bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 9
1 Chronicles 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኵሎም ህዝቢ እስራኤል በብማይ ቤቶም ተቘፀሩ፤ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት እስራኤልውን ተፅሒፎም እዮም። ህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከይዶም ነበሩ።
2
እቶም ቀዳሞት ኣብ ረርስቶምን ኣብ ከከተማኣቶምን ተመሊሶም ዝቕመጡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካህናትን ሌዋውያንን ንስራሕ ቤተ መቕደስ ዝተመደቡን ካልኦት እስራኤላውያንን ናታኒምን ነበሩ።
3
እቶም ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ካብ ደቂ ኤፍሬምን ምናሴን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦
4
ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ፦ ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፥ ወዲ ዖምሪ፥ ወዲ ኣምሪ፥ ወዲ ባኒ እዮም።
5
ካብ ሴሎናውያን ወዲ ይሁዳ፦ ዓሳያ እቲ በዅርን ደቁን ነበሩ።
6
ካብ ደቂ ዛራም ወዲ ይሁዳ፦ የዑኤልን እቶም ኣሕዋቶምን፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ተስዓን ነበሩ።
7
ካብ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ድማ፦ ሳሉ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሖዳይዋ፥ ወዲ ሓስኑኣ፤
8
ብኔያ ወዲ ይሮሓም፥ ኤላ ወዲ ኦዚ፥ ወዲ ሚክሪ፥ ሜሱላም ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ራጉኤል፥ ወዲ ይብኒያ፤
9
ደቂ ብንያም ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ሽዱሽተን ነበሩ። ኵሎም እዞም ቅድም ተሰምዮም ዘለዉ ሰባት ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት በብቤት ኣቦታቶም ነበሩ።
10
ካብ ካህናት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ዮዳኤ፥ ዮኣሪብ፥ ያኪን፥
11
ኣዛርያስ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ። ኣኪጦብ ሹም ቤት እግዚኣብሄር ነበረ።
12
ዓዳያ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ጳስኮር፥ ወዲ መልክያ፥ መዕሳይ ወዲ ዓዲኤል ወዲ የሕዜራ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ምሺላሚት፥ ወዲ ኢሜር።
13
እቶም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ዝነበሩ ኻህናት ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ የመና ብልሓተኛታት ሰባት ነበሩ።
14
ካብ ሌዋውያን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ሸማያ ወዲ ኣሱብ፥ ወዲ ዓዝሪቃም፥ ወዲ ኣሳብያ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ፥
15
በቅበቃርን ኤሬስን ጋላልን፥ መታንያ ኸዓ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዝክሪ፥ ወዲ ኣሳፍ፥
16
ኣብድያ ወዲ ሰሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም፥ በራክያ ወዲ ዓሳ፥ ወዲ እቲ ኣብ ዓድታት ነጦፋውያን ዝተቐመጠ ሕልቃና ነበሩ።
17
ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ከዓ እዚኣቶም እዮም፤ ሓለውቲ በሪ ድማ፦ ሰሎምን ዓቁብን ጤልሞንን፥ ኣሒማንን ኣሕዋቶምን ነበሩ፤ ሰሎም ድማ ሓለቓ ነበረ።
18
ንሳቶም ክሳዕ ሎሚ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይሕልዉ ነበሩ፤ እዚኣቶም ቀደም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ደቂ ሌዊ ነበሩ።
19
ሰሎም ከዓ ወዲ ቆሬ፥ ወዲ ኣብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዝኾኑ ኣሕዋቱ ቆሬያውያን ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፤ ኣቦታቶምውን ኣብ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነይሮም እዮም።
20
ቅድም ኢሉ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።
21
ዘካርያስ ወዲ ሜሱላም ሓላዊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነበረ።
22
እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ኣፍ ደገታት ሓለውቲ ክኾኑ ዝተሓርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ኣዓዶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ነበሩ። ንኣኣቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ዝመደብዎም ዳዊትን እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነበሩ።
23
ንሳቶምን ደቆምን ከዓ ነቲ ደገታት ድንኳን ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ቤት እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ።
24
እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲአን መኣዝን ብምብራቕ፥ ብምዕራብ፥ ብሰሜን፥ ብደቡብ ይቖሙ ነበሩ።
25
እቶም ኣብ ኣዓዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ከዓ በብተራ መፂኦም ሸሸውዓተ መዓልቲ ብምሕላው ይሕግዝዎም ነበሩ።
26
እዞም ኣርባዕተ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ደገ ሌዋውያን ነበሩሞ። ሓለፍቲውን ንሳቶም ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ክፍልታትን መዛግብትን ከዓ ምሩፃት ነበሩ።
27
ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፥ ኣብ ዙርያ ቤት እግዚኣብሄር ይሓድሩ ነበሩ፤ ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ ሓላፍነቶም ነበረ።
28
ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ ኣገልግሎት ሓለፍቲ ነበሩ እሞ፥ ቈፂሮም የእትውዎ፤ ቈፂሮም ከዓ የውፅእዎ ነበሩ።
29
ገሊኣቶም እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ፥ ኣብ ኵሉ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ ዋናታት ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ልሑም ሕሩጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከዓ ሹመኛታት ነበሩ።
30
ካብቶም ደቂ ካህናት ድማ ገሊኣቶም ካብቲ ጥዑም ዝጨናኡ ቐመማት ቅብኣት የዳልዉ ነበሩ።
31
ማቲትያ ኸዓ ኻብቶም ሌዋውያን፥ በዅሪ ወዱ ንሻሉም እቲ ቈራሓዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምላኽ መባእ ዝውፈ ቕጫ ዝስንክቱ ሓላፊ ነበረ።
32
ካብ ኣሕዋቶም ድማ፥ ካብቶም ደቂ ቀኣት ገሊኣቶም ሰንበት ሰንበት ሕብስቲ ቝርባን ከዳልዉ ሓላፍነት ነበሮም።
33
ገሊኣቶም ሌዋውያን ከዓ መዘምራን ነበሩ። ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ ኣብቲ ኽፍልታት ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። ለይትን መዓልትን ብስራሖም ፅሙዳት ዝነበሩ፥ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ነፃ ነበሩ።
34
እዚኣቶም በብትውልዶም ኣሕሉቕ ነበሩ፤ በብማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያንውን ዋናታት ነበሩ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ይቕመጡ ነበሩ።
35
የዒኤል ድማ ንኸተማ ገባዖን መስሪቱ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ማዓካ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ።
36
በዅሪ ወዱ ድማ ዓብዶን ይበሃል ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ ንዱርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን፥
37
ጌዶርን ኣሕዮን ዘኵርን ሚቅሎትን ኣብ ገባዖን ይቕመጡ ነበሩ፤
38
ሚቅሎት ከዓ ንሳምኣ ወለደ፤ እዚኣቶም ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቶም ይቕመጡ ነበሩ።
39
ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ከዓ ንዮናታንን ንማልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ።
40
ዮናታን ንመሪብ ባዓል ወለደ፤ መሪብ ባዓል ንሚካ ወለደ።
41
ደቂ ሚካ፥ ፒቶንን ሜሌክን ታሬዓን ኣካዝን ነበሩ።
42
ኣካዝ ንየዕራ ወለደ፤ የዕራ ንዓሌሜትን ዕዝሞትን ዘምሪን ወለደ፤ ዘምሪ ንሞፃ ወለደ።
43
ሞፃ ንቢንዓ ወለደ፤ ቢንዓ ንረፋያ ወለደ፤ ረፋያ ንኤልዓሳ ወለደ፤ ኤልዓሳ ንኤሴል ወለደ።
44
ኤሴል ድማ ዓዝሪቃም፥ ቦክሩ፥ እስማኤል፥ ሸዓሪያ፥ ዓብድዩ፥ ሓናን፥ ዝበሃሉ ሽዱሽተ ደቂ ነበርዎ። እዚኣቶም ደቂ ኤሴል እዮም።
← Chapter 8
Chapter 10 →