እቲ ሓደ ይሰክር።
22
እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ፥ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተሕፍርዎም ዘለኹምስ፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ወይ እንታይ እሞ ኽብል? በዙይዶ ኽንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን።
23
እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ።
24
ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።
25
ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።
26
ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኣብ እትበልዕዎ፥ ነዝ ፅዋዕ እዙይውን ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ፥ ክሳዕ ጐይታ ዝመፅእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።
27
ስለዙይ እንተይተገብኦ፥ ሕብስቲ ጐይታ ዝበልዕ ወይ ፅዋዕ ጐይታ ዝሰቲ፥ ንናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝብድል።
28
እምበኣር ሰብ ካብዝ ሕብስቲ እዙይ ቅድሚ ምብላዑን፥ ካብዝ ፅዋዕ እዙይ ቅድሚ ምስታዩን ንባዕሉ ይመርምር።
29
እንተይተገብኦ ዝበልዕን ዝሰትን፥ ናይ ጐይታ ስጋ ስለ ዘይፈለጠ፥ ኣብ ባዕሉ ፍርዲ እዩ ዘምፅእ።
30
በዝ ምኽንያት እዙይ እዮም፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፤ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም።
31
ንባዕልትና ብትኽክል እንተ እንፈርድስ፥ ኣይምተፈረደናን ነይሩ።
32
ግና እንተ ተፈረደና፥ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዅነን ኢሉ እዩ፥ ጐይታ ዝግስፀና።
33
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንማእዲ ጐይታ ኽትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳትኩም ደኣ ተፀባበዩ።
34
ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝጠመየ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ገዛኡ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፥ ምስ መፃእኹ ኽሰርዐልኩም እየ።
← Chapter 10
Chapter 12 →