bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Corinthians 12
1 Corinthians 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህብቶ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
2
ኣረማውያን ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ተታሊልኩም ናብቶም በሃማት ኣማልኽቲ ትምርሑ ኸም ዝነበርኩም፥ ትፈልጡ ኢኹም።
3
ስለዙይ ከምቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝዛረብ “ኢየሱስ ርጉም እዩ” ኽብል ዘይኽእል፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ድማ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኽብል ዝኽእል፥ ሓደኳ ኸም ዘየለ አፍልጠኩም ኣለኹ።
4
እምበኣርከስ ዝተፈላለየ ውህብቶ ኣሎ፤ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
5
ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣሎ፤ ጐይታ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
6
ዝተፈላለየ ተግባር ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
7
ግናኸ ምግላፅ መንፈስ ቅዱስ፥ ንጥቕሚ ብዙሓት፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ።
8
ንሓደ ብመንፈስ፥ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ፥ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ።
9
ንሓደ በቲ ሓደ መንፈስ፥ እምነት፤ ንሓደ ድማ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ይወሃቦ።
10
ንሓደ ተኣምራት ምግባር፥ ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደ ድማ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም ውህብቶ ይወሃቦ።
11
ነዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈቐዶ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ ውህብቶ ይዕድሎ።
12
ከምቲ ሰብነት ሓደ እንተሎስ፥ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፥ እቲ ኣካላት ከዓ ብዙሕ እንተሎ፥ ሓደ ሰብነት ከም ዝኾነ፥ ክርስቶስውን ኸምኡ እዩ።
13
ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪካውያን፥ ባሮት ኮንና ነፃ ሰባት ኵልና፥ ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፥ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፤ ሓደ መንፈስውን ሰተና።
14
እቲ ሰብነት ከዓ ብብዙሕ እምበር፥ ብሓደ ኣካል ዝተሰርሐ ኣይኮነን።
15
እግሪ፥ “ኣነ ኢድ ስለ ዘይኮንኩ፥ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን” እንተበለ፥ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃኑ ይተርፎ እዩ?
16
እዝኒ ድማ “ኣነ ዓይኒ ስለ ዘይኮንኩ፥ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን” እንተበለት፥ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃና ይተርፋ እዩ?
17
ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፥ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ? እቲ ሰብነት ኵለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፥ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ?
18
ሕዚ ግና ኣምላኽ፥ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት፥ ኣብቲ ሰብነት ሰርዖ።
19
ኵሉ ሓደ ኣካል እንተ ዝኸውን፥ ሰብነት ኣበይ ምተረኽበ?
20
ሕዚ ግና፥ እቲ ኣካላት ብዙሕ እንተ ኾነ እኳ፥ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ።
21
ስለዙይ ዓይኒ ንኢድ “ኣይደልየክን” ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፤ ርእሲ ድማ ነእጋር “ኣይደልየኩምን” ክብሎም ኣይኽእልን እዩ።
22
እኳ ደኣ እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም፥ የመና ዘድልዩ።
23
ነቲ ኣብ ሰብነት ዘሎ፥ ሕሱር ኣካል ዝመስለና ኸዓ፥ ብፍሉይ ክብሪ ንከናኸኖ፤ ንሓፍረትናውን የመና ብኽብሪ ንኽውሎ።
24
እቲ ኽቡር ኣካልና ግና እዙይ ኣየድልዮን እዩ። ግና እቲ ኣካላት፥ ንስንሳቱ ኽፃወር እምበር፥ ኣብቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይኸውንስ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል፥ ዝበዝሕ ክብሪ እናሃበ፥ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ።
26
ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።
27
እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም።
28
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ።
29
ኵላቶምዶ ሃዋርያት እዮም? ኵላቶምከ ነቢያት ድዮም? ኵላቶምዶ መምህራን እዮም? ኵላቶምከ ገበርቲ ተኣምራት ድዮም?
30
ኵላቶምዶ ውህብቶ ምፍዋስ ዘለዎም እዮም? ኵላቶምዶ ብቛንቋታት ዝዛረቡ እዮም? ኵላቶምከ ይትርጕሙ ድዮም?
31
ነተን ዝዓበያ ውህብቶታት ደኣ ብብርቱዕ ድለዩ። ሕዚ ኸዓ፥ ዝበለፀ መንገዲ ኸርእየኩም እየ።
← Chapter 11
Chapter 13 →