bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Chronicles 10
1 Chronicles 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ደቂ እስራኤል ተዋግኡ፤ ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ። ብዙሓት ድማ ተወጊኦም ኣብ እምባ ጊልቦዓ ተቐተሉ።
2
ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ስዒቦም ኣባረርዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፥ ንዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳን ንሰዓን ቀተልዎም።
3
ኣብቲ ሳኦል ዝነበሮ ኸዓ ውግእ በርትዐ፤ እቶም ወርወርቲ ቀስቲውን ኣርኪቦም ወግእዎ።
4
ሽዑ ሳኦል ነቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ግና እምብዛ ስለ ዝፈርሐ፥ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
5
እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከመሉ ኸዓ፥ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
6
በዝ ኸምዙይ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፤ ኵሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ።
7
እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል፥ ሰራዊቶም ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ድማ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ከተማታቶም ሓዲጎም ሃደሙ፤ ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን።
8
ንፅባሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መፁ፤ ንሳኦልን ንደቁን ከዓ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።
9
ሽዑ ንሳኦል ርእሱ ቘሪፆም፥ ኣፅዋሩ ገፊፎም ወሰዱ። ንጣዖታቶምን ነቲ ህዝብን ምእንቲ ኸበስሩ ኸዓ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ልኡኻት ሰደዱ።
10
ነቲ ኣፅዋሩ ድማ ኣብ ቤት ኣማልኽቶም ኣንበርዎ፤ ንርእሱ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ዳጎን ሰቐልዎ።
11
ኵሎም ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ እቲ ዅሉ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፥
12
ጀጋኑ ዝኾኑ ዅሎም ሰባት ተሲኦም ከዱ እሞ፥ ንሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ኢያቢስ ኣምፅእዎም። ነቲ ኣዕፅምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኢያቢስ ዘላ ዓባይ ኦም ቀበርዎ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ።
13
ሳኦል ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላዉን ነታ ምስ መናፍስቲ ምዉታት እትዛረብ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደለን ሞተ።
14
ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ቀሰፎ። ነታ መንግስቱ ኸዓ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣሕለፋ።
← Chapter 9
Chapter 11 →