bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 10
1 Corinthians 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣሕዋተይ፥ ንዅላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘፅለለሎም፥ ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
2
ኵላቶም ድማ፥ ምስ ሙሴ ኽሓብሩ ብደመናን ብባሕርን ተጠመቑ።
3
ኵላቶም ከዓ፥ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ።
4
ኵላቶምውን፥ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኰዅሒ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ እቲ ኰዅሒ እቱይ ከዓ፥ ክርስቶስ እዩ።
5
እንተ ኾነ፥ ብመብዛሕቶም እግዚኣብሄር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተሪፎም እዮምሞ።
6
እዙይ ከዓ ኸምቲ ንሳቶም ነቲ ኽፉእ ዝተመነይዎ፥ ንሕናውን ምእንቲ ኸይንምነ፥ ምሳሌ ኾነና።
7
“እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክፃወትውን ተስአ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ከምቶም ገሊኣቶም፥ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ።
8
ከምቲ ገሊኣቶም ዘመንዘሩ እሞ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝሞቱ፥ ኣይነመንዝር።
9
ከምቲ ገሊኣቶም ንጐይታ ዝተፈታተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፥ ንጐይታ ኣይንፈታተን።
10
ከምኡውን ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕረምረሙ እሞ፥ በቲ ዘጥፍእ ከም ዝጠፍኡ፥ ኣይነዕረምርም።
11
እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ።
12
ስለዙይ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።
13
ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።
14
ስለዙይ ፍቑራተይ! ካብ ኣምልኾ ጣዖት ረሓቑ።
15
መስተውዐልቲ ኸም ምዃንኩም መጠን እየ፥ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ነዝ ዝብሎ ዘለኹ፥ ባዕልኻትኩም ፍረድዎ።
16
እቲ ንሕና እንባርኾ ናይ በረኸት ፅዋዕ፥ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት፥ ዘለዎዶ ኣይኮነን? እቲ እንቘርሶ ሕብስትኸ፥ ምስ ስጋ ክርስቶስ፥ ሕብረት ዘለዎዶ ኣይኮነን?
17
ኵላትና ኻብ ሓደ ሕብስቲ ንቕበል ኣለና እሞ፥ እቲ ሕብስቲ ሓደ ኸም ዝኾነ፥ ከምኡ ንሕናውን ብዙሓት እንተለና፥ ሓደ ኣካል ኢና።
18
እስኪ ብስጋ ንዝኮነ እስራኤል ረአዩ፤ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝበልዑ፥ ምስቲ መሰውኢ፥ ሕብረትዶ የብሎምን እዮም?
19
እሞኸ እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ዝጠቕሞ ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ? ወይ ከዓ ጣዖት ዝጠቅም ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ?
20
ኣይኮነን፤ እቲ ኣህዛብ ዝስውእዎ፥ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣይኮነን። ንስኻትኩም፥ ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ክህልወኩም ኣይደልን።
21
ፅዋዕ እግዚኣብሄርን፥ ፅዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ፥ ካብ ማእዲ እግዚኣብሄርን፥ ማእዲ ኣጋንንትን ክትሳተፉ ኣይትኽእሉን።
22
እምበኣርከ ንእግዚኣብሄርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና?
23
ዅሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፤ ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይሃንፅን እዩ።
24
ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብፃዩ ደኣ እምበር፥ ሓደኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።
25
ብሕሊና እንተይመርመርኩም፥ ኵሉ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ብልዑ።
26
ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን፥ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
27
ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ዓደመኩም እሞ፥ ክትከዱ እንተ ደለኹም፥ ዝጠራጠር ሕሊና ኣይሃልኹም፤ ኵሉ ዝተቐረበልኩም፥ እንተይመርመርኩም ብልዑ።
28
ሓደ ሰብ “እዙይስ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ” እንተበለኩም ግና፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን፥ ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም፥ ኣይትብልዑ።
29
ሕሊና ኽብል እንተለኹ ግና፥ ናይ ብፃይካ እምበር፥ ናትካ ማለተይ ኣይኮነን። ንስኻ “ስለ ምንታይከ፥ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዝፍረድ?
30
ኣነ ኣመስጊነ ዝበልዕ ኻብ ኮንኩ፥ ስለ ምንታይ ደኣ፥ በቲ ዘመስግነሉ ዝንቀፍ?” ትብል ትኸውን።
31
እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ።
32
ከምቲ ኣነ ንዅሉ ሰብ፥ ብዅሉ ነገር ዘሐጕስ ዘለኹ፥ ንስኻትኩም ድማ ንኣይሁድ ኮነ ንግሪካውያን ወይ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መዐንቀፍቲ ኣይትኹኑ። ኣነ ምእንቲ ኽድሕኑስ፥ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፥ ጥቕመይ ኣይደለኹንሞ።
← Chapter 9
Chapter 11 →