bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 8
1 Chronicles 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ ብንያም ሓሙሽተ እዮም፦ በዅሪ ቤላን፥ ካልኣይ ኣስቤል፥ ሳልሳይ ኣሕራሕ፥
2
ራብዓይ ኖሓ፥ ሓምሻይ ራፋ እዮም።
3
ደቂ ቤላን ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ኣዳር፥ ጌራ፥ ኣቢሁድ፥
4
ኣቢሱ፥ ናዕማን፥ ኦሖዋ፥
5
ጌራ፥ ሰፉፋን፥ ሑራም እዚኣቶምውን ደቂ ኤሁድ እዮም።
6
ደቂ ናዖድ ዓማንን ኣሕያን ጌራን ነበሩ። እዚኣቶምውን ደቂ ኤሁድ እዮም፤ ነቶም ኣብ ገባዖን ዝተቐመጡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት እዮም። ተማሪኾም ከዓ ናብ መናሓት ከዱ። ኣብኡ እንትነብሩ ጌራ ኣቦ ዖዛን ኣሒሑድን መርሖም።
8
ሸሓራይም ከዓ ነተን ኣንስቱ ሑሺምን በዕራን ምስ ፈትሐን፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ደቂ ወለደ፤
9
ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸዓ ንዮባብን ንዲብያን ንሜሴን ንማልካምን፥
10
ንይዑፅን ንሻኽያን ንሚርማን ወለደ፤ እዚኣቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ።
11
ካብ ሑሺም ከዓ ንኣቢጡብን ንኤልፍዓልን ወለደ።
12
ኤልፍዓል ድማ፥ ንዔቤርን ንሚሻምን ንሻሚድን ወለደ፤ ንሱ ነተን ኣኖን ሎድን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ ቍሸታተን ዝመስረተ እዩ።
13
በሪዓን ሸማዕን ዋናታት እቶም መማይ ቤት ኣቦታት እቶም ኣብ ኣያሎ ዝቕመጡ ዝነበሩ እዮም። ንሳቶም ነቶም ኣብ ጌት ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰጐጕዎም።
14
ኣሕዮን ሻሻቅን ይሬምትን፥
15
ዝባድያን ዓራድን ዔድርን፥
16
ሚካኤልን ይሽጳን ዮሓን ድማ ደቂ በሪዓ እዮም።
17
ዝባድያን ሜሱላምን ሕዝቂን ሔቤርን፥
18
ይሽምራይን ይዝሊያን ዮባብን ከዓ ደቂ ኤልፍዓል እዮም።
19
ያቂምን ዝክሪን ዘብዲን፥
20
ኤሊዔናይን ፂልታይን ኤሊኤልን፥
21
ዓዳያን ብራያን ሺምራትን ድማ ደቂ ሰሜኢ እዮም።
22
ይሽፋንን ዔቤርን ኤሊኤልን፥
23
ዓብዶንን ዝክሪን ሓናንን፥
24
ሓናንያን ዔላምን ዓንቶትያን፥
25
ይፍዴያን ፋኑኤልን ከዓ ደቂ ሶሴቅ እዮም።
26
ሸምሽራይን ሸሓርያን ጎቶልያን፥
27
ያሬሽያን ኤሊያስን ዝክሪን ድማ ደቂ ይሮሓም እዮም።
28
እዚኣቶም ኣብ ትውልዶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ኣሕሉቕ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።
29
ይዒኤል ንገባዖን መስረታ፤ ኣብኣ ኸዓ ይቕመጥ ነበረ፤ ሰበይቱ ድማ መዓካ ትበሃል ነበረት።
30
በዅሪ ወዱ ዓብዶን ይበሃል ነበረ፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ዱርን ቂስን በዓልን ናዳብን፤
31
ጌዶርን ኣሕዮን ዛኩርን ዝበሃሉ ኣብ ገባዖን ተቐመጡ።
32
ሚቅሎት ከዓ ንሳምኣ ወለደ፤ እዚኣቶም ኣብ ጥቓ ኣሕዋቶም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።
33
ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ድማ ንዮናታንን ንሜልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ፤
34
ዮናታን ንመሪበዓል ወለደ፤ መሪበዓል ንሚካ ወለደ፤
35
ሚካ ንፒቶንን ሜሌክን ታሬዓን ኣካዝን ወለደ፤
36
ኣካዝ ንይሆዓዳ ወለደ፤ ይሆዓዳ ንዓሌሜትን ንኣዝሞትን ንዘምሪን ወለደ፤ ዘምሪውን ንሞፃ ወለደ፤
37
ሞፃ ንቢንዓን ወለደ፤ ቢንዓን ንረፋያ ወለደ፤ ረፋያ ንኤልዓሳ ወለደ፤ ኤልዓሳ ንኤሴል ወለደ፤
38
ንኤሴል ሽዱሽተ ውሉድ ነበሮዎ፤ ስማቶም ድማ፥ ዓዝሪቃም፥ ቦክሩ፥ እስማኤል፥ ሽዓሪያ፥ ኣብድዩ፥ ሓናን ይበሃሉ፤ እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኤሴል እዮም።
39
ደቂ ኣሴል ሓዉ፦ በዅሪ ኡላም፥ ካልኣይ ኢያስ፥ ሳልሳይ ኤሊፋላት።
40
ደቂ ኡላም ምግታር ቀስቲ ዝኽእሉ፥ ተባዓት ተዋጋእቲ ነበሩ። ንኣኣቶምውን ብዙሓት ደቅን ደቅ ደቅን ነበርዎም። ኵሎም ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ብንያም ነበሩ።
← Chapter 7
Chapter 9 →